ዒራቕ ሓላፊ ፋይናንስ ኣይ ኤስ ኣብ ቀይዲ ከምዝእተወት ገሊጻ

ሓላፊ ፋይናንስ ኣይኤስ

ምንጪ ስእሊ, Iraq Security Media Cell

ዒራቕ ካብ ግዝኣታ ወጻኢ ኣብ ዘካየደቶ ወፍሪ፡ ሓላፊ ፋይናንሳዊ ክፍሊ እስላማዊ ጉጅለ ኣይኤስ ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወት ገሊጻ።

ሃገራዊ ትካል ስለያ ዒራቕ: ኣዝዩ ሕልኽልኽ ብዝበለ መገዲ ካብ ሃገር ወጻኢ ኣብ ዘካየዶ ስርሒት ንሳሚ ጃሲም ኣል-ጃቡሪ፡ ኣብ ቀይዲ ከውዕሎ ከምዝኸኣለ፡ ቀዳመይ ሚኒስተር እታ ሃገር ሙስጠፋ አል-ካዲሚ ኣብ ትዊተሩ ኣስፊሩ።

ወሲኹ'ውን፡ እዚ ጃሲም ወይ ከኣ ሓጂ ሓሚድ ብዝብል ዝፍለጥ ውልቀሰብ፤ ኣብ ክንዲ እቲ ዝሞተ ኣቡበከር ኣል-ባግዳዲ ምክትል ዋና መራሒ እቲ ጉጅለ ኾይኑ ይሰርሕ ከምዝነበረ ገሊጹ።

ኣመሪካ ነቲ ውልቀሰብ ንምሓዝ ሓበሬታ ንዝህብ ሰብ 5 ሚልዮን ዶላር ክትልግስ ቃል ኣትያ ነይራ።

ኤፍቢአይ ሪዋርድስ ፎረ ጀስቲስ ዝተብሃለ መረበብ ሓበሬታ ብወገኑ፡ "ንኣይኤስ ግብረ ሽበራዊ ተግባራት ዝውዕል ገንዘብ ብምምሕዳር ዓቢ ግደ ዝተጻወተ እዩ" ኢሉ።

እቲ ጉጅለ፡ ብ2014 ኣብ ዒራቕን ሶርያን ሰፊሕ ግዝኣት ኣብ ዝተቖጻጸረሉ እዋን፡ ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ መሸጣታት፡ ነዳዲን ጥንታዊ ሓድግታትን ዝርከብ ኣታዊ ይመርሕ ነይሩ ክብል'ውን ከሲስዎ።

ሰብ ስልጣን ዒራቕ፡ ናይ ሳሚ ጃሲምን ምትሓዝ ኣብ ልዕሊ ኣይኤስ ከቢድ ኪሳራ ዘብጽሕ እዩ ኢሎም ይኣምኑ።

እቲ ውልቀሰብ ኣበይ ከምዝተትሓዘ ሰብ ስልጣናት ዒራቕ እንተዘይኣብርሁ'ኳ፡ ሓደ ወተሃደራዊ ምንጪ ግን ኣብ ቱርኪ ከምዝተትሓዘ ንኤኤፍፒ ተዛሪቡ።

ኣብ መጀመርታ 2021፡ መንግስቲ ዒራቕ ካልእ ምክትል ዋና መራሒ ኣይኤስ: ጃቢር ሳልማን አል-ኢሳዊን፡ 'ቀቲለ' ምባሉ ዝዝከር እዩ።

ኣይኤስ፡ ኣብ ሓደ እዋን ካብ ምብራቕ ዒራቕ ክሳብ ምዕራብ ሶርያ፡ ልዕሊ 88 ሽሕ ትርብዒት ኪሎሜትሮ ዝዝርጋሕ፡ ኣብ ልእሊ ኣስታት 8 ሚልዮን ህዝቢ ምምሕዳሩ ኣስፋፊሑ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

እቲ ጉጅለ፡ ኣብ 2017 ኣብ ዒራቅ ኣብ 2018 ድማ ኣብ ሶርያ ከቢድ ስዕረት እንተገጠሞ'ኳ፡ ሕዚ'ውን ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ዕጡቓት ከምዘንቀሳቕስ ይግመት።