ኤርትራ-ኢትዮጵያ፡ ዝምድና ፕረዚደንት ኢሳይያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይን ካበይ ናበይ?

ፕረዚደንት ኢሳይያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይን

ምንጪ ስእሊ, ETHIOPIA GOVERNMENT

ኣብ ኣእምሮ ብዙሓት ዜጋታትን ተዓዘብትን ኣብ መፋርቕ 2018 ዝፈለመን ንብዙሓት ዘገረመን ዝምድና ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድን ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ከም ቀደሙ የለን ዝብል መረዳእታ ኣሎ።

እዚ ግን ክሳብ ክንደይ ወድዓውነትን ሓቅነትን ኣለዎ? ኣብ መንጐኦም’ከ ወጥርን ምትፍናንን ኣሎ ድዩ? ህሉው ኵነታት ዝምድና ክልቲአን ሃገራት እንታይ ይመስል? ቢቢሲ ትግርኛ ነዚ ጉዳይ ዳህሲሱዎ ኣሎ።

እዋን ሕጽኖት

ፕረዚደንት ኢሳይያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይን

ምንጪ ስእሊ, PM OFFICE

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣብ ሓምለ 2018 ናብ ኣስመራ ምስ በጽሐ፡ ኣብ ህዝብታት ክልቲአን ሃገራት ይዅን ኣብ ህዝቢ ዓለም ዓቢ ሓጐስን ተስፋን ፈጢሩ ነይሩ።

ሽዑ ዶር ኣቢይ፡ “ፕረደዚንት ኢሳይያስ ብርሑቕ ካብ ዝፈልጦን ዝግምቶን ኣዝዩ ብዝተፈልየ መልክዕ፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዓቢ ክብርን ፍቕርን ኣለዎ” ክብል ብሰላምን ልምዓት ኢትዮጵያ ዝጭነቕ፡ ብዝምድናን ምሕዝነትን ክልቲአን ሃገራት ጥራይ ዘይኰነስ ብዛዕባ ኵለን ሃገራት ናይቲ ዞባ ዝግደስ ኰይኑ ከምዝረኸቦ ተዛሪቡ ነይሩ።

እቲ ኵነታት ስድራ ቤቱ ይዅን ናብራኡ ንህዝቢ ኣቃሊዑ ዘይፈልጥ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ንጋሻኡን ጕጅለኡን ኣብ መንበሪ ገዛኡ ቡንን ቍርሲን ምግባዙን፡ ዶር ኣብይ ኣብ ማዕከናት ዜና ቁርሲ ቡን ክዕድል ምርኣዩ’ውን ፍሉይ ኣቓልቦ ስሒቡ ነይሩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብወገኑ፡ ድሕሪ 20 ዓመት፡ ብ15 ሓምለ 2018 ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ በጽሐ፡ ልዑል ኣድናቘት ህዝቢ ምስረኸበ፡ ዘርኣዮ ዘይንቡር ስምዒት ሓጐስ ንብዙሓት ኣዛሪቡ’ዩ።

“ኣነ ኣብ ውሽጠይ፡ ኣብ ልበይ ዘሎ ስምዒት ክገልጽ [ከቢዱኒ ኣሎ]. . . ታሪኽ ይስራሕ ኣሎ። [ኣብ መንጐና] ጽልእን ቂምን ቅርሕንትን፡ ዕንወት ንምንዛሕ ዝተፈተነ ሽርሒ ስዒርና ንልምዓት፡ ንብልጽግናን ምርግጋእን፡ ኣብ ኵሉ ዓውድታትን ግንባራትን ሓቢርና ክንምርሽን ንቕድሚት ክንስጕምን ቈሪጽና ተላዒልና ኣለና” ብምባል ንፍቕርን ስምምዕን ክልቲአን ሃገራት ይዅን ንልምዓትን ዕብየትን ንምዕንቃፍን ንምዕናውን ንዝፈታትኑ ዕድል ከምዘይህቡ ሓውሲ መጠንቀቕታ ዝሓዘለ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

እቲ ህሞት፡ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብ ኣጻብዕቲ ናይቲ “ወኪል ንስኻ ኢኻ፡ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና” ዝበሎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ካትም ብምእታዉ ጽኑዕ ምሕዝነቶም ንዓለም ዘበሰርሉ እዩ።

