ፕረዚደንት ብራዚል፡ ንፍሉጥ ተዋሳኣይ ሊዮናርዶ ኣማዞን ክቃጸል 'ብገንዘብ ሓጊዙ' ክብል ከሲሱዎ

ባርዕ ሓዊ ኣማዞን

ምንጪ ስእሊ, AFP

ፕረዚደንት ብራዚል ጀይር ቦልሶናሮ፡ ንፍሉጥ ተዋሳኣይ ሆሊዉድ ሊዮናርዶ ዲካፕርዮ፡ '' ጫካ ኣማዞን ንምቅጻል ገንዘብ ሂቡ'' ክብል ከሲሱ።

እቲ ፕረዚደንት ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ''ሊዮናርዶ ዲ ካፕርዮ ጽቡቕ ሰብ እዩ። ኣማዞን ንምንዳድ ግን ገንዘብ ይምውል'' ክብል ተዛሪቡ።

ዲካፕርዮ ባርዕ ሓዊ ብምስዋር ቪድዮታት ክቕድሑን ኣንጻር ብራዚል ጎስጓስ ክካየድን 500 ሽሕ ዶላር ከምዝሃበ እዩ እቲ ፕረዚደንት ዝኸስስ።

ምንም ዓይነት መረዳእታ ዘይሃበ ፕረዚደንት ቦልሶናሮ፡ ቅድም ክብል ንናቱ ፖሊሲ ዝነቕፉ ዘይመንግስታዊ ትካላት፡ ነቲ ኣብዚ ዓመት ኣብቲ ጫካ ዕንወት ዘውረደ ሓዊ ከምዘሳወርዎ ገሊጹ ነይሩ።

ገንዘባዊ ሓገዝ ንምርካብ ሓዊ ኣልዒሎም ብዝብል ዘይተረጋገጸ ክሲ ብዙሓት ሰባት ተኣሲሮም እዮም።

ንሓለዋ ጫካ ኣማዞ 5 ሚልዮን ዶላር ከምዝሕግዝ ዝተመጻበዐ ተዋሳኣይ ዲካፕርዮ ግን ንኽሲ እቲ ፕረዚደንት ነጺጉ።

ሊዮናርዶ ዲካፕርዮ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ዲካፕርዮ ብወገኑ እቶም ዝኽሰሱ ዘለዉ ትካላት ሓገዝ ክግበረሎም ዝግባእ እኳ እንተኾነ፡ ኣብዚ እዋን ግን ሓገዝ ከምዘይገበረሎምን ኣካል እቶም ነቲ ጫካ ንምሕላው ዝንቀሳቐሱ ምዃኑ ግን ኩርዓት ከምዝስመዖ ኣብ ዝሃቦ መልሲ ገሊጹ።

ገንዘባዊ ሓገዝ ንምርካብ ነቲ ሓዊ ኣልዒሎም ዝተብሃሉ ኣርባዕተ ሰባት ዝተኣሰሩ ኮይኖም፡ ጎስጎስቲ ሓለዋ ተፈጥሮ ግን መንግስቲ ኮነ ኢሉ ንምንቅስቓሶም ንምትዕንቓፍ ዝገብሮ ፖለቲካዊ ጸቐጢ ከምዝኾነ ይገልጹ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ፡ ነቲ '' ሳምቡእ እዛ ምድሪ'' እናተብሃለ ዝጽዋዕ ደኒ ኣማዞን፡ ዓለማዊ ቆላሕታ ክረክብ ገይሩዎ እዮ።