ንጌታቸው ኣሰፋ ዝፈልጥዎ እንታይ ይብሉ?

ስእሊ መንነቱ ዘይፍለጥ ሰብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ፡ ንሓላፊ ድሕንነት ኢትዮጵያ ነበር ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከእትዎም ይጽዕር ኣሎ። እቶም ሓላፊ ድሕንነት ነበር፡ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተጠርጢሮም ክሲ ከም ዝቐረቦምኳ እንተተገለጸ፡ ንሶም ግን ዛጊድ ብዛዕባ እዚ ክሲ ዝሃብዎ ምላሽ የለን።

ንምዃኑ ብዝተፈላለየ ኣጋጣምታት፡ ንኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ዝፈልጥዎም ሰባት፡ ብዛዕበኦም እንታይ ይብሉ?

ብ1982 ዓ.ም ዝተጋደለ ደራስን ጋዜጠኛን ነጋ ዘርኡ ካብ ሞንጎ እቶም ንጌታቸው ኣሰፋ ካብ ምርኣይ ሓሊፎም ቃለ-መሕተት ዝገበሩ ጋዜጠኛታት ሓደ እዩ። ኣብ ጋዜጣ ወይን መዳለዊ ዓምዲ ተጋድሎ ኮይኑ ንጌታቸው ረኺቡ ቃለ መሕተት ዝገበረሉ ኣጋጣሚ እንትዝክር:

"ኣብ ጋዜጣ ወይን ኣብ ዝሰርሐሉ እዋን፡ ዛንታ ተጋደልቲ ትግራይ ዘዘንቱ ዓምዲ "ተጋድሎ" ዝበሃል ገድሊ ተጋደልቲ ትግራይ ዘዘንቱ መደብ ነይሩና። ኣብቲ እዋን ብዛዕባ ሰለስተ ደቆም ዝገበሩ 'ስድራ እንዳ ኣቦይ ረታ' መደብ ንምስራሕ ትልሚ ተዋሂቡኒ" ይብል ።

ስድራ እንዳ ኣቦይ ረታ፡ ኣብ ከባቢ ዓድዋ ዝርከቡ፡ ሰለስተ ደቆም ኣጋዲሎም፡ ሰለስተ ደቆም ዘሰውኡ ስድራ ከምዝኾኑ ዝገልፅ ጋዜጠኛ ነጋ፡ ካብቶም ዝተወስኡ ናይቲ ሓደ ኣብቲ እዋን ወተሃራዊ ስለላ ዝነበረ ብዛዕባ ሓለፎም ረታ፡ ታሪኹ ንምፅሓፍ ምስ ሓላፊ መረዳእታን ድሕንነትን ነበር ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ዝራኸበሉ ኣጋጣሚ ተፈጢሩ።

ኣብቲ እዋን ታሪኽ ሓርበኛ ንክስነድ፡ ታሪኽ ሓለፎም ብቐረባ ዝፈልጥ ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ጥራሕ ኮነ።

ኣብቲ እዋን ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ፡ ኣብ ፌደራል ፖሊስ ምክትል ሓላፊ እቲ ቢሮ ከምዝነበሩ ድማ ጋዜጠኛ ነጋ ዘርኡ ይዛረብ።

ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ሚስጥራዊ ሰብ ከምዝኾኑ እዩ ዝፍለጥ። ደራስን ጋዜጠኛን ነጋ ዘርኡ ግና፡ ካብ ኣንደበት ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ፡ ዘሕዝን ዛንታ 'ስድራ እንዳ ኣቦይ ረታ' ኸቲቡ ብ10 ሕታም ናብ መንበብቲ ኣቕሪብዎ እዩ። ነዚ ዛንታ ንምስናድ ንኣይተ ጌታቸው እንትረኽቦም፡ ዝገበርሉ ፅቡቕ ኣቀባብላ ንድሕሪት ምልስ ኢሉ እንትዝክር ድማ፡

