ኣብ ምክልኻል ባርዕ ኣወስትራልያ ዝወፈረት ነብሰጾር ነቲ ስራሕ ከምዘይተቋርጾ ገሊጻ

ካት ሮቢንሰን

ምንጪ ስእሊ, Kat Robinson-Williams

ጓል 23 ዓመት ወለንተኛ ኣባል ምክልኻል ባርዕ፡ ጥንስቲ ኮይና ትሳተፈሉ ካብ ዘላ ወፍሪ ምክልኻል ባርዕ በረኻ ኣወስትራልያ ክትምለሰ ከምዘይትደልይ ገሊጻ።

ካት ሮቢንሰን 14 ሰሙን ዝመልኦ ጥንሲ ተሰኪማ'ላ። ካብቲ ሕዚ ብወለንትኣ ወፊራትሉ ዘላ ምክልኻል ባርዕ ክትወጽእ (ክትምለስ) ብዙሓት ሓሳብ ይህብዋ ኣለዉ።

ንሳ ግን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኢንስታግራም ብዝጠቀዐቶ ሓጺር መልእኽቲ "ግደፉኒ" ዝብል መልሲ ሂባ።

ካት፡ ንዝሓለፉ 11 ዓመታት ምስ ኣገልግሎት ምክልኻል ባርዕ ኒው ሳውዝ ወልስ ብወለንተንነት ክተገልግል ጸኒሓ'ያ።

ጥንስቲ ኮይና ኣብ ምክልኻል ባርዕ ዝወፈረት ፈላመይቲ ጓልኣንስተይቲ ከም ዘይኮነት ብምግላጽ "ሓገዝ ንምሃብ ኣብ ዝኽእለሉ ዓቕሚ ስለዘለኹ ክቕጽለሉ እየ" ኢላ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ መልሲ።

ኣብ ኣወስትራልያ ኣጋጢሙ ዘሎ ባርዕ ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ጀሚሩ ክልተ ሰባት ክቐትል ከሎ፡ ልዕሊ 200 ገዛውቲ ኣቃጺሉ'ዩ።

"ፍተውዎ ኣይትፍተውዎ ኣይግድሰንን"

ካት ትማሊ ሰኑይ ኣብ ኢንስታግራም ዝጠቅዓቶም ስእልታት፡ ዕጥቂ ሰራሕተኛታት ምክልኻል ባርዕ ተኸዲና ናብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ ክትኸይድ የርእዩ።

"ኣባል ምክልኻል ባርዕ እየ። ሰብኣይ [ወዲ ተባዕታይ] ግን ኣይኮንኩን። እወ ጥንስቲ'ውን እየ። ፍተውዎ ኣይትፍተውዎ ኣይግድሰንን" ዝብል ጽሑፍ ድማ ኣስፊራትሉ።

ካት ሮቢንሰን ዕጥዊ ሰራሕተኛታት ምክልኻል ባርዕ ተኸዲና

ምንጪ ስእሊ, Kat Robinson-Williams

ብዙሓት ሰባት ካብቲ ስራሕ ክትርሕቕ ከምዝሓበርዎ ትዛረብ ካት፡ "ደሓን ከምዝኾንኩን ደው ከብሎ ከምዘይክእልን ክገልጸሎም እፈቱ" ኢላ።

"ወደይ [ኣብ ማህጸና ዘሎ] ነቲ ስራሕ ደው ከብሎ ምስኣፍለጠኒ ሽዑ ካብቲ ስራሕ ክወጽእ እየ" ክትብል ንቢቢሲ ገሊጻ።

ነቲ ስራሕ ዘድልይ ክዳውንትን ዕጥቅን ክሳብ ዘማልአት ጸገም ከምዘይብሉ ዶክተር ከምዝገለጸላ ትዛረብ።

Skip Instagram post
ንትሕዝቶ Instagram ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ Instagram ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ Instagram ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of Instagram post

Presentational white space

ኣደሓጎኣ ዝርከብኦም ብዙሓት ኣባላት ቤተሰብ ካት ኣብ ምክልኻል ባርዕ ወለንተኛታት ኮይኖም ከም ዝሰርሑ ተፈሊጡ'ሎ።

በዓል ገዝኣ'ውን ወለንተኛ ከም ዝኾነ ትገልጽ ካት "ወደይ ነዚ ተግባር ከምዝስዕብ ተስፋ ኣለኒ" ኢላ።