ኣቢይ፡ “ካብ ኢሳይያስ ዘይረኸብናዮ የለን፡ ኣኻኺቡና እዩ. . . ብዛዕባና ተዛሪቡ ኣይጸግብን’ዩ” ክብል ንጋሻኡ ኣመስጊኑ።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብተን ቀዳሞት ክልተ ዓመታት ጥራይ፡ ብውሕዱ 14 ግዜ ካብን ናብን ሃገራቶም ብምብጽጻሕ ምዉቕ እዋን ሕጽኖት ኣሕሊፎም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ካብ ብጾት-ሰላም ናብ ብጾት-ኲናት

ኩናት ትግራይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብ10 ታሕሳስ 2019 ቀ/ሚ ኣቢይ ሽልማት ኖበል ሰላም ኣብ ዝተቐበለሉ እዋን፡ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ስምምዕ ሰላም ንኽግበር ግደ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ወሳኒ ምንባሩ ተዛሪቡ ነይሩ።

“ነዚ ሽልማት’ዚ ኣብ ክንዲ መሻርኽተይን ናይ ሰላም ብጻየይን ፕረዚደንት ኢሳይያስ እቕበሎ ኣለኹ። ኲናት መርኣያ ፍሽለት ኵሎም ተሳተፍቱ እዩ. . . ኲናት ንሰባት ምሕረት ዘይብሎም፡ ቍጡዓትን ኣረመናውያንን ይገብሮም” ብምባል ንሰላም ዘለዎም ተወፋይነት ከም ሓጺን ዝተረረ ምዃኑ፡ ኣስያፎም ናብ ማሕረሻታት፡ ኲናውቶም እውን ናብ ጐዘሞታት ከምዝቕይርዎ ንትንቢተ ኢሳይያስ ጠቒሱ ተዛሪቡ።

ይዅን እምበር ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ፖለቲካዊ ህላወን ወተሃደራዊ ዓቕምታት ህወሓት ንምድኻም ኣብ ፈለማ ሕዳር 2020 ምስ ናይ ሰላም ብጻዩ ናብ ዝኸፍአ ቀዛፊ ኲናት ኣትዩ።

ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ ገለ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ክልቲኤን ሃገራት፡ ኣንጻር ህወሓት “ከም ሓደ ኣካል” ከምዝተዋግኡን፡ ወተሃደራቶም ኣብ ሓደ ጕድጓድ ከምዝተቐብሩን ብሓበን ክዛረቡ ተሰሚዖም ነይሮም።

እቲ ኣብ ክልተ ዓመት ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ዝቐዘፈ ኲናት፡ ኣብ ፈለማ ሕዳር 2022 ብስምምዕ ፕሪቶርያ ደው ምባሉ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣይተዋሕጠሉን።

ኣብ ቻይና ተመዲቡ ዝሰርሕ ዝነበረን ንኣካይዳ ኣቢይ ኣሕመድ ብምቅዋም ስደት ዝመረጸን ኢትዮጵያዊ ዲፕሎማት ኣምባሳደር እውነቱ ቢላታ፡ ርክብ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ መትከላትን ሕጋዊ ትካላት ዝተመርኮሰ ዘይኮነ፡ ንህወሓትን ነቲ ዝተኸሎ ፈደራላዊ ስርዓትን ንምጥፋእ ዝዓለመ’ዩ ክብል ይምጕት።

ኢሳይያስን ኣቢን “ንህወሓት ብፖለቲካዊ ኣገባብ ኣብ ኩርናዕ ኣእትዮም ኣብ ክንዲ ዝቐትልዎ፡ ኲናት ምምራጾም እቲ ዝዓበየ ጌጋ’ዩ” ብምባል ውዒሉ ሓዲሩ ንሓድሕዶም ከምዘፈሓፍሖምን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ ሰላምን ‘መኻልፍን’

ስምምዕ ፕሪቶርያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እቲ ናይ ‘ደጃ ቩ’ (ህሉው) ኵነታት ነቲ ኣብ 1990ታት ብመራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን (ህወሓት) ዝወሃብ ዝነበረ፡ “ብተመኵሮ ኲናት ዝተረረ፡ ብደም ዝተኣሳሰረ” ናብ ወተሃደራዊ ኪዳን ዝበጽሐን ዝምድና ዘዘኻኽር’ዩ። እቲ ኣብ 1998 ዝተወልዐ፡ ህይወት ኣስታት 100 ሽሕ ሰባት ዝበልዐ ዶባዊ ኲናት ገና ካብ ኣእምሮ ኣይሃሰሰን።

