ቢልየነር ሮበርት ስሚዝ፡ ናይ ኣሜሪካውያን ተምሃሮ ዕዳ ክኸፍል እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዘፈር ቴክኖሎጂ ቢልየነር ኣውፋሪ ዝኾነ፡ ሮበርት ስሚዝ ኣብ ኣትላንታን ጆርጅያን ዝመሃሩ ተመረቕቲ ተምሃሮ ናይ ቤት ትምህርቲ ሙሉእ ዕደኦም ከምዝኸፍለሎም ብምግላፅ ኣስደሚምዎም ኣሎ።
ኣሜሪካዊ ስሙይ ቢልየነር ገባሪ-ሰናይ ሮበርት ስሚዝ፡ ኣብ ኮሌጅ ሞርሃውስ ተረኺቡ እዩ ነዚ ገሊፁ።
በዚ ናይ 10 ሚልየኖት ዶላር ክፍሊት ድማ ኣስታት 400 ተምሃሮ ተጠቀምቲ ክኾኑ እዮም።
ተመረቕቲ ተምሃሮ 2019ን መምህራኖምን በዚ ዘስደምም ዜና ኣመና ዝተደናገፁ እንትኾኑ ፀኒሖም ግና፤ ንቢልየነር ሮበርት ስሚዝ ዘለዎም ናእዳ ገሊፆምሉ እዮም።

ወናኒ ትካል 'ቪስታ ኡኪቲ ፓርትነርስ' ወዲ 56 ዓመት ስሚዝ፡ ኣብ ትካላት ሶፍትዌር መዋእለ ነዋዩ ዘፍሰሰ እንትኸውን፡ ከም መፅሄት ፎርብስ 5 ቢልየን ዶላር ኣሜሪካ ይውንን።
ቢልየነር ሮበርት ስሚዝ ትማሊ ነቶም ተመረቕቲ ኣብ ዘስመዖ መደረ "ብስም ኣብዛ ሃገር ዝነበሩ ናይ ሸሞንተ ትውልድታት ስድራይ፡ ንመኪናኹም ንእሽተይ ነዳዲ ንህባ ኣለና" ብምባል ኣበርክትኡ ከም ንእሽተይ መተባብዒ ምዃኑ ገሊፁ።
"እዚ ናይ 2019 ክፍሊ ምድበይ እዩ፡ ስድራይ ድማ ዕዳ ተምሃርኡ ንምስራዝ ተስማዕሚዑ ኣሎ" ኢሉ ሮበርት ስሚዝ።
ናይ ክብሪ መዓርግ ንምቕባል ኣብቲ ኮሌጅ ዝተረኸበ ኣሜሪካዊ ቢልየነር ሮበርት ስሚዝ፡ 1.5 ሚልየን ዶላር ኣሜሪካ ንኮሌጅ ሞርሃውስ ከምዝሕግዝ ድማ ኣፍሊጡ።
ሮበርት ስሚዝ ንዘርኣዮ ለውሃት (ልግስና) ብገንዘብ ክንደየናይ ምዃኑ ግልፂ ዋላ እኳ እንተዘይኮነ፡ እቲ ኮሌጅ ጠቕላላ ዕዳ ተምሃርኡ ከስልሕ እዩ።
ኣስታት 10 ሚልየን ዶላር ክኸውን ከምዝኽእል ግና ይግመት።
ተመረቕቲ ተምሃሮ እንታይ ኢሎም?
ወዲ 22 ዓመት ኣሮን ሚትኮም፡ ንትምህርቲ ዘውፀኦ 200 ሽሕ ዶላር ንምኽፋል ዓቕሚ ኣይነበሮን፡ ነዚ ምስ ሰምዐ ግና ሓጎሱ ብንብዓት እዩ ገሊፅዎ።
"ብጣዕሚ እየ ደንጊፀ፤ ህርመት ልበይ ደው ኢላ፤ ኩላህና በዚ ዝሰማዕናዮ በኺና፥ ኣብ ዝባንና ዝነበረ ሸኽሚ እዩ ኣቕሊሉልና" ክብል ንማዕኸን ዜና AP ገሊፁ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







