ርክብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ከመይ ኵነታት ኣሎ?

ምንጪ ስእሊ, PM OFFICE
ዝሓለፈ ልዕሊ ፍርቂ ዘመን፡ ኣብ ዝምድና ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣገደስቲ ክስተታት ዝተራእዩሉን ወሰንቲ ምዕራፋት ታሪኽ ዝተመዝገቡሉን ዓመታት እዩ። ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ፡ እታ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ዝነበረት ኤርትራ፡ ድሕሪ ናይ ዓመታት ቃልሲ፡ ናጽነታ ኣዊጃ ሃገር ዝዀነትሉ መድረኽ ክጥቀስ ይከኣል።
እዚ ይዅን ግን፡ እዘን ክልተ ሃገራት ብብዙሕ መዳያት ምትእስሳር ኣለወን፤ ዶብ፡ መውስቦ፡ ባህሊ፡ ሃይማኖት፣ ማሕበረ-ቍጠባዊ ንጥፈታትን ካልእን የራኽበንን የዛምደንን።
ብኻልእ መዳይ'ውን ክልቲአን ኣብቲ ነዊሕ ታሪኸን፡ ኣብ እዋን ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ይዅን ድሕሪኡ ብዶብ ተሳቢቡ ኣብ ዝተወልዐ ኲናት፡ ህይወት ኣሽሓት ዜጋታተን ቀቢረን እየን።
እቲ ኣብ 1998-2000 ዝካየዳኦ ኲናት፡ ብስምምዕ ውዕል ኣልጀርስ'ኳ እንተብቅዐ፡ እቲ ውዕል ብዘይምትግባሩ ንዝቐጸለ ኣስታት 18 ዓመታት ኣብ 'ኣይ ሰላም ኣይኲናት' ሃዋሁ ተፋጢጠን ቀጺለን።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጸ ግን፡ ነገራት ተቐይሮም፤ ብቕልጡፍ ክልቲአን ሃገራት ሰላማዊ ዝምድና ጀሚረን።
ቀጺሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣብ ሃገሩ ለውጢ ንምምጻእ ብዝወሰዶ ስጕምትታት፡ ብፍላይ ድማ ምስ ኤርትራ ሰላም ንምፍጣር ብዝወሰዶ ተበግሶታት መበል 100 ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም ኰይኑ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይን ኣብ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ተደጋጋሚ ዑደት ክገብሩ ጸኒሖም እዮም።
ኣብዚ ዑደታት መራሕቲ ኣብ ክልተኣዊ ዝምድና እተን ሃገራት ትኹረት ከም ዝገብሩ ካብ ምጥቃስ ሓሊፉ፡ ብዛዕባ ዝተበጽሐ ዘተን ስምምዓትን ዝርዝር ሓበሬታ ኣይተዋህበን ነይሩ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ድሕሪ ልዕሊ ዕስራ ዓመታት ‘ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት’ ንመጀመርታ ግዜ 14 ሓምለ 2018 ናብ ኢትዮጵያ ገይሹ።
እቲ ፕረዚደንት ዝተዓጽወ ኤምባሲ ኤርትራ ምኽፋቱ፡ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ዳግማይ ምጅማሩ ወግዓዊ ምልክት’ዩ ነይሩ።
ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ወግዓዊ ዑደቱ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጥራይ ዘይኰነስ ናብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገር’ውን ተጓዒዙ።
ብተመሳሳሊ መገሻ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ካብ ኣስመራ ሓሊፉ ብሳዋ ዝፍለጥ ማእከል ወተሃደራዊ ታዕሊም ኤርትራን ካልኦት ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኤርትራ ዘጠቓለለ እዩ።
እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ተቛሪጹ ዝነበረ በረራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምስ ተጀመረ፡ እቲ ተዓጽዩ ዝነበረ ኣፍደገ ዶባት ተኸፊቱ፡ እቲ ተረሓሒቝ ዝነበረ እዘን ሃገራት ንብዓቱ ነጺጉ ክራኸብ ጀሚሩ።