ስርዓት ደርግ ምስ ወደቐ ኣብ መንጐ ቀዳማይ ሚኒስተር መለስን ዜና’ውን ፕረዚደንት ኢሳይያስን ዝነበረ ኣድናቘት ዝረኸበ ዝምድና ማዕቢሉ ነይሩ።

ዋላ’ኳ ብተዛማዲ ክርአ እንከሎ፡ ወግዓዊ ስምምዓትን ኣተግበርቲ ናይ ሓባር ኣካላትን ተመስሪቶም እንተነበሩ፡ ካብ ትካላዊ ናብ “ውልቃዊ ርክብ” ዝዛዘወ’ዩ ነይሩ ተባሂሉ ይንቀፍ’ዩ።

ሓደ ኣብቲ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ዝተዋስአ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባርን ዲፕሎማትን ነበር ኣምባሳደር ዓብደላ ኣደም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ዝምድና ኣቢይን ኢሳይያስ እውን “ውልቃዊ’ዩ” ብምባል ታሪኽ ከምዝተደግመ ይዛረብ።

ኣብ ለካቲት 2020፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት “ናይ ውልቀ-ሰባት ጕዳይ ኣይኰነን። ናይ ፖለቲካውያን ሓይልታት ሓላፍነት፡ ናይ ህዝብታት ሓላፍነት’ዩ” ክብል ገሊጽዎ ነይሩ።

ዝምድናኦም ኣብ ናይ ሓባር ጸላኢ “መሪሕነት ህወሓት ዝተመርኮሰ’ዩ ነይሩ” ዝብል ዓብደላ፡ ንቡር ክልተኣዊ ዲፕሎማስያዊን ቍጠባዊን ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንምምስራት ዝዓለመ ኣይነበረን ይብል።

“ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ምሕንጻጽ ዶብ፡ ቍጠባዊ ስምምዓትን ርክባትን ምምስራት ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ጉዳያት ኣለው፤ እዚ ዅሉ ግን ተጐስዩ እዩ ክኸይድ ጸኒሑ። እቲ ንህወሓት ንምጥፋእ ዝሓሰቡዎ ውጥን “መኻልፍ” ስለዝገጠሞ ኣይተዓወተን” ዝብል ዲፕሎማት፡ ቀጥታዊ ምትእትታው ኣመሪካ ጸቕጥን ቀንዲ ረቛሒ ምዃኑ ይምጕት።

ኣብ ርእሲኡ፡ እቲ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ፕሪቶርያ፡ ንኤርትራ ብምግላሉ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣዝዩ ከምዝተሰመዖን ዶር ኣቢይ ንህወሓት ክሓቑፎም ስለዝጀመረን ኢሳይያስ ጥልመት ከምዝተሰመዖን ይገልጽ።

“እቲ ኣነ ዝፈልጦ፡ ጽንጽያ ከተንፍረሉ ዘይፈቱ ኢሳይያስ እቲ ምዕባለታት ናይ መወዳእታ ቅትለት’ዩ ነይሩ ንዕኡ። እቲ ኵነታት ቅኑዕ ድዩ ኣይኮነን ብዘየገድስ፡ ኢሳይያስ ዓቢ ጥልመት’ዩ ተጠሊሙ፡” ክብል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቲ ብመንጐኛነት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣመሪካን ኢጋድን ዝተፈረመ ስምምዕ "ናይ ምኹላፍ ታክቲክ’የ ዝብሎ" ክብል ከምዝገለጾ የረድእ።

ኣቢይ ነቲ ኣብ መንጐኦም ዝተፈጥረ ምቅሕሓር ንምፍታሕ ፈተነታት ከምዘካየደ ብምሕባር፡ እንተኾነ ካብ መራሒ ኤርትራ እወታዊ ግብረመልሲ ከምዘይረኸበ’ዩ ኣቶ ዓብደላ ዝገልጽ።

