እስራኤል ‘ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ብተዓዛብነት እትሳተፈሉ ቦታ ረኺባ’

ምንጪ ስእሊ, AFP
እስራኤል ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ተዓዛቢት ኮይና እትሳተፈሉ ቦታ ከም ዝረኸበት ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት እስራኤል ያይር ላፒድ “እዚ ዕለት ርክባት እስራኤል-ኣፍሪቃ እንጽምብለሉ እዩ” ክብል ተዛሪቡ።
ንሱ እዚ ዕድል እስራኤል ምስ ደገ ንዘለዋ ርክባት ኣብ ምጥንኻር ዓብዪ ትርጉም ከም ዘለዎ ገሊጹ’ሎ።
“እዚ ዲፕሎማሲያዊ ዓወት ውጽኢት ናይቲ ብሚንስትሪ ወጻኢ፣ ኣፍሪቃዊ ትካላትን ኣብታ ኣህጉር ዝርከቡ ኤምባሲታት እስራኤልን ክግበር ዝጸንሐ ጻዕርታት እዩ” ኢሉ።
እስራኤል ኣብዚ እዋን ካብ ሞንጎ’ተን 55 ኣባላት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝኾና ሃገራት ምስተን 46 ዲፕሎማሲያዊ ርክባት ኣለዋ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከኣ ምስ ሞሮኮን ሱዳንን ዝነበራ ርክባት ክመሓየሽ ከም ዝገበረት ይፍለጥ።
እስራኤል ኣብ 2002 ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ፈሪሱ በቲ ሕዚ ዘሎ ሕብረት ኣፍሪቃ ክሳብ ዝተትኣሉ እዋን ተዓዛቢት ኣባል ምንባራ ይዝከር።


![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