እዚ ምሕዝነት’ዚ፡ መንግስቲ ፌደራል ምስ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ኲናት ምስ ኣተወ፡ ንሰራዊት ኤርትራ ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ተዋፊሩ፡ ኣብ ጐድኒ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮይኑ ተዋጊኡ።
ድሕሪ ምፍራም ናይቲ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ ዘብቅዐ ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ካብ ትግራይ ናይ ምስሓብ ውሳነ ስዒቡ፡ ካብ ብዙሕ ቦታታት ከምዝሰሓቡ ተገሊጹ።
እንተዀነ ክሳብ ሕጂ ኣብ ገለ ከባቢታት ትግራይ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ከምዘለዉ ይዝረብ።
ኣብ መጀመርታ ተወዓዊዑ ዝነበረ ዝምድና መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት፡ ብፍላይ ድሕሪ ምዝዛም ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ እናዛሕተለ ይመጽእ ከም ዘሎ ብዝተፈላለየ ወገናት ይስማዕ።
መሰረት ዝምድና ኢትዮጵያን ኤርትራን
ድሕሪ ምፍራም ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ሰላም ምስ ተፈጥረ፡ ምዕራባውያንን ካልኦት ዓለምለኸ ትካላትን ኣድናቘቶም’ኳ እንተገለጹ፡ ምስ ምግሃስ መሰላት ተኣሳሲሩ ግን ብቐጻሊ ስም ኤርትራ ክርቋሕ ይስማዕ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብተደጋጋሚ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝገብሮ ዝነበረ ምብጻሕ ካብ ዝቋረጽ ነዊሕ ኰይኑ ኣሎ።
እቲ ናይ መወዳእታ ዑደት ካብ ኤርትራ ዝሓለፈ መጋቢት ብጀነራል ኣብርሃ ካሳ ዝምራሕ ጕጅለ ላዕለዎት ሰበስልጣን ወተሃደራውን ጸጥታውን እዩ ተኻይዱ።
ኣምባሳደር እውነቱ ብላታ ንኢትዮጵያ ወኪሉ ኣብ ቻይና፡ ሕብረት ኣውሮጳን ኣሜሪካን ከም ዲፕሎማት ኰይኑ ሰሪሑ እዩ።
ኣምባሳደር እውነቱ፡ እቲ ቅድሚ ምዝዛም ኲናት ሰሜን ድልዱል ዝመስል ዝነበረ ዝምድና ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ኣብዚ እዋን’ዚ እናተዘሓሓለ ምምጽኡ ይዛረብ።
እቲ ዝምድና ‘ኣብ መንጐ ክልተ መራሕቲ ዝተመስረተ እዩ ነይሩ’ ካብ ምባል ብተወሳኺ "ሃንደበት እዩ ጀሚሩ" ዝብል ኣምባሳደር፡ ብሕጊ ዘይቅየድ ምዃኑ ከም ጸገም የልዕል።
ኣብ ለንደን ዓባይ ብሪጣንያ ዝነብር ተንታኒ ፖለቲካ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዓብዱራሕማን ሰይድ ኣቡሃሸም ብወገኑ፡ ዝምድና ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ጽኑዕ መሰረት ዝተሰረተ ከምዘይኰነ ይዛረብ።
ነዚ ድማ እቲ ዝምድና ኣብ መንጐ ክልቲኦም መራሕቲ ምዃኑን "ብዝረኽብዎ ረብሓ መሰረት ከምቲ ዝደለይዎ ዝቃነ" ምዃኑን ወሲኹ ሓቢሩ።
ብመሰረት እቲ ኣምባሳደር፡ ማሕበረ-ቁጠባዊ ዝምድናታት ክህልዉ ካብ ምርድዳእ ብተወሳኺ፡ ስምምዕ ኣልጀርስ ብምትግባር ኣብ ዙርያ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓባር ክሰርሑ ተሰማሚዖም። መብዛሕትኡ ግን ኣብ ግብሪ ኣይውዓለን።
"ብዘይርአን ሕቡእን ዝምድና ክልተ ልኡላውያን ሃገራት ኣብ ኲናት ትግራይ ክተሓባበሩ ዝሓሰቡ ይመስል" ይብል።
ኣመለኻኽታ ፕረዚደንት ኢሳይያስ
