ብራዚል፡ ኣብ ጫካ ኣማዞን 'ኣብ ውሽጢ 12 ዓመት እቲ ዝለዓለ' ብርሰት ኣጋጢሙ

ጫካ ኣማዞን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ብርሰት ጫካ ኣማዞን ፡ ካብ 2008 ጀሚሩ ዝለዓለ ከም ዝኾነ ምርምር ጠፈር ብራዚል ኣፍሊጡ።

ካብ ወርሒ ሰነ 2019 ክሳብ ሓምለ 2020 ኣብ ዘሎ ግዜ ጥራሕ፡ 11,088 ትርብዒት ኪሎ ሜትር ጫካ ዓንዩ።

ጫካ ኣማዞን፡ ዋዒ ዓለም ንምንካይ ዝሕግዝ ካርበን ዘመንጩ ኣገዳሲ ሃብቲ ተፈጥሮ እዩ።

ተመራመርቲ፡ ፕሬዝደንት ጄር ቦልሶናሮ ኣብ 2019 ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ኣትሒዙ እቲ ጫካ ዝበጽሖ ሓደጋታት ከም ዝወሰኸ ይገልጹ።

እቲ ፕሬዝደንት፡ ስራሕቲ ሕርሻን ዕደናን ኣብቲ ጫካ ንክካየዱ ዘተባብዕ'ዩ።

ብተወሳኺ፡ ፕሬዝደንት ቦልሶናሮ ኣብቲ ጫካ ልምዓት ክካየድ ዘተባብዕ ኮይኑ፡ ሕጊ ስነ ከባቢ ንዝጥሓሱ ሓረስቶትን ጫካ ዝቖርጹ ሰባትን ክቐጽዑን ክኣስሩን ስልጣን ዝነበሮም ኤጀንሲታት ዝወሃብ ፈንድ ክቑረጽ ገይሩ'ዩ።

ኣብዚ ጉዳይ ትኹረት ክግበር ንዝጠልቡ ድማ ክብሪ ብራዚል ዘርስሑ ብምባል ይነቕፎም።

ኣማዞን፡ ኣስታት ሰለስተ ሚልዮን ዓሌታት ተኽልን እንስሳን ከምኡ'ውን ሓደ ሚልየን ደቂ'ባትን ዝርከብሉ እዩ።

ብራዚል፡ ኣብ 2020 ዓመታዊ ብርሰት ኣግራብ ናብ 3900 ትርብዒት ኪሎ ሜትሮ ንምጉዳል ሸቶ ኣቐሚጣ ነይራ።