ደቡብ ኣፍሪቃ፡ እስራኤል ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ብተዓዛብነት እትሳተፈሉ ቦታ ምርካባ ኣቖጢዑዋ

ምንጪ ስእሊ, AFP
መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ እስራኤል ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ናይ ተዓዛብነት ቦታ ምርካባ ተቖጢዑ፤ በቲ ውሳነ ከም ዝሰንበደ'ውን ኣፍሊጡ።
ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ እቲ ሕብረት ን55 ኣባል ሃገራት ከየማኸረ ዘሕለፎ ውሳነ'ዩ ክብል'ውን ከሲሱ።
"እቲ ውሳነ ኣብ ልዕሊ ውጹዓት ህዝብታት ፍልስጤም መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሉን መሬቶም ብዘይሕጋዊ መገዲ ኣብ ዝተወረረሉን እዋን ዝተመሓላለፈ ምዃኑ ከኣ ዚያዳ ዘሰንብድ ይገብሮ" ክብል ቤት ጽሕፈት ዓለምለኻዊ ርክባትን ምትሕብባርን እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ወሲኹ፡ "እስራኤል ዝፈጸመቶም ዘይሕጋዊ ስጉምታት እቲ ሕብረት ዝተጣየሰሉ ዕላማን መንፈስን ዝጥሕስ'ዩ" ብምባል ተቓዊሙዎ።
እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ደቡብ ኣፍሪቃ ንኣቦ መንበር እቲ ሕብረት ሙሳ ፋቂ መሃማትን ንኣባል ሃገራትን መግለጺ ክትህብ ድልየት ኣለዋ ይብል።
እዚ ውሳነ፡ ተቓዋሚ ሰልፊ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኾነ ተጋደልቲ ናጽነት ቑጠባ [ኢፌኤፍ] እውን ኣቐጢዑዎ ኣሎ።
"ውሳነ ሙሳ ፋቂ ኣዝዩ ዘሕፍርን ኣብ ልዕሊ ፍልስጤም ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰብኣዊ መሰል"ን እዩ ብምባል እቲ ኣቦ መንበር ካብ ስልጣኑ ንክወርድ ጸዊዑ።
እስራኤል፡ ቅድም ኢሉ ትካል ሓድነት ኣፍሪቃ ተባሂሉ ኣብ ዝጽውዓሉ ግዜ ናይ ተዓዝብነት ቦታ'ኳ እንተነበራ ብ2003 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ሽሙ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ክልወጥ እንከሎ ወጺኣ።
ንብዙሕ ዓመታት እዚ ቦታ ንምርካብ ጻዕሪ ክትገብር ክትጸንሕ እንከላ፡ ገለ ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ፍቓደኛታት ብዘይምዃነን ግን ከይሰመረላ ጸኒሑ ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ግን ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት እስራኤል ያይር ላፒድ እስራኤል ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ብተዓዛብነት እትሳተፈሉ ቦታ ረኺባ ብምባል “እዚ ዕለት ርክባት እስራኤል-ኣፍሪቃ እንጽምብለሉ እዩ” ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።
ንሱ እዚ ዕድል እስራኤል ምስ ደገ ንዘለዋ ርክባት ኣብ ምጥንኻር ዓብዪ ትርጉም ከም ዘለዎ ገሊጹ’ዩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







