ንቦጦሎኒ ዕጡቓት ደቂ ኣንስትዮ ኣይኤስ እትመርሕ ዝነበረት ኣመሪካዊት ኣብ ቀይዲ ኣትያ

ዝዓነወ ህንጻ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ንዝተሰለፋሉ ቦጦሎኒ እስላማዊ ጉጅለ ኣይኤስ ብምውዳብን ብምምራሕን ዝተኸሰሰት ኣመሪካዊት ኣብ ቀይዲ ኣትያ፡፡

ኣሊሰን ፍለክ-ኢክረን ዝተባህለት ተቐማጢት ካንሳስ ዝነበረት ኣዶ፡ ኣብ ሶርያ ንደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ኣጠቓቕማ ኤኬ-47 ዝተባህለ ጠበንጃን ዓርሰ ቕትለት ንፍጻም ዝውዕል ሰደርያን ተምህር ነይራ ዝብል ክሲ ቀሪቡላ፡፡

እታ ኣዶ ሓደ ቆልዓ፡ ገበነኛ ኮይና እንተተረኺባ ክሳብ 20 ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲ ይጽበያ፡፡

ንሳ ብቐዳም ናብ ኣመሪካ ምስተመለሰት ኣብ 2019 ብፌደራል ምርመራ ኣመሪካ ዝተዳለወ ዝርዝር ክሲ ቀሪቡላ፡፡

ኣብ 2016 ራቃ ኣብ ዝባህለት ከተማ ሶርያ ደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ዝሓዘ ካቲባ ኑሰይባህ ዝተባህለ ቦጦሎኒ ከምዝተመስረተ እቲ ክሲ የመልክት፡፡

ኣብቲ እዋን እታ ከተማ ወግዓዊ ዘይኮነት ርእሰ ከተማ እቲ እስላማዊ ጉጅለ ነይራ፡፡

እቲ ቦጦሎኒ ንተዋጋእቲ ኣይኤስ ንዝተመርዓዋ ደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ዝሓዘ ከምዝነበረ እዩ ዝንገር፡፡

ወ/ሮ ፍለክ-ኤክረን ናብቲ ጉጅለ ምስተሓወሰት መራሒትን ወዳቢትን እቲ ቦጦሎኒ ከምዝነበረት እያ እትጥርጠር፡፡

ቀንዲ ስራሓ ንደቂ ኣንስትዮ ዓርሰ ምክልኻል ምምሃር ከምዝነበረ ዝተገለጸ ኮይኑ፡ ንብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣጠቓቕማ ጠበንጃ፣ ፈንጂ ዓርሰ ቕትለት መፈጸሚ ዕጣቕን ከምዘምሃረት ተገሊጹ፡፡

ንሳ ካብቲ ኣብ ሶርያ ዝነበራ ግደ ብተወሳኺ፡ ኣብ ኮሌጃት ኣመሪካ መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ሰባት ብምምልማልን ብምትላምን ክሲ ቀሪብዋ፡፡

ኣብ ዓበይቲ ዕዳጋታት መጥቃዕቲ ነታጒ ክትፍጽም ድልየት ከምዘለዋ ከምዝተዛረበቶም ቃሎም ዝሃቡ መሰኻኽር እውን ብዙሕ ሰብ እንድሕር ዘይቀቲላ ሃብቲ ምብኻን እዩ ኢላ ከምእትኣምን ምዝራባ ገሊጾም፡፡

ንናይ ወጻኢ ግብረ ሽበራዊ ጉጅለ ብምሕጋዝን ሃፍቲ ብምትእኽኻብን ዝተኸሰሰን ፍለክ-ኤክረን ፡ ገበነኛ ኮይና እንተተረኺባ ክሳብ 20 ዝበጽሕ ማእሰርቲ ክፍረዳ እዩ፡፡