"ዝኾነ ተጋዳላይ ብፆቱ ክርእይ እንከሎ፡ ብፅቡቕ እዩ ዝቕበላካ፡ ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ግና ምስቲ ዝነበሮ ሓላፍነትን ናይ ነዊሕ እዋን ተቓላሳይነትን ብዙሕ 'ክስታይ' ዝህበኒ ኣይመሰለንን ነይሩ፤ ይኹን'ምበር ንዓይ ብጣዕሚ እዩ ብፅቡቕ ተቐቢሉኒ" ክብል ነቲ እዋን ይዝክሮ።

ብፅቡቕ ኣቀባብላ ዝተጀመረ ፃንሒት ሓላፊ መረዳእታን ደሕንነትን ነበር ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋን ጋዜጠኛ ነጋ ዘርኡን፡ ፀኒሑ ኣብ ገፅ ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ንብዓት ዘውሓዘ ኣጋጣሚ ተፈጢሩ። እዚ ንጋዜጠኛ ነጋ ዘይርሳዕ ኣጋጣሚን ስብእና ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ንምርዳእ ዘኽኣሎን ነይሩ።

"ሓለፎም ረታ ኣብቲ እዋን ብወተሃደራዊ ስለላ ብጣዕሚ ዝተራቐቐ ተጋዳላይ እዩ ነይሩ። ደሓር ድማ ብ1979 ዓ፡ም ኣብ ውቕሮ ማራይ እዩ ተሰዊኡ " ዝብል ጋዜጠኛ ነጋ፡ " ጌታቸው፡ ብዛዕባ ሓለፎም ክትርኸለይ እንከሎ፡ እቲ ስድራ ሰለስተ ኣጋዲሉ ሰለስቲኦም ድማ ዘሰውአ ስለዝኾነ፡ ነቲ ዘሕዘን ናይቶም ስድራ ታሪኽ ዘኪሩ፡ ኣብ ሞንጎ እናነብዐ ነይሩ፡ ብዙሕ ግዘ ንጅምር፡ እንደገና መሊሱ ይነብዕ። እቲ ቃለ-መሕትት ንምውዳእ ብዙሕ ግዘ እዩ ወሲዱልና" ዝብል ጋዜጠኛ ነጋ፡ ኣብ ሞንጎ ኣይተ ጌታቸው እናበኸየ የፀግሞ ስለዝነበረ፡ እቲ ቃለ-መሕተት የቋርፁ ከምዝነበሩ እዩ ገሊፁልና።

"ኣመሪካ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ ኣይወሓጠሉን ነይሩ"

1 ሰነ 2001 ዓ.ም ኣይተ ጌታቸው አሰፋ፡ ኣብቲ እዋን ኣምባሳደር ኣመሪካ ምስዝነበሩ ኢረቭ ሂክስ ንኣርባዕተ ሰዓታት ዝኣክል ጻንሒት ገይሮም ምንባሮም ዊኪሊክስ ዕላዊ ዝገበሮ ሓበሬታ ይገልጽ።

ኣብቲ ዘተ፡ ምንቅስቓስ ኦነግን ኦብነግን ንውሽጣዊ ድሕንነት ኢትዮጵያ ዘስግእ ከምዝኾነ፡ ድምጺ ሬድዮ ኣመሪካ ሚዛናዊ ከምዘይኮነ፡ ገዲም ተጋዳላይ ህወሓትን ሚኒስትር ምክልኻል ነበርን ስየ ኣብርሃ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘለዎ ጽልዋ እናወሰኸ ምምጽኡ ከምዘስገኦን ነቶም ኣምባሳደር ገሊጹሎም ምንባሩ፡ ዊኪሊክስ ዕላዊ ገይሩ ነይሩ።

እቲ ልሒኹ ዝወጸ ሓበሬታ ከምዘብርሆ፡ ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ኣመሪካ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ ኣይወሓጠሉን ነይሩ።

ዲሞክራሲያዊ ተጋዳላይ እዩ

ተጋዳላይ ፓትሪስ መስፍን፡ ንኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ቅድሚ ሓላፊ መረዳእታን ድሕንነትን እታ ሃገር ምዃኖም፡ ካብ 1975 ዓ.ም ጀሚሮም እዮም ዝፈልጥዎም።

"ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ካብዘፍረዮም ንፉዓት ተጋደልቲ ሓደ እዩ። ንፉዕ ናይ ፖለቲካን ውግእን መራሒ፡ ብጣዕሚ ዲሞክራት ተጋዳላይ" ብምባል ንኣይተ ጌታቸው ይገልጾም።

ኣብ 1982፡ ደርጊ ንምድምሳስ ኣብ ዝተኻየደ ኵናት ጉና፡ "ብጅግንነት ክመርሕን ከዋግእን" ከምዝፈልጦም'ውን ተጋዳላይ ፓትሪስ ወሲኹ ይዛረብ።

"ጽቡቕ ኣፍሮ መንእሰይ እዩ። ፈጺሙ ዘይደክም!" ብምባል ንተጋዳላይ ጌታቸው ይዝክሮ።

ብ1982 ዓ.ም ዝተጋደለ ደራስን ጋዜጠኛን ነጋ ዘርኡ ካብ ሞንጎ እቶም ንጌታቸው ኣሰፋ ካብ ምርኣይ ሓሊፎም ቃለ-መሕተት ካብ ዝገበሩ ጋዜጠኛታት ሓደ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, NEGA ZEEUE

መግለጺ ስእሊ, ብ1982 ዓ.ም ዝተጋደለ ደራስን ጋዜጠኛን ነጋ ዘርኡ ካብ ሞንጎ እቶም ንጌታቸው ኣሰፋ ካብ ምርኣይ ሓሊፎም ቃለ-መሕተት ካብ ዝገበሩ ጋዜጠኛታት ሓደ እዩ

ስእሊ ጌታቸው ኣሰፋ

ብዙሓት ስእሊ ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ንምርኣይ ዋላኳ እንተበሃጉ፡ ኣይሰለጦምን። ጋዜጠኛ ነጋ ዘርኡ፡ ዛንታ 'ተጋድሎ' እንዳ ኣቦይ ረታ እንትጽሕፍ ግና፡ ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ስእሎም ሂቦምኒ ነይሮም ይብል።

"ነቲ ታሪኽ መሰነይ ፎቶግራፍ ሃበኒ ምስ በልክዎ፡ ሓንቲ ዝነበረቶ ፎቶግራፍ ሂቡኒ። እዛ ፎቶግራፍ፡ ኣብ ኢዱ ዝነበረት ብሕታዊት ፎቶግራፍ እያ። እዛ ስእሊ፡ ሓለፎም ብዛዕባ ናይ ውግእ ሞዴል መብርሂ እናሃበ፡ ጌታቸው ኣሰፋ፡ ሓላፊኦም እንከሎ ኮፍ ኢሉ እናሰምዐ፡ እተርእይ እያ ነይራ" ይብል።

እዛ ስእሊ ኣይተ ጌታቸው ምስ ሓለፎም ረታ ኣብ ግዘ ቃልሲ እተርእይ ቅላዕ ስለዝነበረት፡ " ሓደራ ከይተጥፍኣ፡ ምስኣሐተምካ መልሰለይ፡ ክብል ኣጠንቂቑኒ" ዝብል ነጋ፡ እንተኾነ እታ ስእሊ ኣብ ቤት-ሕትመት ሜጋ ከምዝጠፍኣቶን፡ ድሕሪኡ ንኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ከይርኢ ይስከፍ ከምዝነበረ ገሊፁልና።

"ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮይኑ፡ መራሕቲ ክልል ይሸውም ነይሩ"

ፕረዚደንት ክልል ሶማሌ ነበር ዓብዲ መሓመድ ዑመር፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስመጸ፡ ንኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ኣትሪሩ ዝኹንን መግለጺ ሂቡ ነይሩ።

ዓብዲ መሓመድ ኣብዚ መግለጺኡ፡ "ጌታቸው ኣሰፋ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮይኑ፡ መራሕቲ ክልል ይሸውም ነይሩ" ብምባል ከሲስዎም እዩ።

