ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ይመጽእ’ዶ ይኸውን?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንክልተ ዓመታት ኣብ ከቢድ ኲናት ተጸሚዶም ዝጸንሑ መንግስቲ ፈዴራልን ህወሓትን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ 12 ነጥብታት ዘለዎ ውዕል ሰላም ብምኽታም፡ ነቲ ንክልተ ዓመት ክካየድ ዝጸንሐ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ መኸተምታ ክገብርሉ ኣብ ሓደ ደምዳሚ ስምምዕ በጺሖም ኣለዉ።
እቶም ብኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ክልል ትግራይ ብጌታቸው ረዳ ዝምርሑ ልኡኻት ህወሓት፡ እቶም ኣብ ትግራይ ብህወሓት ተማእኪሎም ኲናት ከካይዱ ዝጸንሑ ዕጡቓት ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ፈኵስን ከቢድን ብረቶም ከውርዱ ዘገድድ ውዕል ከቲሞም።
ኣብዚ ንኽልተ ዓመታት ክካይድ ዝጸንሐ ኲናት ኢዳ ዝጸንበረት ኤርትራ፡ ኣብቲ ዘተ ክትሳተፍ ድያ ዝብል ሕቶ ብተደጋጋሚ ይስማዕ ነይሩ’ዩ፤ ካብኡ ሓሊፉ ኣብቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተኻየደ ዘተ ሰላም ንኤርትራ ዝምልከት እንታይ ኮን ይበሃል ይኸውን ብዝብል ብዙሓት ኣእዛኖም ጸልዮም ይጽበዩ ነይሮም፤ እንተዀነ ብግልጺ ዝተባህለ ነገር የለን።
ተንታኒ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዓብዱራሕማን ሰይድ ኣቡሓሽም እቶም ቀንዲ ተጻባእቲ ሓይልታት ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ስለዝዀኑ እቲ ቀንዲ ሰላም ኣብኦም እዩ ክሰፍን ዘለዎ ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።
“ናይ ኤርትራ ተራ ኣብቲ ኲናት ቀሊል ኣይነበረን፣ ብቐሊሉ’ውን ዝስገር ኣይኰነን። ምናልባት ነቲ ውዕል ሰላም ናብ ዝኸፍአ ምትሕልላኽ ከየምርሖ ብምስጋእ እውን ተወንዚፉ ክኸውን ይኽእል’ዩ” ይብል።
ዓብዱራሕማን ከም ካልኣይ ነጥቢ፡ “እቲ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ 2018 ዝተበጽሐ ሰምምዕ ካልእ ተወሳኺ ዝርዝራዊ ስምምዕ ክግበረሉ ይኽእል እዩ። ንኣብነት ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብኸመይ ይሕሎ? ኣብቲ ዶባት’ከ መን ይህሉ ዝብል ነጥቢ ኣገዳሲ ክኸውን እዩ። ብሸነኽ ኤርትራ፡ ዝዀነ ናይ ክልል ሓይሊ ይዅን ምልሻ ነቲ ዶባት ክቈጻጸሮ ከምዘይብሉ ዝብል ጠለብ ቀሪቡ ክኸውን ይኽእል፡” ብምባል ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን መንግስቲ ኤርትራን ብሕጂ ስምምዓት ክግበር ከምዝኽእል ግምቱ የቐምጥ።
ስለዚ እዞም ክልተ ነዚ ውዕል ሰላም ዝፈረሙ ኣካላት፡ ተጻብኦታት ደው ንኸብሉን ብኡ ኣቢሎም ከኣ ናብ ሰላም ንኽኣትዉን ብሕገ መንግስቲ ዝመሓደር ኵሉ ነገር ናብ ንቡር ንኽምለስን ምስምመዖም ሓደ ኣወንታዊ ስጕምቲ እዩ ይብል ዓብዱራሕማን።
“ከምቲ ብእንግሊዝ the devil is on the details ( እቲ ሽግር ኣብ ዝርዝራት እዩ ዝመጽእ) ዝበሃል፡ ኣብ ምትግባር እቲ ስምምዕ ክፈኵስን ክዘልቕን፡ ኣብቲ ዘለዎም ቅርቡነትን ዝግበረሎም ሓገዛትን እዩ ክምርኮስ። እዚ ዅሉ ኣብ ቦታኡ እንከሎ ንኤርትራ ናብዚ ምጽንባራ ነቲ ነገራት ዝያዳ ክሓላልኾ ስለዝኽእል፡ ነቶም ቀንዲ ተጻባእቲ ጥራይ ዘተኮሩ እመስለኒ፡” ክብል ይውስኽ።
