ምቕባል ብይን ኮሚሽን ዶብ ኢትዮ ኤርትራ፡ ዓሚ ዝተባህለ ኣብ ምንታይ ወዓለ?

ምንጪ ስእሊ, PM Office ETH
ዓሚ፡ 05 ሰነ 2018 [28 ግንቦት 2010 ዓ.ም] ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዴግ፡ ስምምዕ ኣልጀርስን ውሳነ ኮሚሽን ዶባት ኢትዮ-ኤርትራን ብዘይ ቅድመ ኩነት ከም ዝተቐበሎ ብምሕባር፡ ባብ ሰላምን ፍቕርን ኣርሕዩ።
እቲ ብስራት ምስ ተነግረ፡ "እቲ መግለጺ ልክዕ በቲ ዝተባህሎ እንተተፈጺሙ፡ ንደለይቲ ሰላም ክልቲኡ ኣህዛብ ዓቢ ሩፍታ እዩ" ክብሉ ተኸታተልቲ ፖለቲካ እቲ ዞባ ተስፍዮም።
እቲ ብምስምስ ዶባት፡ ብባድመ፡ ተወሊዑ ቀልጢፉ ናብ ምሉእ ኲናት ዝዓረገ፡ ህይወት ኣሻሓት መንእሰያት ዝቐዘፈ፡ ንዓቕምን ብቕዓትን መሪሕነት ክልቲኡ ስርዓታት ዝፈተነ ኣዕናዊ ኲናት፡ ብብዙሕ ነገር ዝራኸቡን ዝቀራረቡን ህዝብታት ን20 ዓመት ፈላልዩዎም ጸኒሑ።
ብኡ መጠን ከኣ ኣህዛብ ክልቲአን ሃገራት ካብ ሓድሕዶም ክጥቀሙዎ ዝግበኦም ዝነበረ ረብሓ ከሲሮም፡ ብሰንፈላል ኣይ ኵናት ኣይ ሰላም ክሳቐዩ ጸኒሖም ።

ምንጪ ስእሊ, Fitsum Arega
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ጽንብል ሓዲሽ ሽመቱ፡ "ምስ ኤርትራ ዘሎ ኣይ ሰላም ኣይ ኵናት ከብቅዕ ኣለዎ" ብምባል መንግስቲ ኤርትራ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ንኽወስድ ጻውዒት ኣቕሪቡ።
መንግስቲ ኤርትራ ብሚኒስተር ዜናኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ "እቲ ሕጋዊ መስርሕ ቅድሚ 16 ዓመታት ስለ ዘብቀዐ ምስሕሓብ ዝበሃል የለን። እታ ኩዕሶ ንነዊሕ እዋን ኣብ ሜዳኦም እያ ዘላ። ኢትዮጵያ ብዝኣተወቶ ውዕል መሰረት፡ ሉዑላውነት ኤርትራን መሬታዊ ሓድነትን ብምኽባር፡ ካብቲ ጎቢጣቶ ዘላ መሬት ክትወጽእ ኣለዋ 'ብምባል፡ ኢትዮጵያ ብውሳነ ኮሚሽን ዶባት ክትቅየድ ጸዊዑ።
ፈጻሚት ስራሕ ኢህወደግ፡ ንስምምዕ ኣልጀርስን ውሳነ ኮሚሽን ዶባትን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት፡ ምሉእ ብምሉእ ክትግብሮ ከም ዝወሰነ ብምሕባር፡ ነታ ኣብ ሜዳ ኢትዮጵያ ዝጸንሐት ኩዕሶ ናብ ሜዳ ኤርትራ ብምቕላዕ ንጠለብን ሕቶን መንግስቲ ኤርትራ መሊሱ።
ብወጥሪ ዶባት ኢትዮ-ኤርትራን ብፍልሰት መንእሰያት እቲ ዞባን ኣብ ሻቕሎት ዝጸንሐ ማሕበረሰብ ዓለም ካበየ ኩርንዑ ነቲ ደፋር ተበግሶ ኢህወደግ ዮሃና ብምባል እቲ ብቓል ዝተባህለ ብተግባር ክስነ ተማሕጺኑ።