ኣብ መንጐ ክልቲኤን ሃገራት ገለ ፍልልያት ከምዘሎ ዝጠቐሰ ዓብዱራሕማን፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ቅድሚ'ቲ ['98-2000] ኲናት ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዘይሰማምዑሉ ጉዳያት ከምዝነበሮም ብንጹር ከምዝገለጸ ይዛረብ።
በዚ ምኽንያት ድማ፡ እቲ ፕረዚደንት ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ንልዕሊ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ተግባራዊ ኰይኑ ዘሎ መንነት መሰረት ዝገበረ ፌደራላዊ ስርዓት ብግልጺ ብትሪ ከምዝነቐፈ ይገልጽ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ቅድሚ ሓደ ዓመት ንተሌቪዥን ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ ቃለመሕትት፡ ምንጪ ናይቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካዊ ጸገማት፡ ህወሓት ዝትግብሮ ብሄር ማእከል ዝገበረ ፖለቲካ ምዃኑ ኣብሪሁ።
እዚ ሕጂ ዘሎ ሕገ-መንግስቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ክነቱግ ዝጽበ ቦምብ ብምዃኑ ናብ ግጭትን ምብትታንን ሃገር ዘምርሕ ምዃኑ ወሲኹ ገሊጹ ነይሩ።
ሳዕቤን እዚ ኵነታት፡ ንኤርትራ ሓዊሱ ንቐርኒ ኣፍሪቃ ክንዮ ኢትዮጵያ ክጸሉ ይኽእል እዩ ዝብል ስክፍታ ዘለዎ ይመስል።
ኣቡ ሃሽም እውን እዚ ቀንዲ ስክፍታ ኢሳይያስ ዝዀነ ፖለቲካዊ ኣቃውማ ኣብ መንጐ መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ፍልልይ ክፈጥር ግድን እዩ ይብል።
ኣብተን ቀዳሞት ኣዋርሕ ኲናት ትግራይ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ምስሓብ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ካብ መቐለን ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይን "ዘይተጸበናዮን ሃንደበታዊን እዩ" ኢሉ።
እዚ ድማ ኣብ መንጐ ሰራዊተን ብሓባር ዘዋፈራ ክልቲአን ሃገራት ገለ ክፍተት ከምዘሎ ዘርኢ ምዃኑ ጠቒሱ።
ሓይልታት ትግራይ ሓድሽ ምምዕርራይ ገይሮም፡ ንመብዛሕትኡ ከባቢታት ትግራይ ምስ ተቘጻጸሩ፡ ሰራዊት ፈደራል ካብ ትግራይ ጠቕሊሉ ምውጽኡ ዝዝከር እዩ።
ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዝነበረ ኲናት ተተሓሒዙ፡ ከቢድ ቍጠባዊ ቅልውላው ዘጋጠማ ኢትዮጵያ፡ ደገፍን ልቓሕን ክገብሩ ዝጸንሑ ምዕራባውያን፡ ኢዶም ካብ ምእርናብ ሓሊፎም፡ ኣብ ልዕሊኣ ጸቕጢ ይገብሩላ ነይሮም።
ነዚ ንምእራም፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ህወሓት ክዘራረብ ግድን ኰይኑዎ፤ እቲ ደማዊ ኲናት ደው ከብልን ሰላም ከሰፍንን ተገዲዱ።
በዚ ኣረኣእያ’ዚ፡ ብዘይካ’ቲ ንዘመናት ምስ ምዕራባውያን ኣብ ዝሑል ዝምድና ዝጸንሐት ኤርትራ፡ ካብ ኵነኔ ሓሊፉ እቲ ጸቕጢ ርኡይ ኣይነበረን።
ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዝተፈላለየ ኵነታት ከምዘለዋ ዝጠቅስ ኣቡ ሃሸም "ኣብ ልዕሊ ኣብይ ዝግበር ጸቕጢ ቀሊል ኣይኰነን" ይብል። "ቍጠባዊ እገዳ እንተድኣ ተገይሩ [ምስ ኤርትራ ክነጻጸር ከሎ]፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝወርድ ጉድኣት ዝዓበየ ክኸውን'ዩ።"
"ከም ውጽኢቱ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ብቐሊሉ ክንበርከኽ ይኽእል እዩ ዝብል ግምት ዝነበሮ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ፕላን ቢ (ካልኣይ ትልሚ) ክሓስብ ግድን ኰይንዎ" ዝብል ኣቡ ሃሽም፡ ነቲ ውጽኢት ክዳሎ ግድን ምዃኑ የብርህ።
