ንዅለን ኣሃዱታት ደቀንስትዮ ዳዕሽ ከም ዘሰልጠነት ዝተኣመነት ኣመሪካዊት

ምንጪ ስእሊ, ALEXANDRIA SHERIFF'S OFFICE
ሓንቲ ኣመሪካዊት፡ ኵለን ኣሃዱታት ደቀንስትዮ እስላማዊ ጕጅለ ዕጡቕ ዳዕሽ [ኣይኤስ] ትመርሐን ከም ዝነበረትን፡ ኣብ ውዲታት ንመጥቃዕቲ ኣመሪካ ከም ዝተሳተፈትን ተኣሚና።
ኣሊሰን ፍሉክ-ኢክረን ነቲ ኣብ ሶርያ ዝንቀሳቐስ ጕጅለ ብምሕጋዝ ገበነኛ ክትበሃል እንከላ፡ ኣብ ናዕቢ ዝሳተፋ ልዕሊ 100 ደቀንስትዮን ኣዋልድን ከም ዘሰልጠነት ተዛሪባ።
እዛ መምህርን ኣደን ዝነበረት ውልቀሰብ፡ ብ2011 ካብ ኣመሪካ ወጺኣ ናብ ሶርያ ቅድሚ ምኻዳ፡ ምስቲ ኣሸባሪ ጕጅለ ትሰርሕ ከም ዝነበረት ተገሊጹ።
ኣብቲ ብ25 ጥቅምቲ 2022 ዝወሃብ ውሳነ ቤት ፍርዲ፡ ብውሑድ ማእሰርቲ 20 ዓመት ክፍረዳ ከም ዝኽእል ይግለጽ።
ጓል 42 ዓመት ፍሉክ-ኢክረን ተማሃሪት ስነ-ህይወትን መምህርን ዝነበረት ኰይና፡ ኣብ ግብጽን ቱርክን ክትነብር ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ሶርያ ብምኻድ ናብ ኣይኤስ ተጸንቢራ።
ምስቲ ጕጅለ እናሃለወት፡ ካቲባ-ኑሳይባህ ዝተባህለት ኣብ ራቓ ዝዓስከረት ቦጦሎኒ ደቀንስትዮ ትመርሕ ነይራ።
ኣብቲ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ቨርጂኒያ ዝተጋብአ ቤት ፍርዲ፡ ንዅለን ኣሃዱታት ደቀንስትዮ ከም ዘሰልጠነት ክትኣምን እንከላ፡ ህጻናት ግን ከም ዘይመልመለት ተኻቲዓ።
“ኰነ ኢልና ቈልዑ ደቀንስትዮ ኣይነሰልጥንን” ከም ዝበለት ሲኤንኤን ጸብጺቡ።
ገለ ካብተን ዘሰልጠነተን ደቀንስትዮ ኣብቲ ፍርዲ ዝወሃበሉ መዓልቲ ቃለ-ምስክርነት ክህባ እየን።
ፍሉክ-ኢክረን፡ ‘ኡም መሓመድ ኣል-ማሪኪ’ ብዝብል ሽም ክትጽዋዕ ዝጸንሐት ኰይና፡ ዒራቓዊት ከተማ ሞሱል ብጕጅለ ዳዕሽ - ኣይኤስ ምስ ተታሓዘት ኣብኡ ትነብር ነይራ።
ንሳ፡ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዩኒቨርሲቲን ማእከል ዕዳጋን ዝተፈጸሙ መጥቃዕታትን፣ ኣብ መሬት ኣመሪካ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ኣብ ዝግበሩ ውዲታት ከም ዝተሳተፈት’ውን ተኣሚና።
ሓደ ምስክር ዓይኒ “ዝዀነ ብዙሕ ሰብ ዘይቀተለ መጥቃዕቲ ዳርጋ ከም ክሳራ እያ ትርእዮ” ክብል ተዛሪቡ።
ካልኣይ በዓል ቤት ፍሉክ-ኢክረን ድማ፡ ኣባል 'ቲ ብ2012 ኣብ ሊብያ ቤንጋዚ ኣብ ዝነበረ መዓስከር ኣመሪካ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ዕጡቕ ጕጅለ ኣንሳር ኣ'ሸሪዓ ከም ዝነበረ ሰነዳት ቤት ፍርዲ የመልክቱ።
ንሳን ድሒሩ ብመጥቃዕቲ ኣየር ዝተቐትለ በዓል ቤታን፡ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ካብ ቤንጋዚ ዝተወስዱ ሰነዳት ኣመሪካ ዝምልከት ጸብጻባት ነቲ ጕጅለ ኣቕሪቦም’ዮም።
ኣብቲ ቤት ፍርዲ፡ ብዙሓት ቈልዑ ስለ ዘለውዋ ይግባይ ክትሓትት እንተዀይና ሕቶ ክቐርበላ እንከሎ በኽያ።
ኣቐዲሙ፡ ስድራቤታ ክረኽቡዋ ከም ዘይደልዩ ገሊጾም ነይሮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







