ኣመሪካ ኣሽሓት ወታሃደራታ ካብ ዒራቕ ከምእተውጽእ ኣፍሊጣ

ወታሃደራት ኣመሪካ ኣብ ዒራቕ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ሰራዊት ኣመሪካ፡ ኣንጻር ጂሃዳዊ ጉጅለ ዳዒሽ ንምቅላስ'ዩ፡ ኣብ 2014 ናብ ዒራቕ ኣትዩ ጸኒሑ።

ኣመሪካ፡ 2,200 ኣብ ዒራቕ ዝርከቡ ወታሃደራታ ከተውጽእ ምዃና፡ ኣዛዚ ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ኣፍሊጡ።

ጀነራል ከነት ማከንዚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብዚ ወርሒ'ዚ ቁጽሪ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ዒራቕ ካብ 5,200 ናብ 3,000 ክወርድ ምዃኑ ተዛሪቡ።

እቶም ዝተረፉ ወታሃደራት ድማ፡ ናይ ጂሃዳዊ ጉጅለ ዳዒሽ "ናይ መወዳእታ ተረፍመረፍ ንምምሓዉ" ንሓይልታት ጸጥታ ዒራቕ ኣብ ምስልጣንን ምምኻርን ክዋፈሩ እዮም ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ወታሃደራት ኣመሪካ ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን ጠቕሊሎም ካብ ዒራቕ ክወጹ መደብ ከምዘለዎ ገሊጹ ነይሩ።

ኣብዚ ንካልኣይ ግዜ ንክምረጽ ዝጉስጉሰሉ ዘሎ እዋን፡ ምውጻእ እቶም ወታሃደራት ከም ሓደ ካብ ዓወታቱ ክቖጽሮ ትጽቢት ይግበረሉ።

ህላወ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ዒራቕ፡ ኣብታ ሃገር ኣካታዒ ኮይኑ ምጽንሑ ይፍለጥ። ብፍላይ ኣመሪካ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ንፍሉጥ ኢራናዊ ጀነራል ቃሲም ሶለይማኒ ኣብ ርእሰከተማ ባግዳድ ድሕሪ ምቕታላ፡ ኣብ ዒራቕ ዓቢ ቁጠዐ ፈጢሩ'ዩ።

ድሕሪ'ቲ ቅንጸላ፡ ፓርላማ ዒራቕ፡ መንግስቲ ንወታሃደራዊ ስርሒታት ናይ ወጻኢ ሓይልታት ደው ከብል ዘገድድ ሕጊ ኣጽዲቑ ነይሩ። ክሳብ ሕጂ ግን እቲ ውሳነ ኣብ ግብሪ ከይወዓለ'ዩ ጸኒሑ።

ብኢራን ዝድገፉ ሚሊሻ ዒራቕ ኣብቲ ወታሃደራት ኣመሪካ ዝነብሩሉ መዓስከራት መጥቃዕትታት ክፍንዉ ምጽንሖም ኣመሪካ ክትከስስ ምጽንሓ ይፍለጥ። ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት፡ ክልተ ወታሃደራት ኣመሪካን ሓደ ብሪጣንያዊ ወታሃደርን ብተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ምቕታሎም ይዝከር።

ሰራዊት ኣመሪካ፡ ኣንጻር ጂሃዳዊ ጉጅለ ዳዒሽ ንምቅላስ'ዩ፡ ኣብ 2014 ናብ ዒራቕ ኣትዩ ጸኒሑ።