ቢልየነር ሮበርት ስሚዝ፡ ናይ ኣሜሪካውያን ተምሃሮ ዕዳ ክኸፍል እዩ

ሮበርት ስሚዝ ኣብ ዋሽንግተን 2016

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ዘፈር ቴክኖሎጂ ቢልየነር ኣውፋሪ ዝኾነ፡ ሮበርት ስሚዝ ኣብ ኣትላንታን ጆርጅያን ዝመሃሩ ተመረቕቲ ተምሃሮ ናይ ቤት ትምህርቲ ሙሉእ ዕደኦም ከምዝኸፍለሎም ብምግላፅ ኣስደሚምዎም ኣሎ።

ኣሜሪካዊ ስሙይ ቢልየነር ገባሪ-ሰናይ ሮበርት ስሚዝ፡ ኣብ ኮሌጅ ሞርሃውስ ተረኺቡ እዩ ነዚ ገሊፁ።

በዚ ናይ 10 ሚልየኖት ዶላር ክፍሊት ድማ ኣስታት 400 ተምሃሮ ተጠቀምቲ ክኾኑ እዮም።

ተመረቕቲ ተምሃሮ 2019ን መምህራኖምን በዚ ዘስደምም ዜና ኣመና ዝተደናገፁ እንትኾኑ ፀኒሖም ግና፤ ንቢልየነር ሮበርት ስሚዝ ዘለዎም ናእዳ ገሊፆምሉ እዮም።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

Presentational white space

ወናኒ ትካል 'ቪስታ ኡኪቲ ፓርትነርስ' ወዲ 56 ዓመት ስሚዝ፡ ኣብ ትካላት ሶፍትዌር መዋእለ ነዋዩ ዘፍሰሰ እንትኸውን፡ ከም መፅሄት ፎርብስ 5 ቢልየን ዶላር ኣሜሪካ ይውንን።

ቢልየነር ሮበርት ስሚዝ ትማሊ ነቶም ተመረቕቲ ኣብ ዘስመዖ መደረ "ብስም ኣብዛ ሃገር ዝነበሩ ናይ ሸሞንተ ትውልድታት ስድራይ፡ ንመኪናኹም ንእሽተይ ነዳዲ ንህባ ኣለና" ብምባል ኣበርክትኡ ከም ንእሽተይ መተባብዒ ምዃኑ ገሊፁ።

"እዚ ናይ 2019 ክፍሊ ምድበይ እዩ፡ ስድራይ ድማ ዕዳ ተምሃርኡ ንምስራዝ ተስማዕሚዑ ኣሎ" ኢሉ ሮበርት ስሚዝ።

ናይ ክብሪ መዓርግ ንምቕባል ኣብቲ ኮሌጅ ዝተረኸበ ኣሜሪካዊ ቢልየነር ሮበርት ስሚዝ፡ 1.5 ሚልየን ዶላር ኣሜሪካ ንኮሌጅ ሞርሃውስ ከምዝሕግዝ ድማ ኣፍሊጡ።

ሮበርት ስሚዝ ንዘርኣዮ ለውሃት (ልግስና) ብገንዘብ ክንደየናይ ምዃኑ ግልፂ ዋላ እኳ እንተዘይኮነ፡ እቲ ኮሌጅ ጠቕላላ ዕዳ ተምሃርኡ ከስልሕ እዩ።

ኣስታት 10 ሚልየን ዶላር ክኸውን ከምዝኽእል ግና ይግመት።

ተመረቕቲ ተምሃሮ እንታይ ኢሎም?

ወዲ 22 ዓመት ኣሮን ሚትኮም፡ ንትምህርቲ ዘውፀኦ 200 ሽሕ ዶላር ንምኽፋል ዓቕሚ ኣይነበሮን፡ ነዚ ምስ ሰምዐ ግና ሓጎሱ ብንብዓት እዩ ገሊፅዎ።

"ብጣዕሚ እየ ደንጊፀ፤ ህርመት ልበይ ደው ኢላ፤ ኩላህና በዚ ዝሰማዕናዮ በኺና፥ ኣብ ዝባንና ዝነበረ ሸኽሚ እዩ ኣቕሊሉልና" ክብል ንማዕኸን ዜና AP ገሊፁ።