ኣብ ጂቡትን ሱዳንን ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኰይኑ ዝሰርሐ ገዲም ተጋዳላይ 70ታት፡ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ክፍለሰራዊትን ነበር ኣምባሳደር ዓብደላ ኣደም ብወገኑ፡ “እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ኵናት ሓድሕድ ስለዝዀነ ንኤርትራ ኣብቲ ኲናት ዘእቱ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት ኣይነበረን፣ ኣብዚ ውዕል እዚ ኸኣ ዘዐድም የብላን፡” ይብል።
ኣምባሳደር ዓብደላ ኣደም ወሲኹ፡ “ህወሓት ኣብዚ ዘተ ሰራዊት ኤርትራ ይውጽኡ ዝብል ነጥቢ ኣቕሪቦም ክዀኑ ይኽእሉ እዮም። እንተዀነ ኣብ ውሽጢ እንታይ ተበሃሂሎም ከይተፈለጠ ኢና ነቲ ስምምዕ ሰሚዕናዮ፣ ምናልባት’ውን ንኤርትራ ዝምልከት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ህወሓትን [ኣብቲ ስምምዕ ዘይሰፈረ] ዝተበጽሐ ስምምዕ ይህሉ ይኸውን ኢለ እግምት፡” ኢሉ።
ኤርትራኸ እንታይ ክትረክብ እያ ናብዚ ኵናት ኣትያ?
ዓብዱራሕማን ኣቡሓሽም፡ ባህሪ ህዝባዊ ግንባርን ህወሓትን ብምንጽጻር፡ እቲ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ዝተኻየደ ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሰዓራይን ተሰዓራይን ስለዘይተወድአ፡ ጸኒሑ’ውን እቲ ኣብ ኣልጀርስ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ብኣብያ እቲ ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ ኢህወደግ ኣብ ባይታ ስለዘይተተግበረን ንኤርትራ ዝተበየነ እታ ቀንዲ ማእከል እቲ ኲናት ዝነበረት ባድመ ትርከቦ ሓያለ ቦታታት ኣብ ኢድ ኢትዮጵያ ስለዝጸንሐን፡ ክልቲኦም ሓይልታት ንዝሓለፈ ዕስራ ዓመታት ኣብ ዝሑል ኲናት ከምዝጸንሑ ብምግላጽ ምትእትታው ናይ ኤርትራ ካብዚ ነጺልካ ዝርአ ከምዘይኮነ ይሕብር።
“ከም መቀጸልታ ናይቲ ክካየድ ዝጸንሐ ኣይ ኲናት ኣይሰላም ከኣ፡ እቲ ካብ 1998-2000 ዝተኻየደ ኲናት ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ክልቲኦም ሓይልታት ኣብ ፕሮፖጋንዳዊ ዘመተ፡ ንሓድሕዶም ንምጥቕቓዕ ንተቓወምቲ ኣብ ምዕጣቕ ደው ኣየበልዎን ጸኒሖም” ድሕሪ ምባል፡ “ዋላ ኣብ 2018 ውዕል ሰላምን ምሕዝነትን ምስ ተፈረመ’ውን ጸገም ህግደፍን ህወሓትን ኣይሰኸነን፣ ስለዚ እቲ ሓደ ኣብ መንጐ መንግስታት ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን መራኸቢ ነጥቢ ኰይኑ ዝጸነሐ’ውን ንህወሓት ከም ናይ ሓባር ጸላኢ ወሲድካ ከመይ ገይርካ ንዕኡ ትስዕሮ’ዩ ነይሩ፡” ይብል።
ኣምባሳደር ዓብደላ ብወገኑ፡ ንኤርትራ ናብዚ ኲናት ዘእቱ ዝዀነ ዓይነት ምኽንያት ከምዘይነበረ ብምግላጽ፡ “እንድሕር ዘይተወደአ ጉዳይ ምሕንጻጽ ዶብ ነይሩ ኰይኑ፡ ኤርትራ ከም መንግስቲ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ’ምበር ምስ ህወሓት ኣይኰነን ክዘራረብ ዝግባእ” ብምባል ርእይቶኡ የቐምጥ።
ብምቕጻል፡ እቲ ኤርትራ ናብዚ ኵናት ዝኣተወትሉ ምኽንያት ናይ ኢሰያይስ ውልቃዊ ቅርሕንቲ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ህወሓት ከምዝዀነ ይገልጽ።
ብተወሳኺ ነቲ ኣብ ኤርትራ ክትግበር ዝግባኦን ህዝቢ ዝጠልቦ ዘሎን ምትካል ቅዋማውን ደሞክራሲያውን ስርዓት ክትግበር ስለዘይደለዮ፡ “ንህዝቢ ጸላኢ ኣለካ እናበለ ጅሆ ንምሓዙ’ዩ” ይብል።

ውግእ ሓድሕድ ኢትዮጵያ እንተዓሪፉ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ክመጽእ ድዩ?