ብኻልእ ወገን ዝቐርብ ምጕት ድማ፡ ኢሳይያስ፡ ኢትዮጵያ ምስ ምዕራባውያን ሃገራት ዘለዋ ፋይናንሳዊ ረብሓታት ስለዝርደኦ ንኣቢይ ክሳብ ካብ ናይ ወጻኢ ደገፍን ዕዳን ዝላቐቕ ዕድል ክህቦ ከምዝኽእል ዝገልጽ’ዩ።

ቅድሚ ናብ ኲናት ምእታዉ፡ “እቶም ኣብ ደገ፡ ‘ኣዕሩኽትኹም ወይ መሓዙትኩም ኢና፡ ክንሕግዘኩም ኢና፡ ናይ ቍጠባ ሽግርኩም ከነቃልለልኩም ኢና’ እናበሉ ብዝተፈላለየ መንገዲ ዝኣትዉ ዘለዉ ሓይልታት፡ ነቲ ሕርያታት ክጸልዉዎ ይፍትኑ ስለዘለዉ፡ እዚ ክግታእ ክኽእል ኣለዎ” ኢሉ ነይሩ።

ድሕሪ’ቲ ኲናት ድማ "ምስቲ ፈደራል ሰራዊት ከም ሓደ ኣካል ኴንና ስለዝሰራሕና ዓቢ ተመኵሮ ቀሲምናሉ፡ ዓቢ ትምህርቲ ቀሲምናሉ. . .እዚኣ ግን ዓባይ ሕማም ርእሲ'ያ [ንኣመሪካ]፡ መርዘን'ያ እዚኣ” ኢሉ።

እንተዀነ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪ 20 ዓመታት ዲፕሎማስያዊ ዝምድናአን ከሐድሳ ኣመሪካ ግደ ከምዝነበራ’ዩ ዝግለጽ።

ኲናት ክልል ኣምሓራን መርገጺ ኤርትራን

ፋኖ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኵነታት ናይቲ ደድሕሪ ኲናት ትግራይ ናብ ተመሳሳሊ ደማዊ ግጭት ዝኣተወ ክልል ኣምሓራ’ውን ኣብ መንጐ ክልቲኦም መራሕቲ እንተወሓደ ምጥርጣር ክፈጥር ዝኽእል ሓደገኛ ምዕባለ እዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቲ ብህወሓት ዝቕለስ ዝነበረ ምምሕዳር ኢህወደግ ንምውዳቕ ብበዓል ዶ/ር ብርሃኑ ነጋን ኣንዳርጋቸው ጽገን ዝምርሑ ከም ግንቦት 7፡ ከምኡ’ውን ‘ሓርበኛታት ኣምሓራ (የአማራ ኣርበኞች) ዝተባህሉ ዕጡቓት ተቓወምቲ ኢትዮጵያ የአንግድ፡ የሰልጥንን የዕጥቕን ምንባሩ ይፍለጥ።

ኣብ 2022 ኣቶ ኣንዳርጋቸው፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣንጻር ህወሓት ንዝካየድ ፐሮፖጋነዳዊ ጐስጓስ ዝውዕል ዓመታዊ ክሳብ 300,000 ዶላር ንኢሳት ይህብ ከምዝነበረ ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣቢይ ኣሕመድ’ውን ኣብቶም ንህወሓት ብዓይኒ ጽልኢ ዝርእይዎ ዝበሩ ተወለድቲ እቲ ክልልን ብሄርን ኣብ ፈለማ ዓመታት ስልጣኑ ሰፊሕ ደገፍ ረኺቡ ነይሩ። እዞም ሎሚ ኣንጻሩ ዝዋግኡ ዘለዉ ዕጡቓት ፋኖ ከይተረፉ ኣብ ጐድኒ ሰራዊት ፈደራልን ሰራዊት ኤርትራን ብምስላፍ ኣንጻር ህወሓት ተዋጊኦም ምንባሮም ናይ ቀረባ ዝኽሪ’ዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ክፍላ ነሓሰ 2018 ከምኡ’ውን ኣብ ጥቅምቲ ናይቲ ዓመት ናብቲ ክልል ዘካየዶ ምብጻሕን ዝረኸቦ ደገፍን ከኣ መርኣያ ምስ ሓይልታትን ፖለቲከኛታት ኣምሓራ ዝነበሮ ጥቡቕ ርክብ ምንባሩ ይግለጽ።

