ፍልስጤም ካብ እስራኤል ዝቐረበላ ክታበታት ኮቪድ-19 ተሓሲማ

ፍልስጤም ካብ እስራኤል ዝቐረበላ ክታበታት ኮቪድ-19 ተሓሲማ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ሰብ መዚ ፍልስጤም እስራኤል ዝለገሰትሎም ብውሕዱ 1 ሚልዮን ዝኸውን ክታበት ኮቪድ 19 ተሓሲመሞ።

እቶም ሰብ መዚ ፍልስጤም እቲ ክታበት ፒፋይዘር መዓልቱ ክሕለፍ ዝቐረበ ምዃኑ’ዮም ዝገልጹ።

እስራኤል፡ ኣቐድም ኣቢላ ክታበት ምኽዛን ከምዘየድልያ ብምሕባር እቲ ክታበታት መደብ ክታበት ፍልስጤም ንምቅልጣፍ ክውዕል ከምዝኽእል ብምሕባር ፍልስጤም ኸኣ ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ካብ ፒፋይዘር ክታበት ምስ ተቐበለት ተመሳሳሊ ብዝሒ ክታበታት ንእስራኤል ክትህባ ዝብል ሓሳብ ምቕራባ ይዝከር።

ሚኒስተር ጥዕና ፍልስጤም ማይ ኣልካያላ፡ እቲ እስራኤል ንፍልስጤም ክትህቦ ትሓስብ ዘላ ክታብት ኣብ ወርሒ ሓምለን ነሓሰን መዓልቶም ከምዘሕልፉ ሓበሬታ ከምዘለዎም’ዩ ዝገልጽ።

“ሕጂ ተቐቢልና መዓልቶም ከየሕለፉ ክንውድኦም ስለዘይንኽእል ኢና ነቲ ሕቶ ናይ እስራኤል ነጺግናዮ” ኢሉ።

እስረኤል ነዚ ኣምልኪታ ዝሃበቶ ዝኾነ ሓበሬታ የለን።

ውሃቢ ቃል ፍሊስጤም ኢብራሂም ምልሀም፡ መዓልቲ ከሕልፍ ዝቐረብ ክታበት ካብ እስራኤል ካብ ምቕባል፡ ነቲ ካብ ፒፋይዘር ጠሊበሞ ዘለዉ ክታበት ክመጽኦም ከምዝመርጹ ገሊጹ።

ክታበታት መዓልቶም ምስ ኣሕለፉ፡ ነቲ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሞም ከምዝንኪ’ዩ ዝግለጽ፤ ውድብ ጥዕና ዓለም ግን ሃገራት መዓልቱ ዘሕለፈ ክታበታት ከይድርብያ’ዩ ዝምሕጸን ዘሎ።

ሓዲሽ ሚኒሰትር ጥዕና እስራኤል ናትዛን ሆሮዎዝ ብዓርቢ ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ “ኮሮናቫይረስ ዶብን ህዝብን ኣይፈልን’ዩ” ኢሉ።

ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ናፍታሊ በነት “እስራኤል ምስ ሰብ መዚ ፍልስጤም ብምርድዳእ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ብልቃጣት ክታበት ፒፋይዘር ንፍልስጤም ክህብ እዩ” ኢሉ እኳ መግለጺ እንተኣውጸአ፡ እቲ ክታበት መዓስ መዓልቱ ከምዘሕልፍ ኣይሓበረን።

እቲ መግለጺ ብምስዓብ “ከም መተካእታ እስራኤል ኣብ ወርሒ መስከርምን ጥቅምትን 2021 ተመሳሳሊ ብዝሒ ክታበት ካብ ሰብ መዚ ፍልስጤም ክትርከብ እያ” ኢሉ።

እስራሴል 55 ሚኢታዊት ካብ ህዝባ ክልተ እብረ ክታበት ከምዝኸተበት እዩ ዝግለጽ።

30 ሚኢታዊት ካብቶም ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ናይ ቃዛ ዝርከቡ ፍልስጤማውያን’ውን ብውሕዱ ሓደ እብረ ክታበት ከምዝተወግኡ ሰብ መዚ ፍልስጤም ይሕብሩ።

ፍልስጤም ኣቐድም ኣቢላ ካብ እስራኤል፤ ሩስያ፤ ቻይናን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ብመንገዲ ኮቫክስ ክታበታት ተቐቢላ እያ።