መንግስቲ ትግራይ ንኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ኣሕሊፉ ክህብ ይግደድ'ዶ?

የፍርድቤት መዶሻ

ምንጪ ስእሊ, Mark Metcalfe

ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ፡ ንሓላፊ ድሕንነት ኢትዮጵያ ነበር ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከእትዎ ይጽዕር ኣሎ።

እቶም ሓላፊ ድሕንነት ነበር፡ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተጠርጢሮም ክሲ ከም ዝቐረቦምኳ እንተተገለጸ፡ ንሶም ግን ዛጊድ ብዛዕባ እዚ ክሲ ዝሃብዎ ምላሽ የለን።

ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል፡ ሰሉስ ናብ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ቀሪቡ ጸብጻብ ኣብ ዘቕረበሉ እዋን፡ ንኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከእትዎ ከም ዝተጸገመ እዩ ገሊጹ።

ኣብዚ ጉዳይ፡ መንግስቲ ትግራይ ምትሕብባር ኣይገበረለይን ክብል ድማ ኣብ ቅድሚ ተወከልቲ ህዝቢ ኣማሪሩ።

ዓቃቢ ሕጊ፡ እቶም ጥርጡር "ተሓቢኦምሉ" ንዝበሎ ክልል ትግራይ ሕቶ ከም ዘቕረበ'ውን ገሊጹ እዩ።

ጉዳይ ጌታቸው ኣሰፋ፡ ሕጋዊ ዶስ ፖለቲካዊ?

ስልጣን ኣብያተ ፍርዲ ፌደራል ንምውሳን ዝወጸ ኣዋጅ፤ ገበን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ብኣብያተ ፍርዲ ፌደራል ከምዝዳነ ይድንግግ።

በዚ መሰረት፡ ዋላኳ ዝርዝር እቲ ክሲ ዕላዊ እንተዘይኮነ፡ ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ብጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ስለዝተጠርጠሩ፡ ክሶም ኣብ ፌደራል ቤት ፍርዲ ዝረኣይ እዩ።

በዓል ሞያ ሕጊ ኣይተ ኣዲ ደቀቦ፡ ነዚ መሰረት ገይሮም ክዛረቡ እንከለው፡ መንግስቲ ፌደራል ናይ ማንም ፍቓድ ከይሓተተ ናብ ዝኾነ ክልል ከይዱ ጥርጡር ኣብ ቀይዲ ከእቱ ስልጣን ኣለዎ ይብሉ።

ካልኦት ድማ ነቲ ጉዳይ ብሕጋዊ ዓይኒ ጥራሕ ምርኣይ ለዋህነት እዩ ዝብል እምነት ኣለዎም።

ኣቦ መንበር ዓረናን መምህር ዩንቨርሲቲ መቐለን ኣይተ ኣብርሃ ደስታ እውን "እቲ ጉዳይ ናይ ሕጊ ጥራሕ ኣይኮነን" በሃሊ እዩ።

ኣቦ መንበር ዓረና ትግራይ፡ ኣይተ ኣብርሃ ደስታ

ምንጪ ስእሊ, Abraha Desta

መግለጺ ስእሊ, ኣይተ ኣብርሃ ደስታ፡ ጉዳይ ኣይተ ጌታቸው አሰፋ ክፍታሕ ዝኽእል ብፖለቲካ 'ምበር ብሕጊ ኣይኮነን ይብል

እቲ ሕዚ ዘሎ ፍጻመታት፡ ነጸብራቕ ፍሕፍሕ ኣባል ውድባት ኢህወዴግ እዩ ኢሉ'ውን ይኣምን፤ መፍትሒኡ ድማ ፖለቲካዊ እዩ ክኸውን ዝግበኦ ይብል።

"ክልል ትግራይ፡ ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ናብ ሕጊ ከቕርብ ፍቓደኛ እንተድኣ ዘይኮይኑ፡ መንግስቲ ፌደራል ሱቕ ክብል እዩ ዝግባእ፤ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ክወስድ የብሉን። ፌደራል መንግስቲ እውን ነዚ ይስሕቶ እዩ ኢለ ኣይሓስብን። ግና እዚ ጉዳይ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ክልል ትግራይን ፌደራል መንግስትን ምርድዳእ ዘይምህላዉ እዩ ዘርእይ" ይብል።

