ማክኬንዚ ቤዞስ፡ ፍርቂ ናይቲ ካብ ፍትሕ ዝረኸበቶ 37 ቢልዮን ንሰናይ ተግብር ክትልግስ'ያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
በዓልቲ ቤት ወናኒ ኣማዞን [ኦንላይን ዕዳጋ] ጀፍ ቤዞስ ዝኾነት ማክኬንዚ ቤዞስ፡ ካብ ፍትሕ ካብ ዝረኸበቶ ብጽሒት ነቲ ፍርቂ፡ ንሰናይ ተግባር ክትልግሶ ምዃና ኣፍሊጣ።
ንሳ፡ በዚ ሰናይ ተግባራን ልገሳን፡ ምስቶም ፍሉጣት ቢልዮነራት ዓለምና ዋረን ባፌትን፤ መስራቲ ማይክሮሶፍት ቢል ጌትስን ስማ ክሰፍር ክኢላ።
እዚ ልገሳ ሃብቲ፡ ብቢልየነራት ቢልጌይትን ባፌትን ዝተጀመረ ኮይኑ፡ ሃብታማት ዓለምና ፍርቂ ወይ ልዕሊኡ ካብ ሃብቶም ክልግሱ ይጽውዕ።
ማክኬንዚ ቤዞስ ኣስታት 37 ቢልዮን ዶላር ሃብቲ ኣለዋ። እዚ ሃብቲ ዝረኸበቶ ድማ፡ ኣብዚ ዓመት ምስ በዓል ቤታ ቤዞስ ፍትሕ ምስ ፈጸመት እዩ።
"ካብቲ ተፈጥሮ ዝለገሰትለይ ሃብቲ ብተወሳኺ ንኻልኦት ክመቕሎ ዝግባእ ካልእ ገንዘብ ኣለኒ" ዝበለት ቤዞስ፡ ነዚ ሰናይ ብዝያዳ ኣጠናኺራ ከም እትሰርሓሉ ተዛሪባ።
ኣብቲ ካብ ዘለካ ሃብቲ ፍርቁ ወይ ልዕሊኡ ንምልጋስ ዝግበር መብጽዓ፡ ዛጊት ኣብ 23 ሃገራት ዝርከቡ፡ 204 ውልቀ-ሰባት፣ መጻምድን ስድራን ፈሪሞም ኣለዉ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