በዚ ድማ’ዩ ኤርትራ ነዞም ሕጂ ኣንጻር ፈደራላዊ መንግስቲ ዝዋግኡ ዘለዉ ዕጡቓት ኣምሓራ ብምስልጣንን ምዕጣቕን ክትድግፎም ትኽእል’ያ ተባሂላ ትሕመ ዘላ።

መራሕቲ ዕጡቓት ፋኖ ብወገኖም ዕጥቈምን ቀረባቶምን ካብ ህዝቦም ከምዝረኽብዎ ብምግላጽ ካብ ኤርትራ ዝረኽብዎ ሓገዝ ከምዘየለ’ዮም ዝገልጹ።

ሓላፊ ፖለቲካዊ ክንፊ ምዃኑ ዝገልጽ ኣቶ ኣስረሰ ማረ ዳምጠ ንቢቢሲ፡ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ መገልጺ፡ ቀንዲ ምንጪ ዕጥቈምን ስንቈምን ኣብቲ ክልልን ኣብ ወጻኢን ዘሎ ህዝቦም ምዃኑ ተዛሪቡ።

ምክትል ኣዛዚ ናይቲ ኣብ ከባቢታት ጐጃም ዝንቀሳቐስ ክፋል ፋኖ ኣቶ ማንችሎት እሱባለው ብወገኑ፡ “ናይ ጸለመ ክሲ” ብምባል ኤርትራ ከምዘይትሕግዞም ገሊጹ።

“ኣብቲ ክልል ሰፊሕ ህዝባዊ ደገፍ ኣለና፡ ብህዝቢ ኢና ንምራሕ። ህዝባዊ ቃልሲ ኣብ ምክያድ ኢና ንርከብ። ዝቕልበናን ዝድግፈናን ህዝብና እዩ. . . እቶም [ካብ ኤርትራ ደገፍ ትረኽቡ ኢኹም] ኢሎም ዝኸሱና ዝዀነ መርትዖ ከቕርቡ ኣይክኣሉን።”

ኢትዮጵያዊ ዲፕሎማት እውነቱ’ውን ዛጊት ብዛዕባ ተራ ኤርትራ ኣብ ኲናት ክልል ኣምሓራ ዝዀነ ጭቡጥ መርትዖ ከምዘይረኸበ ይዛረብ።

ኣምባሳደር ዓብደላ ከምዝብሎ ግን፡ ዋላ’ኳ ኤርትራ ብርኡይ ንሓይልታት ኣምሓራ እንተዘይደገፈቶም፡ ንዝጸንሖም ዝምድና ኣብ ግምት ብምእታው ኢዳ ኣጣሚራ ስቕ ከምዘይትብል’ዩ ዝምጕት።

በቲ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣትዩ ዘሎ ዞባ ምዕራብ ትግራይ፡ ኤርትራ ምስ ክልል ኣምሓራ ብቐጥታ ዘራኽቦም መስመር ከምዘለዎም ከኣ ይጠቅስ።

እንተኾነ መንግስቲ ኤርትራ ንተቓወምቲ ሓይልታት ኣምሓራ ቀጥታዊ ደገፍ ክገብር እንተጀሚሩ ኣብ መንጐ ክልቲኦም መራሕቲ ዝህሉ ምትፍናን ናብ ቅሉዕ ግጭት ከምርሕ ከምዝኽእል’ዮም እቶም ተንተንቲ ዝእምቱ።

ኣፍደገ ባሕሪ፡ መግለጺታት ኣቢን ስቕታ ኢሳይያስን

ኣብዚ ቀረባ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ብዛዕባ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ዝሃቦ መግለጺታት ንብዙሓት ኤርትራውያን ኣቘጢዑን ነቲ ዝነበረ ዝምድናን ክብጻሕ ተጽቢት ተገይሩሉ ዝነበረ ምዕባለን ትጽቢታትን ሓላሊኽዎ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

ኣቢይ ኣብ ክፍላ ጥቅምቲ ንፓርላማ ሃገሩ፡ "150 ሚልዮን ህዝቢ ናይ ጆግራፊ እሱር ኰይኑ ክቕጽል ኣይክእልን'ዩ" ብምባል፡ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ሞትን ሕየትን ጉዳይ ምዃኑ ተዛሪቡ።

ብታሪኽ፡ ጆኦግራፊን ዓሌትን መሰረት፡ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣፍደገ ናይ ምርካብ መሰል ከምዘለዋ ክምጕት ምፍታኑ ዞባዊን ዓለምለኻውን ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።