ኣምባሳደር ዓብደላ ኣደም ነዚ ሕቶ “ፈጺሙ ኣይመጽእን’ዩ” ብምባል’ዩ መልሲ ሂብሉ።
ንመልሱ ከራትዕ እንከሎ፡ “ኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲ ከይትከል ቅዋም ከይትገበር፡ ጽርግያ ከይስራሕ፡ እሱራት ከይፍትሑ ንኢሰይያስ ወያነ ድዮም ብኢዱ ሒዘሞ ጸኒሖም? መን’ዩ ዓሳታን ባሕሪ ተገፊፎም ከይሽየጡ ንኢሳይያስ ብኢዱ ሒዝዎ?” ብምባል ሕቶታት የቐምጥ።
ኣስዒቡ፡ “ኣብ ኤርትራ ለውጢ ከይመጽእ ቀንዲ ምኽንያት እቲ ለውጢ ዘይደሊ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ብኢሳይያስ ዝምራሕ ስርዓት’ዩ። ሕጂ’ውን ወያነ ገና ኣለዉ፡ ስነ ሓሳቦም ኣሎ፣ ዘደቅሱና ኣይኰኑን እናተባህለ ካልእ ፕሮፖጋንዳ ክፍጠር ይኽእል እዩ። ሕጂ ወያነ ከይዶም’ዮም ኵሉ ነገር ናብ ንቡር ክምለስ’ዩ ኢሉ ዝሓስብ ሰብ እንተሃልዩ ወይ ንስርዓት ኢሳይያስ ዘይፈልጥ’ዩ ወይ የዋህ’ዩ ጥራይ’የ ክብል ዝኽእል፡” ብምባል ይድምድም።
ዓብዱራሕማን ሰይድ ኣቡሓሽም ብወገኑ፡ ካብ ሓሳብ ኣምባሳደር ዓብደላ ከይርሓቐ፡ ጉዳይ ኤርትራ ምስ መሪሕነት ህግደፍ ወይ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝተኣሳሰር ከምዝዀነ’ዩ ዝገልጽ።
“ንዝሓለፈ ተመኵሮታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ድሕሪ ሕጂ እውን ኣካይዳኡ ኣይክቕይርን እዩ” ይብል።
ዓብዱራሕማን ኣተሓሒዙ፡ “ኣብ ሕሉፍ ተመርኵስና ክንርእዮ እንከለና፡ መመኽነይታታት ካብ ምድላይ ዓዲ ኣይክውዕልን’ዩ፣ ሎሚ ናይ ወያነ ጉዳይ እንተተዓጽያ ጽባሕ ከኣ ብኻልእ ከባቢ ካልእ ምኽንያት ከምጽእ’ዩ፣ እዚ መበልየይ እቲ ዘሎ ጸገም ውሽጣዊ ስለዝዀነ ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት እቲ ናይ ደገ ከም መመኽነይታ እዩ ክቐርብ ጸኒሑ” ይብል።
ኣብ ውሽጢ ኤርትራ፡ ዲሞክራሲ ክትከል፡ ቅዋም ክትግበር፡ እሱራት ክፍትሑ፡ ህዝቢ ብድላዩ ንዝደለየ መራሒ ክመርጽ እንተዀይኑ፡ እዚ ዅሉ ብናይ ደገ ዝጽሎ ከምዘይኰነ’ዩ ዓብዱራሕማን ዝሕብር።
ዓብዱራሕማን፡ “መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ቁጠባ ሃገሩ ክገብሮ ካብ ዝኽእል ኣበርክቶ ኣብኲርካ፡ ተምጽኦ ዝዀነ ዓይነት መኸተ ከም ፖሊስን ስትራተጅን ቅኑዕ ኣይኰነን። ምናልባት ሕጂ ኢሳይያስ ጉዳይ ወያን መመኽነይታ ክጥቀመሉ ስለዘይክእል ንዓኣ ከልዕላ ኣይክእልን ይኸውን፣ ካብዚ ብምብጋስ ጽገናታት ሰብኣዊ መሰላት ክንገብር፡ እሱራት ክንፈትሕ ህዝቢ ኸኣ ባይቶኡ ክመርጽ እዩ ቅዋም’ውን ከነተግብሮ ኢና እንተዝብል ህዝቢ ንዝሓለፈ ይቕረ ኢሉ ነቲ ክሳብ ሕጂ ክግበር ዝጸንሐ ገበናት’ውን ሓዲጉ ናብ ጽቡቕ መጻኢ መተኮረ ነይሩ . . .”