"ተባዕ እዩ"

ደራስን ጋዜጠኛን ነጋ ዘርኡ፡ ንኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ህይወቱ ንምግዳል ዝገበረ ተባዕን ርህሩህን ብምባል እዩ ዝገልፆ።

"እዚ ሰብ እዚ ሕዚ ተጋደላይ ስለዝኾነ እንተይኮነስ፡ ከም ዝኾነ ተጋዳላይ ብጣዕሚ ተባዕ እዩ። ብጣዕሚ ፍሉይ ዝገብሮ ድማ፡ ብጣዕሚ ዓርሰ እምነት ዘለዎ ምዃኑ እዩ። ምግዳል ከም ሓደ ናይ ህይወቱ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ወሲዱ፡ ህይወቱ ሙሉእ ንምግዳልን ንህዝቢ ትግራይን ዘበርከተ፣ ብጣዕሚ ምስ ሰብ ተሓዋዋሳይን ርህሩህን እዩ" ብምባል ብዛዕባ ስብእና ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ገሊፁልና።

ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይውቀ

ኣባል ኮንግረስ ነበር ኣመሪካ ማይክ ኮፍማን ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ 13 ጥቅምቲ 2010 ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ "ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ንጹሃት ሰባት ክቕተሉ፣ ክጭወዩ፣ ክእሰሩን ካብ ሃገር ክወጹን ገይሩ እዩ" ብምባል ይወቕሶ።

ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል'ውን ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ስለዝጠርጠሮም እዩ ኣብ ቀይዲ ከእትዎም ትእዛዝ ማእሰርቲ ኣውጺኡ ይእልሾም ዘሎ።

ኣገሎም ደገሎም ንምሕባእ እዩ

ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ንኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ጠርጢሩ ንምእሳር ትእዛዝ እንተውፅእ፡ ንጋዜጠኛ ነጋ "እንታይ ተሰሚዑካ?" ኢልናዮ።

እቲ ንኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ኣብ ቀይዲ ንምውዓል ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ፡ 'ሕመቕ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ' ንምሕባእ ይግበር ዘሎ ውዲት ከምዝኾነ እዩ ዝኣምን ጋዜጠኛ ነጋ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ሃዋህው ከም ኣብነት ብምግላፅ።

"ብዘይካ እቲ ምስ ኤርትራ ዝነበረ ውግእ፡ ኣብዛ ዓዲ ሓደ ጣሕሸም ዝብል ነገር ኣይሰማዕናን፤ እዚ ድማ ናይ ኣይተ ጌተታቸው ኣሰፋን ብፆቱን ኢሉ እውን ናይቲ ዝነበረ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ድምር ውፅኢት እዩ።" ብምባል፡ ድሕሪ እዚ ግን ኩነታት ከምዝተቐየረ ይገልፅ።

"ኣብ ሞንጎ ግን ብሕብራዊ ኣብዮት ዝመፅኡ ሰባት፡ እንከይተፈለጡ ነቲ ስልጣን ሒዞሞ ኣለዉ። እዚ ብናይ ውሽጥን ብናይ ደገን ውዲት ዝተተሓዘ ስልጣን ክፀንሕ እንተኾይኑ ድማ፡ ናህቶም ውዲት ዘፍሽል ሰብ ከግልሉ እዮም ዝደልዩ። ነዚ ድማ እዩ ንኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ከም ሰይጣን ገይሮም ዝስእልዎ ዘለዉ" ኣብቲ ዘሎ እዋናዊ ኩኑታት ርእይትኡ ይህብ።

"40 ዓመት ዝተጋደለ ተጋዳላይስ ከመይ ገይሩ እዩ ሰይጣን ዝኸውን? ጌታቸው፡ እቲ ዝገበርዎ ሕመቕ ስለዝፈልጦ ግና፡ ናህታቶም ኣገልን ደገልን ንምሕባእ ዝገብርዎ ዘለዉ ውዲት እዩ" ብምባል ሓሳቡ ይዛዝም።