ኣብቲ እዋን መንግስቲ ኤርትራ፡ "ከም ወትሩ - ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጐደናታትን መኣዲታትን ከምዘይዕደም ደጋጊሙ እናረጋገጸ፡ ንዅሎም ግዱሳት ከይትዅቶኹ ይምሕጸን" ክብል ሓጺር መግለጺ ሂቡ።

እቲ ናይ ባዕሉ ዞባዊ ጥሙሕ ከምዘለዎ ዝንገረሉ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ግን ዛጊት ብዛዕባ መግለጺታት ኣቢይ ዝሃቦ ምላሽ የለን። ድሒሩ ግን ኣቢይ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ቃታ ከምዘይስሕብ’ዩ ኣነጺሩ።

ኣምባሳደር እውነቱ፡ ኣቀራርባ ኣቢይ ዘይንቡር ምዃኑ፡ ንረብሓ ክልቲአን ሃገራት ብዘኽበር መንገዲ ብደረጃ መራሕቲ ክዝረበሉ ዝነበረ’ዩ ይብል።

“ሕማቕ ዕድል ኰይኑ ግን ክልቲኦም መራሕቲ ክንዮ ውልቃዊ ስልጣንን ጥሙሕን ዝኸይድ ራእይ ስለዘይብሎም፡ ናብ ዘየድሊ ምትፍናን ከምርሕ ይኽእል’ዩ” ብምባል እቲ ጉዳይ ዘየድሊ ወጥሪ ንኸየስዕብ ኣብ መቓን ዓለምለኻዊ ሕጊ፡ ኣገባባትን መትከላትን ክፍታሕ ከምዝግባእ ኣዘኻኺሩ።

‘እቲ ዘመሳስሎም’ዩ ዝፈላልዮም’- መን ዞባዊ ጎብለል ኮነ

ፕረዚደንት ኢሳይያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣምባሳደር ዓብደላ ብወገኑ፡ እቲ ንክልቲኦም መራሕቲ ዘመሳስሎም፡ ኣብቲ ዞባ ጐብለል ናይ ምዃን ሃቐነታት ንሓድሕዶም ከምዝወዳደሩ ስለዝገብር ክራጸሙ ይኽእሉ’ዮም ይብል።

ዋላ’ኳ ኣቢይ ዘልዕሎ ዘሎ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ምኽንያታት ክህልዎ ዝኽእል እንተዀነ፡ ክንዮ ዶባት ዝኸይድ፡ “ኢምፓየር ኩሽ ናይ ምህናጽ የዋህ ሕልምታት ‘መደመር’” ከምዘለዎ ይምጕት።

“ናይ ክልቲኦም ኣምቢሽን (ጥሙሕ) ዶብ ሰገር’ዩ፤ እዚ እዩ ድማ ሓደ ካብቲ ዘየሰማምዖም፤ እቲ ዘመሳስሎም’ዩ ዘባእሶም” ዝብል ዓብደላ፡ “ኢሳይያስ፡ ክመርሕ እምበር ክምራሕ ዝደሊ ሰብ ኣይኮነን” ብምባል፡ ሓደ ጠንቂ ናይቲ ኣብ 1998 ዝተወልዐ ዶባዊ ኲናት፡ ጐብለል ናይ ምዃን ውድድር ምንባሩ ብኣብነት የቐርብ።

ኣምባሳደር እውነቱ ግን፡ “ኣቢይ ዝብሎ ሕልምታትን ፋንታዚን ካብ ባዶ ተበጊሱ ዝብሎን ተመሊሱ ዘይደግሞን” ስለዝዀነ ብዕቱብ ክርአ የብሉን በሃላይ እዩ።

እቲ ኤርትራዊ መራሒ ካብ ፈለማ ናጽነት ሃገሩ ጀሚሩ ኣብቲ ዞባ ዓቢ ጽልዋ ዝነበሮን ዘለዎን መራሒ’ዩ። ኣብ ጉዳይ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሶማልያን ኢትዮጵያ ዘለዎ ተገዳስነትን ምትእትታውን’ውን መግለጺ ዘለዎ ዞባዊ ጥሙሕ’ዩ።

