ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ

ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, Fitsum Arega

ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ሎሚ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ።

እቲ ልኡኽ፡ ኣብ መዕልቦ ነፈርቲ ቦሌ ኣዲስ ኣበባ ብቐዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ኣቀባብላ ተገይርሉ።

ብተወሳኺ፡ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ወርቅነህ ገበየሁ፣ ሚኒስትር ጉዳያት ኮሚዩኒኬሽን ኣሕመድ ሽዴ፣ ኣርከበ ዑቑባይን ከምኡ'ውን ምክትል ኢታሞዦር ሹም ጀነራል ብርሃኑ ጁላን ነቶም ኣጋይሽ ተቐቢሎም።

ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ኢትዮጵያ ልኡኽ ከምዝሰድድ ድሕሪ ምፍላጡ፤ ኣባላት እቲ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣቱ ልኡኽ በዓል መን ይኾኑ? ዝብል ሕቶ ንብዙሓት ከዘራርብ ፀኒሑ።

ፈጻሚት ስራሕ ኢህወደግ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ስምምዕ ኣልጀርስን ዉሳነ ኮሚሽን ዶብን ብዘይ ቅድመ ኹነት ተቐቢሉ ንምትግባር ከምዝተሰማምዐ ምግላጹ ዝዝከር"ዩ።

ኣብቲ ልኡኽ በዓል መን ኣለዉ?

ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, Fitsum Arega

እቲ ካብ ኤርትራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወ ልኡኽ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ከምኡ ድማ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝሓዘ'ዩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን

ቅድሚ ናብ ሰውራ ምስላፉ መምህር ዝነበረ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ኣብ 1978 ናብ ሜዳ ተፀምቢሩ። ዑስማን ኣብ ቃልሲ፡ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ኣብ ዝመሃርሉ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ከም መምህር፡ ኣብ ንጥፈታት ማሕበር ረድኤት ኣግልጊሉ።

ኣብ ካልኣይን ሓድነታውን ውድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ 1997 ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ኮይኑ። ድሕሪ ናጽነት ካብ 1993-2007 ከም ሚኒስተር ትምህርቲ ኣገልጊሉ።

ካብ 2007 ክሳብ ሕጂ ከኣ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኮይኑ የገልግል ኣሎ።

ነዚ ን 20 ዓመታት ዝኣክል ብሰንኪ ዶባዊ ኩናት ተቓሪጹ ዝጸንሐ ዲፕሎማሲያው ርክብ ኢትዮ ኤርትራ ፈላምን ሓዲሽ ርክብን ከኣ ብሓላፍነት ይመርሖ ኣሎ።

ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብረኣብ

ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብረኣብ ኣብ 1977 ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናብ ሜዳ ተጸምቢሩ።

ኣብ ሜዳ ኣብ ኣብ ክፍሊ ዜና፡ ሬድዮ ድምጺ ሓፋሽ ከም ጋዜጠኛን ሓላፊ ሽማግለ ትግርኛን ኮይኑ ክሳብ ናጽነት ኣገልጊሉ። ብድሕሪኡ እውን ኣብቲ ክፍሊ ብዝተፈላለየ ሓላፍነት ኣገልጊሉ።

ኣብ 1994 ኣብ ዝተኻየደ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር ከም ኣሰናዳኢ ጉባኤ ኮይኑ ሰሪሑ ኣብቲ ጉባኤ ከኣ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ኮይኑ ተመሪጹ። ኣብ ካልኣይን ሓድነታውን ውድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ 1997 ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ኮይኑ። ክሳብ ሕጂ ድማ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኮይኑ የግልግል ኣሎ።

ኣብ 2017 ዑስማን ሳልሕ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኮይኑ ካብ ዝምዘዝ ንደሓር፡ ኣቶ የማነ ገብረኣብ ዳርጋ ኣብ ኩሉ ዲፕሎማሲያዊ ንጥፈታት ምስ ሚኒስተር ዑስማን ሓቢሩ እዩ ዝጓዓዝ።

