ብድሕሪ ስምምዕ ሰላም ዘለዉ መገሻታት ፕረዚደንት ኢሳይያስን ርክባት ምስ ሃገራት ኣፍሪቃን

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ፣ ፕሬዝዳንት ፋርማጆን ፕሬዝዳንት ኢሳይያስን (ካብ ጸጋም ናብ የማን)

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ፣ ፕሬዝዳንት ፋርማጆን ፕሬዝዳንት ኢሳይያስን (ካብ ጸጋም ናብ የማን)

ቀዳማይ ሚንስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጸአ እቲ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝጸንሐ ኩነተ - ኲናት ተቐይሩ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ሰላም መጺኡ።

ድሕረ እቲ ስምምዕ ሰላም ድማ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ብተደጋጋሚ ካብን ናብን መገሻታታት ይገብሩ ኣለዉ።

ናይ ሰለስተ መዓልቲ ወግዓዊ ዑደት ስራሕ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሎመዓልቲ ክዛዘም ትጽቢት ይግበር።

እዚ፡ ፕሬዝደንት ኢሳይያስ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ክልትኤን ሃገራት እንተውሓደ ንሻድሻይ ጊዜ ናብ ኢትዮጵያ ዝገበሮ መገሻ እዩ።

እንተኾነ ኣብ ኩሎም ዝገበሮም መገሻታታት ኮነ ቀዳማይ ሚንስትር ናብ ኤርትራ ዝገበሮም ዑደታት፡ 'ንክልትኣዊ ጉዳያት ዝምልከት ዘተ ተኻይዱ' ካብ ዝብል ሓበሬታ ብዝሰገረ ክሳብ ሕጂ ዝርዝር እቶም ዝካየዱ ስምምዓት ኮነ ዝርርባት ኣይተገለጸን።

መገሻታታት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ኢትዮጵያ

ቀዳም 7 ሓምለ 2010 ዓ.ም(14/7/2018)

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብድሕሪ ልዕሊ 20 ዓመታት ንፈለማ እዋን ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተወሉ እዋን 7 ሓምለ 2010 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ነይሩ።

እቲ ፕረዚደንት ናብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ምኻዱ ግን ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ 'መስርሕ ሰላም ክልትኤን ሃገራት ንምጅማር' ብዝብል ብ1 ሓምለ 2010 ናብ ኣስመራ ምብጽሑ ይዝከር።

ኣብ ፈላማይ መገሻ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ድማ እቲ ንልዕሊ 20 ዓመታት ተዓጽዩ ዝነበረ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኸፊቱ።

ሰኑይ 1 መስከረም 2011 ዓ.ም(11/09/2018)

ኢትዮጵያ ሓድሽ ዓመት ኣብ እትቕበለሉ መዓልቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኢሳይያስን ኣብ ከባቢ ዶብ እተን ሃገራት ተረኺቦም።

ኣብቲ ሽዑ እዋን ከኣ ንኽልትኤን ሃገራት ዘራኽቡ ዶባት ደባይሲማ-ቡሬ ከምኡ'ውን ሰርሓ-ዛላምብሳ ድሕሪ 20 ዓመታት ንፈላማ እዋን ተኸፊቶም።

ዶባት ምስ ተኸፈቱ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ "ዝምድና ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ሰላማዊ ንክኸውን ብዝገበርዎ ኣበርክቶ' ብዝብል ኒሻን ንጉስ ዓብደልዓዚዝ ሸሊሙዎም።

ዓርቢ 30 ጥቅምቲ 2011 ዓ.ም(9/11/2018)

ፕረዚደንት ኢሳይያስ አፈወርቂ ዑደት ንምግባር ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ጎንደር ተረኺቡ።

ኣብቲ ሽዑ እዋን ፕረዚደንት ሶማሊያ መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ'ውን ኣብታ ታሪኻዊት ከተማ ተረኺቡ ነይሩ።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ንክልቲኦም መራሕቲ ኣቀባብላ ዝገበረሎም ኮይኑ፤ ኣብ ጻንሒቶም ድማ ምስ ላዕለዎት መራሕቲ ክልል ኣምሓራ ዘተ ኣካይዶም።

ኣብ ጎንደር ዝነበሮም ጻንሒት ምስ ዛዘሙ ናብ ከተማ ባህርዳር'ውን ምብጻሕ ከም ዝገበሩ ይዝከር።

ሰንበት 25 ሚያዝያ 2012 ዓ.ም(3/05/2020)

ኣብቲ ዕለት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንናይ ክልተ መዓልቲ ዑደት ስራሕ ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ።

ንሚንስተር ወጻኢ ጉዳያትን ኣማኻሪኡን ኣኸቲሉ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወ እቲ ፕረዚደንት፡ ዕላማ መገሽኡ ኣብ ጉዳይ ለበዳ ኮሮናቫይረስን ወራር ኣንበጣ በረኻን ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ንምዝርራብ ከም ዝኾነ ተገሊጹ ነይሩ።

ሚንስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብወገኑ፤ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ምጥንኻር ክልትኣዊ ርክባት ከም ዝዝትዩ ብትዊተሩ ሓቢሩ እዩ።

ሰኑይ 2 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም(12/10/2020)

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነንዝሃለፉ ሰለስተ መዓልታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክታት ልምዓት ክበጽሕ ቀንዩ ኣሎ።

ኣብዚ መገሽኡ ድማ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ዝርከቦም ገዘፍቲ ፕሮጀክታት እታ ሃገር ከም ዝተዓዘበ ማዕኸናት ዜና እታ ሃገር ጸብጺበን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ፕረዝደንት ሃገር ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቒ ኣብ ኣህጉራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ 08/07/2018

ምንጪ ስእሊ, Fitsum Arega

መግለጺ ስእሊ, ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ፕረዝደንት ሃገር ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኣህጉራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ

ኤርትራ ምስ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ?

ኢትዮጵያን ኤርትራን ስምምዕ ሰላም ምስ ገበራ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብቲ ዞባ ናብ ዝርከባ ካልኦት ሃገራት'ውን ዑደት ስራሕ ኣካይዱ'ዩ።

ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ድማ ናብ ሶማሊያ፣ ኬንያ፣ ግብጽን ደቡብ ሱዳንን በጺሑ።

ኤርትራን ሶማሊያን

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኤርትራ ናጽነታ ካብ እትረክብ ንፈለማ እዋን ኣብ 4 ታሕሳስ 2011 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ግእዝ) ናብ ሶማሊያ መገሻ ገይሩ ነይሩ።

ኣብቲ ሽዑ እዋን መራሕቲ ክልትኤን ሃገራት ሓበራዊ ስምምዕ ከም ዝፈረሙ መደብር ቴሌቪዥን ሶማሊያ ጸብጺባ እያ።

እቲ ፕረዚደንት ናብ ሶማሊያ ቅድሚ ምጋሹ ግን ምስ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፈርማጆ ኣብ ኢትዮጵያ ተራኺቦም'ዮም።

5 መስከረም 2011 ዓ.ም መራሕቲ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣብ ከተማ ኣስመራ ስምምዕ ምትሕብባር ፈሪሞም ምንባሮምን ንኣፈጻጽማ እቲ ስምምዕ ንምግምጋም ካብ 29 ክሳብ 30 መስከረም [ኣ.ኢ] ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝተራኸቡን ቴሌቪዥን ኤርትራ ጸብጺባ ነይራ።

ብተወሳኺ ድማ ኤርትራ ነቲ ኣብ ሞንጎ ሶማሊያን ሶማሊላንድን ዘሎ ምትፍናን ብሰላማዊ መገዲ ናይ ምፍታሕ ድልየት ከም ዘለዋ ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ።

ንርእሳ ሉእላዊት ሃገር ኢላ ንእትጽውዕ ሶማላንድ ዝድግፍ 'ጋሮዌ ኦንላይን' ዝተበሃለ መርበብ ሓበሬታ፡ ኤርትራ ንኽልቲኦም ወገናት ንምትዕራቕ ሕቶ ከም ዘቕረበት ሰፊሕ ጸብጻብ ኣቕሪቡ ነይሩ።

24 መስከረም 2013 ዓ.ም ድማ ፕረዚደንት ሶማሊያ ፋርማጆ ናብ ኣስመራ ገይሹ።

መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ዘተ ከም ዘካየዱ ዝሓበረ ሚንስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ነቲ ኣብ ኣስመራ ዝተበጽሐ ስምምዕ ንምፍጻም ኣብ ምርድዳእ ከም ዝበጽሑ ገሊጹ።

ኤርትራኬንያ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ታሕሳስ 2011 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ግእዝ) ኣብ ሶማሊያ ዝነበሮሮ ምብጻሕ ምስ ዛዘመ፡ ብፕሬዝደንት ኡህሩ ኬኒያታ ብዝቐረበሉ ዕድመ ናብ ኬንያ ከም ዘምርሐ ይፍለጥ።

ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዓውድታት ቁጠባን ፖለቲካን ዝነበረን ርክብ ክሳብ ክንድዚ ዝበሃል ኣይነበረን።

ኬንያ'ውን ኣብ ኤርትራ ኤምባሲ ስለ ዘይብላ ኣብ ካይሮ ብዝርከብ ኤምባሲኣ ኣቢላ'ያ ጉዳያታ እተፈጽም።

ኣብ 2011 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ፡ ሚንስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኬንያ 'ኤርትራ ነቲ ኣብ ሶማሊያ ዝንቀሳቐስ ኣሸባሪ ጉጅለ ኣል-ሸባብ ሓገዝ ትገብር'ያ' ክብል ከሲሱ ምንባሩ ጸብጻብ ሮይተርስ የመልክት።