እቲ ህላወ ሓይልታት ወጻኢ ኣብቲ ዞባ ኣትሪሩ ዝቃወም ኢሳይያስ፡ ሃገራት እቲ ዞባን “ጐዶቦታቱን” ጸጥታዊን ቍጠባውን ውህደት ከቐድማ ክጠልብ ጸኒሑ’ዩ። ኣቢይ ብወገኑ፡ ተመሳሳሊ ዞባዊ ራእይ ከምዘለዎ’ዩ ክዛረብ ዝስማዕ።

ድሕሪ’ቲ ስምምዕ ሰላም 2018 ይዅን ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ንህዝብታት እተን ሃገራት ዝመቓቕል መግዛእታዊ ዶባት ትርጕም ከምዘይብሉ፣ ሓደ ሰራዊት ምክልኻል፡ ሓደ ባጤራን ክህሉን ዶባተን ማያት ዶባት ቀይሕ ባሕርን ህንዳዊ ውቅያኖስን ክኸውንን ከምዝምነን’ዩ ክዛረብ ጸኒሑ።

እቲ ኣብ 90ታት ንዞባዊ ውድብ ኢጋድ ኣብ ምሕያል ዓቢ ተራ ዝነበሮ ኢሳይያስ፡ ድሕሪ 2018 ኣብ ዘካየዶ ተበግሶ’ውን ተመሳሳሊ ዞባዊ ምውህሃድ ንምፍጣር ንመራሕቲ ኬንያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሱዳን፡ ሶማልያን ንምርካብ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓስ ክገብር ተራእዩ።

ኢጋድ ኣቐዲሙ መጋበርያ ሓይልታት ወጻኢ ኰይኑ ዝብል ነቐፌታ ስለዝነበሮ’ውን፡ እንተወሓደ ምስ ኢትዮጵያን ሶማልያን ስሉሳዊ ጸጥታዊ ስምምዓት ገይሩ ነይሩ። እንተዀነ ብቐንዱ በቶም ኣብቲ ዞባ ረብሓታት ዘለዎም ምዕራባውያን፡ ዓረባውያንን ምብራቓውያንን ሓይልታት እቲ ሃቐነ ከምዝበርዓነ’ዩ ዝግለጽ።

ምስ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዘለዎም ርክብ’ውን ሓደ ካብቲ ኣተኩሮ ስሒቡ ዘሎ’ዩ። ሓደኦም ምስ ስዑዲ ሓደኦም ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝያዳ ቅርበት እናፈጠሩ ምኻዶም ክሳብ ክንደይ ጠንቂ ወይ ሳዕቤን ምሕርፋፍ ዝምድናኦም ይኸውን ዝብል ገና ዘይተነጸረ ገጽ እዩ።

እዚ ዅሉ ኵነታት፡ መግለጺታት ኣቢይን ካብ ሃገራት እቲ ዞባ ዝሰዓበ ግብረመልሲን ዘሻቐሎም ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ብምኽባር ሰላምን ምርግጋእን ናይቲ ዞባ ክሕሎ ዝጽውዕ ምሕጽንታ ከቕርቡ ምርኣይ’ውን ነቲ ስግኣታት ኣሐይልዎ ኣሎ።

ህሉው ዲፕሎማስያዊ ርክብ

ፕረዚደንት ኢሳይያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ታሕሳስ 2018 ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኰይኑ ዝተመዘዘ ሰመረ ርእሶም ኣብ ፈለማ መጋቢት 2022 “ናይ ስራሕ ግዚኡ ስለዝኣኸለ” ካብታ ሃገር ከምዝተሰናበተ ይዝከር። እቲ ሚኒስተር ትምህርቲ እንከሎ ዲፕሎማስያዊ መዝነት ደሪቡ ዝሰርሕ ዝነበረ ኣምባሳደር ሰመረ፡ ናብ ኤርትራ ድሕሪ ምምላሱ ካብ ዓይኒ ህዝቢ ካብ ዝኽወል ነዊሕ ገይሩ ኣሎ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ፈለማ ታሕሳስ 2019 ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ብምዃን ናብ ኣስመራ ዝተላእከ ሬድዋን ሑሴን እውን ናብ ሃገሩ ድሕሪ ምምላሱ ኢትዮጵያ መተካእታኡ ኣይሰደደትን።

እንተዀነ እቲ ኣብ ክረምቲ 2022 ክልቲአን ሃገራት “ከም ሓደ ኣካል” ኰይኖም ኣንጻር ሓይልታት ህወሓት ዝወሰድዎ ናይ መወዳእታ መጥቃዕቲ፡ ክንዮ ህላወ ኣምባሳደራት ምዃኑ ዘርኢ እዩ።

እቲ ወግዓዊ ርክባት ኣብ ከመይ ደረጃ ከምዘሎ ብጭቡጥ ክግለጽ'ኳ እንተዘይተኻእለ፡ እቲ ብ8 ሓምለ 2018 ዝጀመረ በረራታት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ግን ይቕጽል ኣሎ።

እቲ ንሓጺር ግዜ ተኸፊቱ ዝነበረ ዶባት ግን ኣብ ውሽጢ 8 ኣዋርሕ እዩ ምሉእ ብምሉእ ኣብቂዑ። እቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ኣፍ ደገ ዶብ ቡሬ- ደባይሲማ ከኣ ብ22 ሚያዝያ 2019 ምሉእ ብምሉእ ተዓጽዩ።

እቲ ብሰምምዕ ፕሪቶርያ ዘይተሓጐሰ ፕረደዚንት ኢሳይያስ ንመወዳእታ እዋን ናብ ኢትዮጵያ ዘካየዶ ወግዓዊ ምብጻሕ፡ ኣብ ጥቅምቲ 2020 እዩ ነይሩ።

ክልተ ሰሙን ቅድሚ ኲናት ትግራይ ምውልዑ ብ13 ጥቅምቲ ብቐጥታ ናብታ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ትርከብ ቀንዲ ፖለቲካዊ ደጀን ኣብይ ኣሕመድ ከተማ ጅማ ኣትዩ። ኣብቲ ንሰለስተ መዓልታት ዝጸንሐ ዑደት ንግድብ ህዳሰን ካልኦት ፕሮጀክትታት ልምዓትን በጺሑን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይን ተላዚቡን።

ንመወዳእታ እዋን ብኣካል ከምዝተራኸቡ ዝተገልጸ ድማ ብ12 ሓምለ መራሕቲ ጐረባብቲ ሃገራት ሱዳን ብዛዕባ ቅልውላው ካርቱም ንምዝርራብ ኣብ ግብጺ ኣብ ዝተኣከብሉ’ዩ።

እቲ ናይ ካይሮ ርክብ ግን ወግዓዊ ወይ ሓውሲ ወግዓዊ ዘይኮነስ፡ ኣብ ናይ ሻሂ ጣውላ ዝተፈጸመ ምልውዋጥ ሰላምታ’ዩ ነይሩ። ኣብቲ ሃንደበት ዘጋጠመ ዝመስል ርክብ ግን ክልቲኦም መራሕቲ ክስሕቁን ከዕልሉን ምርኣዮም ዝምድናኦም ከም ቀደሙ ምዉቕ ምዃኑ’ዩ ኣሚቱ።

ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ጸጥታዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ሬድዋን ሑሴን ኣብቲ እዋን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ኣብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዘካይዶ ምብጻሕ ክልቲኦም መራሕቲ ተወሳኺ ክልተኣዊ ልዝብ ክገብሩ ቃል ኣትዮም” ኢሉ ነይሩ። እንተዀነ፡ ከይተፈጸመ 5 ኣዋርሕ ሓሊፉ’ሎ።

ሓደ ሓደ ተንተንቲ መግለጺ ሬድዋን፡ ነቲ ዝሓርፈፈ ዝምድና ንምምሕያሽ ዝተወስደ ምዃኑ’ዮም ዝገልጹ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ስለምንታይ ነቲ ምብጻሕ ክሳብ ሎሚ ዘይገበሮ ግን ብንጹር ዝተፈልጠ የለን።

ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ፡ ኣብ ፈለማ ሚያዝያ 2023 ብሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ብ/ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ዝምራሕ ሓያለ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ጸጥታን ኤርትራ ዝርከብዎ ጕጅለ ኣብ ኢትዮጵያ በጺሑ ምንባሩ’ውን ዝምድና ክልቲኦም ወገናት ኣብ ደሓን ከምዘሎ ዝእምት’ዩ ነይሩ።

እንተዀነ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ዝካየድ ዘሎ ማእሰርቲን ምስርጣይን ንብዙሓት ተሓለቕቲ ኣሻቒሉ ኣሎ።