እዚ ዝበለሉ ምኽንያት ከብርህ እንከሎ ድማ፡ እቲ ምስሕሓብ ክሳብ ምፍጣር ጎንጽን ኲናትን ከምርሕ ስለዝኽእል እዩ ኢሉ።

በዓል ሞያ ሕጊ ኤፍሬም ታምራት ግን፡ መንግስቲ ትግራይ ብገበን ንዝተጠርጠረ ሰብ ኣሕሊፈ ኣይህብን እንተይሉ፡ ነቲ ሕገ-መንግስትን ካልኦት ሕግታትን እታ ሃገር እዩ ዝጥሕስ ዘሎ ይብሉ።

እቶም በዓል ሞያ ሕጊ፡ ክልላዊ መንግስቲ ብገበን ንዝተጠርጠረ ሰብ ናብ ፌደራል መንግስቲ ኣሕሊፉ ክህብ ይግደድ ክብሉ ይውስኹ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ላዕለዋይ ምሁር ሕጊ ዶ/ር መንግስቱ ኣረፋይነ ድማ "እዚ ከይዲ ሕጊ፡ ኣብ ስሩዕ ኩነታት" እዩ ዝሰርሕ በሃሊ እዮም።

ብስሩ'ውን፤ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን ዘላትሉ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣብ ግምት ብምእታው፡ ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግባእ ጉዳይ ኣይኮነን ዝብል መርገጺ ኣለዎም። እኳድኣስ፡ እቲ ሓድሽ ኣመራርሓ ኣብ ዕርቅን ርግኣትን ከድህብ ነይርዎ ይብሉ።

ዶ/ር መንግስቱ ኣረፋይነ
መግለጺ ስእሊ, ዶ/ር መንግስቱ ኣረፋይነ

"ብሓደ ወገን፡ ቅድም ክብሉ ዝነበሩ ገበነኛታት ፈቲሕና ኢና እናበልካ፡ ኣብ ደገ ዝነበሩ ድማ ከም ድላይኩም ኩኑ እናበልካ፤ ብኻሊእ ወገን ድማ ግለሰባት ሃቡና ኢልካ እምባጓሮ ምፍጣር ዓላምኡ ናይ ፍትሒ ምስፋን ኣይመስልን" ይብሉ ዶ/ር መንግስቱ።

እቶም ምሁር ሕጊ "እሞ ኸኣ ክልላት ኣብ ፌደራል መንግስቲ እምነት የብልናን ኣብ ዝበላሉ እዋን" ፌደራል መንግስቲ ምስ ክልላት ጎንጺ ምፍጣር ኣይመድለዮን ክብሉ ይውስኹ።

ኣብ ልዕሊ ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ዝቐረቡ ክስታት እንታይ እዮም?

ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል፡ ምስ ብልሽውናን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዝዛመድ ንሓሙሽተ ወርሒ ኣካይደዮ ዝበሎ ምጽራይ 3 ሕዳር ዕላዊ ገይሩ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን፡ እቲ 16 ሰነ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ቦምባ ብቐንዱ ዝመርሕዎን ብገንዘብ ዝመወልዎን ሓላፊ ኤጀንሲ መረዳእታን ድሕንነትን ነበር እዮም ክብል ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ተዛሪቡ ነይሩ።

ብተወሳኺ፡ ብገበን ራዕዲ ተጠርጢሮም ኣብ ልዕሊ ዝተኣሰሩ ሰባት ከቢድ ግሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ይፍጸም ከም ዝነበረ ዘርዚሩ እዩ።

መንግስቲ ትግራይከ እንታይ በለ?

ንርእይቶ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ኣመልኪቱ መንግስቲ ክልል ትግራይ ዛጊድ ዝሃቦ ምላሸ የለን።

ምእሳር ሜጀር ጄኔራል ክንፈ ዳኘው ስዒቡ፡ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ዶክተር ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል፡ 'እቲ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘነፃፀረ'ዩ' ዝብል መግለጺ ምሃቦም ግን ዝዝከር እዩ።

"ሕጊ ክኽበር እንተኾይኑ ንኹሉ ክኸውን ኣለዎ፡ ፈፈሊኻን መሪፅካን ክኸውን የብሉን" ኢሎም ነይሮም።

ዶክተር ደብረጽዮን፡ ቅድም ክብል ተኸሲሶም ገበነኛታት ኮይኖም ተረኺቦም ዝተባህሉ እሱራት ብምሕረት ከም ዝተለቐቑ ብምዝኽኻር፡ ንኻልኦት'ውን በቲ መስርሕ ምድናይ ኣገዳሲ ከም ዝኾነ ገሊፆም ነይሮም።

"ካብኡ ብዝተረፈ ግን እቶም ብይቕረታን ምሕረትን ዝተፈትሑ'ውን ተመሊሶም ክእሰሩ ኣለዎም" ምባሎም ዝዝከር እዩ።