ስግኣት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ

ምንጪ ስእሊ, PM OFFICE
ኲናት ትግራይ፡ ተዅሲ ደው ኢሉ እቲ ስምምዕ ሰላም ክትግበር ምስ ጀመረ፡ ንርክብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብኸመይ ከምዝጸልዎ ሕቶ የልዕል እዩ።
እቲ ቀንዲ ምኽንያት ድማ፡ ሃገራትን ዓለምለኻዊ ትካላትን ወተሃደራት ኤርትራ ካብ ክልል ትግራይ ክስሕቡ ብተደጋጋሚ ይሓቱ ስለዘለዉ እዩ።
ስምምዕ ፕሪቶርያ "ንኤርትራ ኣየሐጐሳን" ዝብል ኣምባሳደር፡ "ኤርትራ ነቶም ንሰላም ዝሰርሑ ዝነበሩ ዓለምለኻውያን ሸምገልቲ’ውን ትነቅፍ ነይራ" ይብል።
"እንተዀነ ሕርቃኖም ዓው ኢሎም ኣይተዛረቡን። እቲ ንኤርትራ ዘቘጥዐ ምኽንያት፡ ተሓታትነት ድሒሩ ከም ዝመጽእ ስለ ዝፈልጡ'ዩ" ክብል እቲ ኣምባሳደር ገሊጹ።
ወሲኹ ድማ እቲ ስምምዕ "ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ክወጽእ ዝእዝዝ እዩ፤ እንተዀነ ክሳብ ሕጂ ገና ምሉእ ብምሉእ ኣይወጹን። እዚ ድማ ነቲ ስምምዕ ንምዕንቃፍ ዝግበር እዩ" ኢሉ።
ጉዳይ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ንፈደራል መንግስቲ ምግዳፍ ይሓይሽ ዝብሉ ኣቡሃሽም "እንተዘይኰይኑ እቲ መስርሕ ሰላም ብቐሊሉ ክጕዳእ ይኽእል እዩ" ዝብል ስግኣት ኣለዎ።
ኣብ ልዕሊ ፈደራል መንግስቲ ጸቕጢ ብምፍጣር መፍትሒ ክርከበሉ ዝኽእል ምዃኑ’ውን ይሕብር።
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ምስ ርክብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተኣሳሰሩ ብዙሓት ግምታት ክቐርብ ጸኒሑ እዩ።
ብፍላይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ 1 ግንቦት 2023፡ ኣብ ማእከል መዘናግዒ ሃላላ ዝተዛረቦ ኣቓልቦ ብዙሓት ስሒቡ ይርከብ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ድሕሪ ዝተፈጠረ ወጥሪ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ "...ብፍላይ ኢትዮጵያዊ ዘይኰኑ ሓይልታት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኢዶም ብምእታው ካብ ምዝራግ፡ ክቝጠቡ ከዘኻኽሮም እፈቱ።"
"ውሽጣዊ ጉዳይና ንዓና ክገድፉልና ከዘኻኽሮም እፎቱ፡ ምኽንያቱ ዘይሰርሕዎ ሓያለ ጉዳያት ስለዘለዎም ናቶም ይግበሩ፡ ኣብ መሬቶም ስርሖም ይስርሑ፤ ጉዳይና ድማ ንዓና ይግደፉልና፡" ኢሉ።
እዚ መደረ ቀዳማይ ሚኒስተር ንመን ዝቐናዐ ምዃኑ ንጹር ስለ ዘይነበረ፡ ንመዓልታት ኣብ መድረኻት ማሕበራዊ መራኸቢታት ቀንዲ መዘራረቢ ኰይኑ፡ ዝተፈላለየ ግምታት ክወሃቦ ጸኒሑ።
ኣቡ ሃሽም፡ ዘረባ ቀዳማይ ሚኒስተር "ንግብጺ እዩ ኢልካ ምጥርጣር ይከኣል እዩ፡ ግን ኣይኰነን። ህሉው ኵነታት ሱዳን ኣብ ግምት ብምእታው ድማ ዘይሕሰብ እዩ። እቲ ጉዳይ ምስ ኤርትራ ዝተኣሳሰር ክኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ ካብ ሰለስቲአን ሃገራት ንኤርትራ ብፍላይ ኣገዳሲት ኰይና ትስመዓኒ” ኢሉ።
እቲ ኣምባሳደር ድማ በዚ ርእይቶ ይሰማማዕ። ብሰንኪ ተገዳስነት ኤርትራ ኣብቲ ዞባን ኢትዮጵያን፡ "ኣቢይ ዝተዛረቦ ብዛዕባ ኤርትራ እንተዀይኑ፡ ጌጋ ኣይኰነን፡ ቅኑዕ'ዩ" ዝበለ ኣምባሳደር እውነቱ፡ ምትእትታው ኢሳይያስ፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ጸገም "ኣዝዩ ሓላሊኽዎ" ክብል ነቒፉ።
መጻኢ ርክብ እዘን ሃገራት ናበይ የምርሕ?
