ስድራ ቤትን መቕርብን ግዳያ ንፍቱዋቶም ኣብ ካቴድራል ቅዱስ ጳዉሎስ ዘኪሮሙዎም

ዝኽሪ ግዳያት ባርዕ ግሪንፈል

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ዝኽሪ ግዳያት ባርዕ ግሪንፈል

ሓዘንተኛታት ውጻእ መዓት ሓደጋ ሓዊ ግሪንፈል ታወር፡ ስድራቤት ግዳያትን ኣባላት መጥፋእቲ ሓውን፡ ኣብ ካቴድራል ቅዱስ ፖል ምስ ኣባላት ንጉሳዊ ስድራ ቤት (ሮያል ፋሚሊ) ቀዳመይቲ ሚኒስተር ተሬዛ መይን ንመወትቲ ዘኪሮም።

ጳጳስ ኬንዚንግተን እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ኣብ ህይወትና ዝሓሸን ዝጸፈፈን ኣገባብ ክንጥቀም ክምህረና እዩ ኢሉ። ኣብቲ ብ14 ሰነ ዘጋጠመ እሞ 71 ትንፋስ ዝወሰደ ሓደጋ ባርዕ፡

ኣርባዕተ ኣባላት ሓንቲ ስድራ፡ መሓመር ኑር ትኩእ፡ ኣማል ኣሕመዲን፡ ኣማያ ትኩእ፡ ኣምና መሓመድ ኢድሪስ፡ ከምኡ እውን ብርኽቲ ሃብቶም ምስ ወዲ 12 ዓመት ወዳ ብሩኽ ዝርከቡዎም ካልኦት ሓያሎ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዜጋታት ከምዝተጎድኡ ዝዝከር እዩ።

ኣርማ ዝኽሪ ግዳያት ባርዕ ግሪንፈል

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣርማ ዝኽሪ ግዳያት ባርዕ ግሪንፈል ናብቲ ናይ ዝኽሪ ኣጋጣሚ

ኣብ ዝኽሪ'ቲ ሽዱሽተ ወርሒ ንኹሎም እቶም ኣብቲ ሓደጋ ዝተሳተፉ ማሕበረ-ሰብ እቲ ከባቢ፡ ኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ ናይ ድሕነት ትካላት፡ ኩሎም ወለንተኛታት ወሃብቲ ደገፍ ምስጋና ኣቕሪቦም።

ኣብቲ ናይ ዝኽሪ ኣጋጣሚ ኣቡን ካንትቤሪ ጃስቲን ወልበይ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ተሬዛ ኣቦ መንበር ሰልፊ ዕዮ ብሪጣንያ ጀረምይ ኮርባይን ካብቶም ኣብቲ ፍትሓት ዝተረኽቡ ልዕሊ 1,500 ኣጋይሽ ነይሮም።

ኣብ መኽፈቲ እቲ ዝኽሪ ናይ ሓደ ደቒቕ ናይ ሕልና ጸሎት ምስተገብረ ዲን ቅዱስ ጳውሎስ ዶ/ር ዳቪድ ኣይሶን" ግዳያትና ንምዝካር ካብ ዝተፈላለየ ሃይማኖት ተኣኪብና ኣሎና። ብእምነት እኳ እንተተፈላለና ብዘጋጠመና ሓዘንን ጓህን ግን ኣይተፈላለናን" ኢሉ።

ተስፋ ንለውጢ

ዝኽሪ ግዳያት ባርዕ ግሪንፈል

ምንጪ ስእሊ, PA

መግለጺ ስእሊ, ንጉሳዊ ስድራ ቢት ኣብ ዝኽሪ ግዳያት ባርዕ ግሪንፈል

እተን ተምሃሮ ኣልሳዲቕን ኣል ዛህራን ከምዚ ክበላ ዘመራ፥ "ተስፋ ኣይንቖርፅን!"።

አሰናዳኢ እቲ መዘከርታን ጳጳስ ኬንሺንግቶ ግረሃም ቶምሊን ፥ "ሎም መዓልቲ መጠንቅቕታ ንምንታይ ዕሽሽ ከምዝተብሃሉ፥ እቲ ማሕበረሰብ ንምንታይ ተረሲዐ ዝብል ስምዒት ከምዝሓደሮ፥ ንምንታይ ከምዘይተሓብሓበን ዝሰምዖ ከምዘይረኸበን" ክብሉ ኣብ ቅድሚ እቲ ዕዱም ተዛሪቦም።