ባንዴራ ኢትዮጵያን ኤርትራን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ወሰንቲ ፍፃመታት ኣብ ርክብ ኢትዮጵያን ኤርትራን

24 ግንቦት 1993: ኤርትራ ብ99.8% ድምጺ ህዝበ ውሳነ፡ ከም ናጻ ሃገር ናጽነታ ኣዊጃ፡ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ከም ናጻ ሃገር ብወግዒ ተፈሊጣ

6 ግንቦት 1998: ኲናት ዶባት ኢትዮ ኤርትራ ጀሚሩ

1998-2000: ኲናት ዶባት ኢትዮ ኤርትራ ቀፂሉ፤ ብውሕዱ ከኣ 70,000 ሰባት ሞይቶም።

18 ሰነ 2000: ጎንፂ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ተፈሪሙ

12 ታሕሳስ 2000: ውዕል ኣልጀርስ ተፈሪሙ

13 ሚያዝያ 2002: ኮሚሽን ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ "ናይ መወዳእታን ቀያድን" ብይኑ ሂቡ

ለካቲት 2002: ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ንድፊ ሕጊ ምቛም ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኣጊዱ

ሕዳር 2005: ባይቶ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ነቲ ናይ 2000 እማመ ሰላም እንተዘይተቐቢሎም ማዕቀብ ከምዝግበረሎም ተሓንዩ

ታሕሳስ 2005: ኤርትራ ንአሜሪካውያን፣ ኤውሮጳውያንን ሩስያውያንን ዓቀብቲ ሰላም ሰጒጓ

ሕዳር 2006: ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኤርትራን ካልኦትን ነቲ ኣብ ሶማልያ ዝርከብ እስላማዊ ምምሕዳር ናይ ኣፅዋር ደገፍ ይገብራ ክብል ከሲሱ። ኤርትራ ነቲ ክሲ ነፂጋቶ።

ሚያዝያ 2007: ኤርትራ ካብ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ኣባልነታ ስሒባ

ታሕሳስ 2009: ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ንእስላማዊ ጥሩፋት ሶማል፡ ደገፍ ትገብር እያ ብምባል ንኤርትራ ማዕቀብ ኣንቢሩላ።

ታሕሳስ 2010: ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ መለስ ዜናዊ "ብዝኾነ ይኹን ዓይነት ኣገባብ ቃልሲ" ኣብ ኤርትራ ለውጢ ስርዓት ንዘምፅኡ ድጋፍ ከምዝህብ ገሊፁ

ሚያዝያ 2011: ኢትዮጵያ፡ ንፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከውድቑ ንዝሰርሑ ተቓወምቲ ድጋፍ ከምእትህብ ብዕሊ ገሊፃ

ነሓሰ 2012: ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ነበር መለስ ዜናዊ ድሕሪ 22 ናይ ስልጣን ዓመታት ብሕማም ዓሪፉ

ለካቲት 2014: ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሃይለማርያም ደሳለኝ፡ እቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ መንግስቲ ከይተቐየረ ምስ ኤርትራ ዘሎ

ርክብ ናብ ንቡር ምምላስ ክምለስ ኣይኽእልን ኢሉ

2 ሚያዝያ 2018: ኣብዪ ኣሕመድ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኮይኑ ቃለ መሓላ ኣብ ዝፈጸመሉ ዕለት ምስ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ብሰላም ክፈትሖ ከምዝደሊ ብዕሊ ገሊጹ

5 ሰነ 2018፡ ፈጻሚ ስራሕ ኢሂወደግ ንስምምዕ ኣልጀርስን ብይን ኮሚሽን ዶባትን ብዘይ ቅድመ ኩነት ከምዝቕበሎ ገሊጹ

20 ሰነ 2018፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ልኡኽ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝሰድድ ገሊጹ

26 ሰነ 2018፡ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ሓላፊ ፖለቲካዊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝመርሕዎ ልኡኽ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ።