ግራውቲ ወይኒ ካሊፎርንያ ብባርዕ ሓዊ ይህሞኽ

ምንጪ ስእሊ, AFP/GETTY
ገለ ክፋል መሬት ወይኒ ግዝአት ካሊፎርኒያ (ኣሜሪካ) ብቕልጡፍ ብዝላባዕ ዘሎ ባርዕ ሓዊ ይህሞኽ አሎ:: ድሮ ድማ ብዉሑዱ 10 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ: ኣስታት 1,500 ዝኸውን ገዛውቲ ነዲዱ፡ ሰፊሕ ወፈራ ምግዕዓዝ ህዝቢ ድማ ይካየድ አሎ::
ሰበ ስልጣን እቲ ኸባቢ አብ ሶኖማ ካውንቲ ሸውዓተ ሰባት ከምዝሞቱ አፍሊጦም::
በዚ አብ ታሪኽ ናይታ ግዝአት እቲ ዝኸፍአ ምዃኑ ዝንገረሉ ባርዕ አስታት 20,000 ህዝቢ ናፓ፣ ሶኖማን ዩባን ናብ ውሑስ ቦታ ሃዲሞም አለዉ:: ኣማሓዳሪ ግዝኣት ካሊፎርኒያ ድማ ናይ ህጹጽ ሓደጋ ኣዋጅ ኣዊጁ'ሎ።
"እዚ ባርዕ'ዚ ኣማኢት ገዛውቲ አብሪሱን፡ ካልእ ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ገዛውቲ አብ ሓደጋ አውዲቑ፡ ምግዕዓዝ ናይ ኣሽሓት ህዝቢ ድማ አስዒቡ'ሎ" ይብል እቲ ኣዋጅ::
ክልተ ሰባት አብ ናፓ፡ ሓደ ካልእ ድማ አብ ማንዶሲኖ ካውንቲ ክሞቱ እንከለዉ፡ አብ ሓደ ማዕሙቕ ዝርከብ ብኣሽሓት ኤከራት ዝቑጸር መሬት ድማ ሓሪሩ::
ተወሳኺ መጉዳእቲ ከምዘሎን ገለ ሰባት'ውን ጠፊኦም ከምዘለዉ ይንገር: ማሪያ ዊሊያምስ ዝተባህለት ነባሪት ኬንዉድ ናይ ሶኖማ ካውንቲ ምስ ጎረባብታ ብቓፍላያት መኻይን ከምዝሃደመት ገሊጻ::
"ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ባርዕ'ዩ" ክትብል ድማ ንኤን ቢ ሲ ነጊራ::

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓላፊ ምክልኻል ጫካን ሓውን ካሊፎርኒያ ኪም ፒምሎት ከምዝበሎ፡ ድሮ አስታት 1,500 ህንጻታት ዓንዮም አለዉ:: እንተኾነ መበገሲ ናይቲ ባርዕ እንታይ ምዃኑ ክሳብ ሕጂ አይተፈልጠን ዘሎ::
እቲ ኩነታት ንምንቅስቓስ መጥፋእቲ ሓዊ ይዕንቅፎ ከምዘሎ ሓላፊ ናፓ ካውንቲ ኣፍሊጡ:: ብደርዘናት ዝቑጸሩ አብ ግራት ወይኒ ዝሰርሑ ሰባት ድማ ብነፈርቲ ናብ ውሑስ ቦታ ግዒዞም ኣለዉ::
ብርቱዕ ንፋስን ትሑት ጸቕጥን ድማ ነቲ ባርዕ ኣዝዩ ብቅልጡፍ ከም ዝላባዕ ገይሩዎ አሎ::
ሃገራዊ አገልግሎት ኩነታት ኣየር ድማ "ዝኾነ ይኹን ባርዕ ቀልጢፉ ናይ ምልባዕ ክእለት ክህልዎ ይኽእል እዩ" ክብል ንፍራንቸስኮን ከባቢኣን አጠንቂቑ'ሎ.
"በቃ በቲ ትክን ረመጽን እጽፋዕ ነይረ" ክብል ኬን ሞልት ሲበርት ዝተባህለ ነባሪ ንኤል ኤ ታይምስ ሓቢሩ::
"አዝዩ ድማ ቅልጡፍ ነይሩ" ኢሉ ንሱ::
አገልግሎት ምጥፋእ ሓዊ ካሊፎርኒያ ከምዝሓበሮ ዝያዳ 70,000 ኤከርስ ዝኸውን መሬት በቲ አብ ታሪኽ ካሊፎርኒያ ዝኸፍአ ባርዕ ሓሪሩ'ሎ ኢሉ::
ከተማ ሎስ አንጀልስ ናይ ካሊፎርኒያ፡ አብ ዝሓለፈ መስከረም አብ ታሪኻ ዝኸፍአ ባርዕ አጋጢሙዋ ነይሩ::




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