“ . . . ግን ንሕሉፍ ታሪኽ ኢሳይያስ ኣብ ግምት ብምእታው ክመጽእ ዝኽእል ለውጢ ኣሎ ኢለ ኣይግምትን’የ” ይብል።
ቀጻልነት ርክብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከመይ ክኸውን ይኽእል?

ዓብዱራሕማን ንድሕሪት ምልስ ብምባል ኣካይዳ ናይ ቅድም ህዝባዊ ግንባር ዳሕራይ ህግደፍ ምስ ዝዀነ ተመሓዚኻ ንጸላኢኻ ካብ መስርሕ ምውጻእ ዝብል’ዩ ብምባል፡ ንጀብሃን ንደርግን ንምጥፋእ ምስ ህወሓት ዝገበሮ ሽርክነት ከም ኣብነት ይጠቅስ።
“ከም ሃገር ኴንካ ከምዚ ዓይነት ኣካይዳ ከተካይድ እንከለኻ እቲ ደረት ሃገራውነትን ልኡላውነትን ፋሕ ፋሕ’ዩ ዝብል፡ ሕጂ ንኣብነት፡ ምስ ከም በዓል ፋኖ ዝኣመሰሉ ጕጅለታት ርክባቱ እንተቐጺሉ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣዳማዪ ዝዀነ ታሪኽ ክድግም’ዩ፣ ወይ ምስ ደምሕት ኰይኑ ንኻልእ ጕጅለ ክሃርም እንተፈቲኑ’ውን ብተመሳሳሊ ሳዕቤናት ክህልዎ’ዩ። ስለዚ እዚ ደረታት ክግበረሉ ኣለዎ። እቲ ርክብ ሃገር ንሃገር መንግስቲ ንመንግስቲ’ዩ ክኸውን ዘለዎ” ብምባል ሓሳቡ ይህብ።
ኤርትራ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዝህልዉ ጕጅለታት ምእኩል ብዘይኰነ ኣገባብ ርክባት እንተገይራ፡ ኢትዮጵያ’ውን ተመሳሳሊ ተግባራት እንተኣካይዳ ኤርትራን ኢትዮጵያን ርግኣት ኣይክህልወንን’ዩ ይብል ኣቡሓሽም።
ንሱ፡ ነዚ ብኣብነት ከሰንዮ እንከሎ፡ “ኣብ ውሽጢ ሊባኖስ ዘለዉ ሓይልታት ብዝተፈላላያ ሃገራት ዝምወሉን ሓሳባተን ዘተግብሩን እዮም፤ ስዑድያ፡ ኢራን፡ ፈረንሳን ካልእ ንሳተን ዝዝውራኦም ነናተን ጕጅለታት ኣለውወን፡ እዚ ኸኣ ንሊባኖስ ሓንቲ ዝተገማመዐት ሃገር ከምእትኸውን ገይርዋ ኣሎ፡” ብምባል ስግኣቱ የቐምጥ።
ኣምባሳደር ዓብደላ እውን፡ “ኣብ መንጎ ክልቲኡ ሃገራት ንቡር ዝዀነ ርካባት ክህሉ እንተዀይኑ ኣብ ኤርትራ ንቡር ዝዀነ ስርዓት ክህሉ ኣለዎ፤ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ንቡር ክሳብ ዘይኮነ፡ ንቡር ዝዀነ ርክባት ክህሉ ትጽበዮ ኣይኮነን፡” ይብል።
እንተዀነ ኣመል ምስ መግነዝ ስለዝዀነ ኢሳይያስ፡ ዋላ እውን ህወሓት ህላወኦም እንተብቂዑ፡ ኣብ ትግራይ ንሱ ዝዝውሮም ሓይልታት ፈጢሩ ምስ ኣቢይ ምተቘራቘሰ፤ ምኽንያቱ ቀጻልነት ናይቲ ስርዓት ኣብ ግርጭታትን ህውከትን ዝተመርኰሰ እዩ፡ ይብል።
ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ናይ ሓደ ሰብ፡ ናይ ኢሳይያስ ስርዓት ስለዝዀነ ንዅሉ ነገር ኢሳይያስ እዩ ዝውስኖ፡ ክብል ኣብ ሕሉፍ ተመኵሮኡ ዝተመርኮሰ እምነቱ ይገልጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







