ካብ ኣማዞን ንላዕሊ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝያዳ ባርዕ ሓዊ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, NASA
ኣብ ጫካ ኣማዞን ኣጋጢሙ ዘሎ ባርዕ ሓዊ፡ ኣቓልቦ ማሕበረሰብ ዓለም ስሒቡ ይርከብ።
እንተኾነ፡ ባርዕ ሓዊ ኣማዞን፡ ምስ ካልእ ክፋል ዓለም ክነጻጸር እንከሎ፡ ዝተረኽበ ሓቅታት ዘገርም እዩ።
ኣብዚ ጉዳይ ተመርኩሶም፤ ሰባት ነቲ ብትካል ምርምር ጠፈር ኣመሪካ ዝተዳለወ፡ ኣብ ዓለምና ዝተኸሰቱ ባርዓት ዘርእይ ካርታ ክፈታትሽዎ ጀሚሮም።
ብሰንበት ዝወጸ ካርታ ናይ ዓለምና እንተተዓዚብና፡ ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ካብ ኣማዞን ንላዕሊ ዝያዳ ባርዕ ሓዊ ከምዘሎ ዘርእይ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ፤ ኣንጐላ ምስ ብራዚል ክነጻጸር እንከሎ፡ 3 ዕጽፊ ባርዕ ሓዊ ኣጋጢምዋ እዩ።
እቲ ዝተረኸበ መረዳእታ ከምዝሕብሮ፡ ኣብ ኣንጐላ 6,902 ባርዕ ሓዊ፡ ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ 3,395 ባርዕ ሓዊ ኣጋጢሙ ነይሩ።
ኣብ ብራዚል ዝነበረ ድማ፡ 2,127 ባርዕ ሓዊ ጥራይ እዩ።
ብርክት ዝበሉ ደቂ ብራዚል፡ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ክንዲ ኣብ ኣማዞን ዝዝንቢ፤ ኣቓልብኡ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ባርዓት ክገብር ኣዘኻኺሮሞ።
ሰኑይ መዓልቲ፡ ኣብ ዱር ኣማዞን ተወሊዑ ንዘሎ ባርዕ ሓዊ ንምጥፋእ፡ ሃብታማት ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተ፡ 22 ሚልዮን ዶላር ክህባ ምዃነን ፕረዚደንት ፈረንሳ ኣፍሊጡ እዩ።
ንሱ፡ ነቲ ኣብ ሃገራት ትሕተ-ሰሃራ ኣፍሪቃ ተወሊዑ ዘሎ ባርዕ ንምጥፋእ'ውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ተዛሪቡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ኣብ ካርታ ናይ 'ናሳ' እናነደደ ዝረኣይ ዘሎ ቦታታት፡ ዱር ድዩ ወላ መጋሃጫ ኣይተጠቐስን።
ሓደ ሓደ ግዜ፡ ሓረስቶት ነቲ መሬቶም ጸሪጎም ዳግማይ ክዘርኡ፤ ነቲ ተኽሊ ብምቑራይ የንድድዎ።
እንተኾነ ግና፡ ከምዚ ዓይነት ኣሰራርሓ ንምብሕጓግ መሬትን፤ ምድረበዳነትን ከምኡ'ውን ኣብ ምጥፋእ ህይወታውያን ኣበርክቶ ከም ዝገብር ይግለጽ።
እንተኾነ፤ ብሓዊ ኣቃጺልካ መሬት ምጽራግ ሕሱር ብምዃኑ፡ ሕማም ንምክልኻል ስለዝሕግዝን፡ እቲ ሓሞኽሽቲ ድማ ንቐጻሊ ኣዝርእቲ ከም ዱኽዒ ስለዘገልግልን ብሓረስቶት ተመራጺ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