ይኹን 'ምበር ኣብቲ ሓድሽ ዓመት እዛ ደሃይ ዘይትገብር ከተማ ክትልወጥ ተስፋ ይገብር ኢሎም።

"ግረንፈል" ዝብል ቃል ምልክት ሓዘንን ስቓይን ምዃና ተሪፉ ሓድሸ ህይወት እንፈጠረሉን ምልክት ተስፋ ክትከውን እያ ዝብል ተስፋ ከምዝሓደሮም ይዛረቡ።

ቅድሚ እቲ ኣግልግሎት እቶም ጳጳስ፡ ሚስተር ቶምሊን፥ " ኣብቲ ማሕበረሰብ ዓብይ ናይ ምልዋጥ ተስፋ አሎ። ምኽንያቱ እምነት፡ ነቲ ህዝቢ ጠቓሚ ነገር እዩ። እዚ አብቲ ህዝቢ ብርታዐ ክፈጥር ክሕግዞ እዩ" ኢሎም ነይሮም።

ኣይንርስዓኩምን ኢና

ካቴድራል ቅዱስ ጳውሎስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣገልግሎት ፍትሓት ኣርማ ዝኽሪ ግዳያት ባርዕ ግሪንፈል

ካብ መንጎ እቶም ዕዱማት እዚ መድረኽ ዝኾኑ ትያጎ አልቪስ ሓደ እዩ። ኣብቲ ፕሮግራም ምስ ሰድርኡ እዩ ተረኺቡ።

ምስ ቢቢሲ 'ብሬክፋስት' ከምዝተዛረቦ፥ ኣብዚ መዘኸኸሪ ዕለት ሕልንኡ ኹሉ ምስቶም ወለዶም ዝሰኣኑ እዩ ውዒሉ።

"ዝኽሪ ሎሚ መዓልቲ ብዛዕባ እቶም ብህይወት ዝተረፉ ኣይኮነን። ብዛዕባ እቶም መሓዝቶምን ፈተውቶምን ዝሰኣኑ እዩ"።

ኣብዚ መዓልቲ ብዙሕ ዝሕዝን ተዘክሮታት ኣሎ። ሰብ ነቲ ፍፃመ ከይርሰዖ ብምባል ኢና ከኣ ንዝክሮን ንህዝብን ዝምልከቶምን ነዘኻኽር ዘሎና ኢሉ።

ወታሃደራዊ ማርሽ ፖርቶቤሎን ባንዲ ቅዱስ ጳውሎስ ካቴድራልን ኣብቲ ፍትሓት ዝተወሃበሉ እዋን ምርኢት ኣቕሪቦም። ከምኡ እውን እቶም ብተደጋጋሚ ኣብ 'ኖቲንግ ሂል ካርኔቫል' ምርኢት ዘቕርቡ ኢቦኒ ስቲል ባንድ ናይ ሊዮናርዶ ኮሀን "ሃሌሉያ" ዝብል መዝሙር ዘሚሮም።

ኣብ መወዳእታ እቲ ስነ ስርዓት ዝኽሪ ስድራ ግዳያትን ካብቲ ሓደጋ ዝተረፉን ንፍቱዋቶም ፃዕዳ ዕምበባ ኣንቢሮም።

ኣርማ ዝኽሪ ግዳያት ባርዕ ግሪንፈል

ክለሪ መንዲ ሓትንኣን ሜሪ ጓል ሓፍቲ ኣደኣ ካዲጅ ሳየን በቲ ሓደጋ ስኢና። "እቲ ዝኽሪ፡ እቲ ህዝብን እቶም ካብቲ ሓደጋ ዝተረፉን ይደልይዎ እዮም" ኢላ።

ኣርማ ዝኽሪ ግዳያት ባርዕ ግሪንፈል

ምንጪ ስእሊ, PA

በቲ ሓደጋ 53 ዓበይትን 18 ቈልዑን ህይወቶም ስኢኖም።

ኣዛዚ ፖሊስ ክሬስዳ ዲክ "ክንዲ ዝወሰደ ግዜ ይውሰድ ኣብቲ ባርዕ ሓዊ ኢድ ዘለዎም ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ክቐርቡ እዮም" ኢላ።

መስርሕ ምፅራይ እቲ ፍጻሜ ከኣ ርትዓዊ ብዝዀነ መንገዲ ይካየድ ምህላዉ እውን ወሲኻ ሓቢራ።

ግዳያት ባርዕ ግሪንፈል
መግለጺ ስእሊ, ግዳያት ባርዕ ግሪንፈል