እቲ ናይ ክልተ ዓመት ደማዊ ኲናት፡ ከቢድ ማሕበራዊን ሰብኣዊን ጉድኣት ኣውሪዱ እዩ።
እንተዀነ በቲ ኲናት ህወሓት ወተሃደራዊ ዓቕምታቱ’ኳ እንተተዳኸመ፡ ምሉእ ብምሉእ ግን ከምዘይዓነወ ዝገልጽ ኣቡ ሃሸም፡ እቲ ውድብ ሕጂ’ውን ሓያል ፖለቲካውንን ናይ ወጻኢ ዝምድናታትን ዓቕሚ ከምዘለዎ ይኣምን።
"ብዓይኒ ዲፕሎማሲ’ውን እንተተራእየ፡ ህወሓት ቅድሚ ሕጂ ካብ ክልቲኦም (ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን) ዝሓሸ ስራሕ ክሰርሕ ክኢሉ'ዩ። ስለዚ ርክብ ህወሓትን ኣዲስ ኣበባን እንተሃይሉ፡ ርክብ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ዝሑል ማይ ክኣትዎ ንቡር እዩ።”
ኣቡ ሓሽም፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘጋጥሞ ዘሎ ጸገም ካብ ትግራይ ጥራይ ዘይኰነስ ካብ ኣምሓራን ኦሮምያን ከምኡ'ውን ካብ ካልኦት ከባቢታት እውን ከምዝዀነ ኣመልኪቱ።
በዚ ኣጠማምታ እዚ፡ ርክብ ፕረዚደንት ኢሳያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይን ንፋስ እንተ ኣትዩዎ፡ ኤርትራ ድማ ሕጕስቲ እንተዘይኰይና፡ ልክዕ ከምቲ ምስ ህወሓት ዝነበረ "ኤርትራ፡ ካልእ ኣማራጺ ምድላይ" ዝብል ዝንባለ ክህልዋ ይኽእል እዩ። እዚ ማለት ድማ ‘ምስ ካልኦት ኣካላት ወይ ጕጅለታት ዝምድና ናብ ምፍጣር ክሰጋገር ይኽእሉ" ክብል ይውስኽ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ኣመልኪቱ፡ "ክልቲኦም መራሕቲ ንውግእ ተደጋጊፎም ኣብ እዋን ሰላምን ዕርቅን ተፈላልዮም" ዝበለ ኣምባሳደር እውነቱ፡ እቲ ርክብ ኣብ ቅንዕና ዝተመስረተ ከምዘይነበረ ብምሕባር፡ ክልቲአን ሃገራት ዳግማይ ናብ ኲናት ከይኣትዋ ስክፍታኡ የቐምጥ።
ናብ ካልእ ዙር ኲናት ከምዘይእቶ ተስፋ ዝገብር ኣቡ ሃሸም፡ መልእኽቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ግን፡ ንመን ይዅን ብዘየገድስ፡ ብወገን ኣስመራ ብዕቱብ ክውሰድ ከም ዘለዎ የመልክት።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







