ኣብ ኣብያተ ህንጸት ወልዲያን ፍኖተ-ሰላምን ዝተዓለ ሓዊ ጉድኣት ኣብጺሑ

ኣብ ኣብያተ ህንጸት ወልዲያን ፍኖተ-ሰላምን ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣጋጢሙ

ምንጪ ስእሊ, Facebook

ኣብ ምዕራብ ጎጃም ኣብ ከተማታት ወልድያን ፍኖተ ሰላምን ኣብ ዝርከቡ ኣብያተ ህንጸት ብዝተልዓለ ዕግርግር ዘጋጠመ ሓደጋ ሓዊ ንብረት ከምዘዕነወ ሓለፍቲ እቶም ኣብያተ ህንጸት ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ኣብ ከተማ ፍኖተ ሰላም ዝርከብ ቤት ህንጸት፤ ሎሚ ንጉሆ ሰዓት ክልተ ኣብ መሕደሪ ደቂ ተባዕተዕዮ ቖጸራ ክካየድ እንትብል፤ ኣብ ሞንጎ እቶም እሱራት ጎንጺ ተላዒሉ ይብል ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ ቤት ህንጸት ሓጋዚ ሳጅን ግርማ ሙሉጌታ።

እቶም ተሃነጽቲ ንምንታይ ኢና ዘይንፍታሕ ዝብል ድምጺ ከምዘስምዑ ዝዛረብ ሓጋዚ ሳጅን ግርማ፡ ኣይንቁጸርን ኢሎም ከምዘጸገሙ ሓቢሩ።

ኣባላት ፖሊስ ናይቶም ተሃነጽቲ ዓመጽ እንትርእዩ ሓለዋ ከምዘበርትዑን ሽዑ ንሽዑ ኣብቲ ቤት ህንጸት ኣብ ዝርከብ መፍረዪ ሽምዓ ሓዊ ከምዝተልዓለ ኣረዲኡ።

ካብዚ ብተወሳኺ 26 ክፍሊታት መሕደሪ ተሃነጽቲ ሙሉእ ንሙሉእ ከምዝዓነዉ ብምግላጽ፡ ቤት ጽሕፈት ኣተሓሕዛ ተሃነጽትን ሬጅስትራርን'ዉን ብዚ ሓዊ ከምዝተቓጸለ ሓቢሩ።

ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ዝነበራ ኮምፒዩተራት ግና ካብቲ ሓደጋ ምድሓን ተኻኢሉ።

ኣብ ቤት ህንጸት ወልዲያ ብዘጋጠመ ተመሳሳሊ ሓደጋ ደቂ ተባዕትዮ ዝሓድሩሎም ክፍሊታትን መሳርሒታት ስልጠና እቲ ቤት ህንፈትን ከምዝዓነወ ርክብ ህዝቢ እቲ ቤት ህንጸት ኮማንደር እንዳለ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣብዚ ሰሙን ብዘጋጠመ ሕጽረት ሽኮር ሻሂ ክቐርበሎም ዘይምኽኣሉ፡ መበገሲ ተቓዉሞ ከምዝኾነን ጸኒሖም እቶም ተሃነጽቲ ኣእማን ምድርባይ ከምዝጀመሩን ተዛሪቡ።

ክሳብ ሕጂ ክልተ ተሃነጽቲ ቆሲሎም ኣለዉ።

ትማሊ ድማ ኣብ ቤት ህንፈት ደብረማርቆስ ባርዕ ሓዊ ከምዝነበረ ዝዝከር ኮይኑ፤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቃሊትን ኣርባምንጭን ዝርከቡ እሱራት ተመሳሳሊ ናይ ፍትሑና ሕቶ ብምልዓሎም ዘይምርግጋእ ከምዝነበረ ተገሊጹ።