6 ታሕሳስ 2011 ናብ ከተማ ናይሮቢ ዝኣተወ እቲ ፕረዚደንት ንኽልተ መዓልቲ ዝጸንሐ ዑደት ኣካይዱ።

ኣብቲ እዋን፡ "ኣብ ሞንጎ ክልትኤን ሃገራት ዘሎ ንግዳዊ ርክብ ምጥንኻር" ዝብል እቲ ቀንዲ ዛዕባ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ከም ዝነበረ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ኤርትራ ጸብጺባ ነይራ።

25 ሚያዝያ 2011 ከኣ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ናብ ኣስመራ ምብጻሕ ኣካይዱ።

ኣብቲ ሽዑ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ እውን ስለ ዝተረኸበ ስሉሳዊ ዘተ ኣካይዶም።

ኤርትራን ሱዳንን

እዘን ሃገራት ንነዊሕ ዓመታት ንሓድሕደን ክካሰሳ ምጽንሐን ይፍለጥ።

ሱዳን ኣብ 2005 ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ፡ 'ኤርትራ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ንዝርከቡ ዕጡቃት ናይ ዕጥቂ ደገፍ ትገብር'ያ' ክትብል ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ክሲ ኣቕሪባ ነይራ።

ኤርትራ ብወገና ንኽሲ ሱዳን ከም ዝነጸገቶ ይዝከር።

ካብ ቀረባ ዓመታት ናብዚ ድማ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ምምሕያሽ የርኢ ኣሎ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ካብ ስልጣን ምስተኣለየ ኣብ ሚያዝያ 2012 ናብ ሱዳን ገይሹ ነይሩ።

ንኻልኣይ ጊዜ ድማ 13 ሰነ 2012 ዓ.ም ናብ ካርቱም ኣትዩ።

ኣብቲ ዑደት ከኣ ምስ ፕረዚደንት ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ሌተናል ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል-ቡርሃን ተራኺቡ።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ክልትኣዊ ጉዳያትን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ኩነታትን'ዮም ዘትዮም።

2 ጳጉሜን 2012 ድማ ሌተናል ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል-ቡርሃን ንናይ ሓደ መዓልቲ ወግዓዊ ዑደት ስራሕ ናብ ኣስመራ ኣትዩ።

ኤርትራን ግብጽን

13 መስከረም 2011 ኣ.ኢ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ግብጺ ሳሚ ሹክሪ ኣብ ቤተ መንግስቱ ተቐቢልዎ ነይሩ።

ሚንስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተሩ ከም ዝሓበሮ ድማ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ዞባዊ ሰላም ኣብ ምጥንኻርን ጉዳያት እተን ሃገራት ዘትዮም'ዮም።

28 ሰነ 2012 ከኣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ግብጺ ካይሮ መገሻ ብምግባር ንሰለስተ መዓልቲ ጸኒሑ።

እቲ ፕረዚደንት ምስ ፕረዚደንት ዓብዱል ፈታሕ ኣል-ሲሲን ካልኦት ሰበስልጣን እታ ሃገረን ኣብ ክልትኣውን ዞባው ጉዳያት ከም ዝዘተዩ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ኤርትራ ኣቃሊሓ ነይራ።

ኤርትራን ደቡብ ሱዳንን

ፕረዚደንት ኢሳይያስን ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪን ብ26 ሚያዝያ 2011 ኣ.ኢ ንሓደ መዓልቲ ጥራይ ዝጸንሕ ዑደት ስራሕ ንምክያድ ናብ ጁባ ኣትዮም።

ሽዑ ምስ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ብምርኻብ ኣብ ስሉሳውን ዞባውን ጉዳያት ከም ዝዘተዩ ይግለጽ።

ዶባዊ ኲናት ኢትዮጵያን ኤርትራን ምስተኻየደ፡ ኤርትራ ኣብ ከባቢያዊ፣ ኣህጉራውን ዓለምለኻውን መድረኻት ዝነበራ ተሳትፎ ካብ ምዝሕሓሉ ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊኣ ዝተፈላለዩ ማዕቀባት ተነቢሮም ጸኒሖም'ዮም።

ብድሕሪ ስምምዕ ሰላም ክልትኤን ሃገራት ዝረአ ዘሎ ኩነታት ድማ እቲ ኣብ ሞንጎኤን ዝጸንሐ ዘይሰላማዊ ኩነታት ኤርትራ ምስ ካልኦት ሃገራት ኣብ ዝነበራ ርክብ ጽልዋ ኣሕዲሩ ከምዝነበረ የመልክት።