ምንጪ ስእሊ, YEMANE G.MESKEL
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዝኽሪ ሰማእታት 20-ሰነ፡ ናይ ለውጢ ኩነታት ኢትዮጵያ ንምክትታል ንኣዲስ ኣበባ ልኡኻት ከም ዝሰድድ ኣበሲሩ።
ምብጽጻሕ ሰበ ስልጣናትን መራሕቲ መንግስትን ድማ ተጀሚሩ። ጽምኢ ሰላም ዝጸንሖም አሕዋት ጎረባብቲ ህዝብታት ኣበየ ርእሰ-ከተማታቱ ንኣጋይሹ ብልዑል ክብሪ ተቐቢሉዎም።
ተቛሪጹ ዝጸንሐ መራኸቢታት ተጀሚሩ። ብሰንኪ እቲ ወጥሪ ኣብ ክልተ ሃገራት ተፋላልዮም ዝጸንሑ ስድራ-ቤታት ብቴሌፎን ተራኺቦም። ንብዓት ፍቕሪ ፈሲሱ- ውሒዙ። ነጋድያን ሰላም ዝጸዓነት ፈላሚት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድሕሪ 20 ዓመታት ንኣስመራ በሪራ።
ኣብ ዶባት ተተኺሉ ዝነበረ ነታጒ ተኣልዩ፡ ዶባት ተኸፊቱ፡ ህዝቢ ብታሕጓስ ተሓቛቚፉ ብናፍቖት ነቢዑ፤ ሰማያት ዶባት ሰላም ተበሲሩ፡ ንገድ ነጋዳይ ኮይኑ ኣቑሑት ኤርትራ ኣብ ከተማታት ትግራይ ፍርያት ኢትዮጵያ ኣብ ዕዳጋታት ኣስመራ ኣዕለቕሊቑ።
ሰናይት ብርሃነ ካብ ሰንዓፈ፡ ነቲ ናይ ተስፋ ኣዋርሕ "ሕዱር ቁስሊ ዝፈወሰ ተናፋቒ እዋን" ክትብል ትገልጾ'ሞ፡ እቲ ተኸፊቱ ዝተዓጽወ፡ ጀሚሩ ዝተቛረጸ ምንቅስቓስ ንግድ ኣብ ሓጺር ግዜ ክምለስን ፍቕሪ ቐደም ክሕደስን ትምነ።

ምንጪ ስእሊ, Rim Nasir
ተከክሊእዝጊ ዑቕባልደት ብወገኑ፡ እቲ ዓሚ ከምዚ እዋን ዝተፈጥረ ተስፋ ዕርቀ-ሰላም፡ ከምቲ ክኾኖ ዝነበሮን ዝግበኦን ስለ ዘይሰጎመ ስክፍታታት'ኳ እንተሎ፡ ብኤርትራ ኮነ ጎረቤትና ኢትዮጵያ ነቲ ዘሕዝን ሕሉፍ ተመኩሮ ክደግምዎ ይኽእሉ እዮም ዝብል እምነት ከም ዘይብሉ ሓቢሩ።
መንግስቲ ኣብዪ፡ ፍቕርን ሕደገትን እናሰበኸ፡ ብስእነት ጸጥታ ጸኒዑ ዝነበረ ሰዓታት እቶ-እቶ ኣልዩ፣ ቤት ማእሰርቲ ማእከላዊ ዓጽዩ፣ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ እሱራት ፈቲሑ፣ ምስ ተቓወምቲ ውድባት ዕርቂ ገይሩ ዘተስፉ ጽገናዊ ለውጥታት ስለ ዝገበረ፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተጓሃሂሩ ናብ ሕማቕ ኣንፈት ዝኸይድ ዝነበረ ዓሌታዊ ጎንጺ ብመጠኑ ኣህዲኡዎ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Teklizghi ukbaldet
ውዳሰ "ምሉእ ሰላም ዝብሎ፡ ውዑል ኣልጀርስ ብዝሃበና ፍርዲ ዶብና ተሓንጺጹ ምስ ተጋሩ ጎረባብትን ተኸባቢርናን ተሓፋፊርናን ምስ እንነብር እዩ" ክትብል እቲ ኣባኢሱ ዝተባህለ ጉዳይ ዶባት፡ ጽባሕ ንግሆ እውን ገለ መዘዝ ከይፈጥር ግቡእ መዓልቦ ክግበረሉ ከም ዘለዎ ትምሕጸን።
ሪም ናስር ብወገና፡ ዕርቀ ሰላም ኮይኑ፡ ድሕሪ ምብጽጻሕ ሰበስልጣናትን ህዝብን፡ ኤርትራውያን እሱራት ሕልናን ፖለቲካን ክፍትሑ ትጽቢት ከም ዝነበራ ትጠቅስ።
ሒደት ካብቲ ብዙሕ ዝተጸበየቶ እውን ስለ ዘይተገብረ " እቲ ህዝቢ ዝጠልቦን ዝደልዮን ነገር ክግበር ኣለዎ" ብምባል፤ ሽዑ ጥራሕ ኢና ኸኣ እዩ ተስፋ ሰላም ዝስመዓና ትብል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቢንያም ኣብርሃ፡ "ብፍቕሪ ተደሚርና ዓቕምታትና ነተሓባብር" ምስ ተባህለ፡ ኣብ ኤርትራ እውን እቲ ንዓመታት ህዝቢ ክሓተሉ ዝጸንሐ ጉዳይ እሱራት፡ ጉዳይ ትግባረ ሃገራዊ ቅዋም፡ ምስ ኤርትራውያን ውድባት ፖለቲካን ማሕበራትን ዕርቅን ዘተን ክካየድ ትጸቢት ነይሩና እዩ።
ግን ዛጊት ኣይተገብረን ግን ከኣ ገና ተስፋ ኣይንቖርጽን ኢና ይብል።
እቶም ኣብ ዶባት ዝነብሩ ክልቲኡ ኣህዛብ እቲ ጀሚሩ ዝተኾልፎም ናይ ሕጽኖት እዋን ምኽፋት ዶባት ቅጥዕን ስርዓትን ሒዙ ጽባሕ ንግሆ ክኽፈተሎም ትምኒት ኩሎም ደለይቲ ሰላምን ቅሳነትን ጎረባብቲ ህዝብታት'ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







