ወተሃደራት ኣመሪካ ካብ ዒራቅ ለቒቖም ይወጽኡ'ለዉ

ኣልቃይም
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዶብ ዒራቅ-ኢራን እትርከብ ናቑጣ ኣልቃይም

ወተሃደራት ኣመሪካ፡ ኣብ ዒራቕ ካብ ዝርከብ ኣል-ቃይም ካብ ዝበሃልን ካልኦት ክልተ ናቑጣታትን ኣብ ዝቕጽል ክልተ ሰሙን ለቒቆም ክወጽኡ እዮም።

እዚ እቲ ስጉምቲ፡ ኣመሪካ ካብ ዒራቅ ጠቕሊላ ንክትወጽእ ምውሳና ዘርኢ እዩ ተባሂሉ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ፤ ኣብ መንጎ መንግስታት ኢራቅን ኢራንን ወጥሪ ኣብ ዝዓሰለሉ እዋን እዩ።

ኣብዚ ናይዚ ሰሙን መወዳእታ፡ ኣመሪካ እቲ መሳርሕታት ኲናት ንሰራዊት ዒራቅ ንምርካብ ትዳሎ ኣላ።

እዚ ኣብ መንጎ ዶባት ዒራቅን ሶርያን ወተሃደራት ኣመሪካ ኣይህልዉን ማለት እዩ። ኣመሪካ ኣብ ዒራቅ ብሓፈሻ ሸሞንተ ናቑጣታት ኣለዋ።

ከባቢ ኣልቃይም ኣብ ቁጽጸዕር እንትውዕል
መግለጺ ስእሊ, ከባቢ ኣልቃይም ኣብ ቁጽጸዕር እንትውዕል

ኣብ 2017፡ ሓይልታት ኣመሪካን ዒራቅን ንእስላማዊ መንግስቲ ዒራቅ [ዳዕሽ] ምስ ሰዓሩ ባንዴራታት ኣንበልቢሎም ነይሮም።

ገለ ሓይልታት ዒራቅ'ውን በብክልቲኡ ወገን ንዳዕሽ ክዋግኡ ጸኒሖም እዮም።

ብርግጽ እቶም ሓይልታት ዒራቅ ገለ እዋን ድማ፤ ንወተሃደራት ኣመሪካ ይዋግኡ ነይሮም።

"እንድሕር ዘይለቁ ኾይኖም'ውን ክለቁ ክንገብሮም ኢና" ኢሉ ኮማንደር ካታኢብ ሂዝቦላህ ኣቡ ኣመነህ።

ኣመሪካ ኢራናዊ ኮማንደር ቃሲም ሶሌማን ምቕታላ፡ እቲ ኩነታት ዝዘረጎ ይመስል።

ኣመሪካዊ ወተሃደር ኣብ ዶባት ኢራቅ-ኢራን።
መግለጺ ስእሊ, ኣመሪካዊ ወተሃደር ኣብ ዶባት ኢራቅ-ኢራን።

እቲ ጀነራል ካብ ዝቕተል ንነዘ፡ ካብ ሃገረ ኢራን ናብ ኣብ ዒራቅ ዝርከቡ ናቁጣታት ኣመሪካ ልዕሊ 25 ግዘ መጥቓዕቲ ሮኬት ተፈኒዎም።

ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፤ ታጂ ኣብ ዝተብሃለ ወተሃደራዊ ናቑጣ ሰለስተ ኣባላት ሓይልታት ጥምረት [ኣመሪካ] ተቐቲሎም።

ሕነ ንምፍዳይ ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ድማ፡ ሰለስተ ኣባላት ካታይብ ሂዝቡላህ ቀቲሉ።

ነዚ ስዒቡ፡ ሓበራዊ እዚ ወፍሪ ዒራቅ፡ ንክልቲኦም ወገናት ኣውጊዙ እዩ።

Images of rocket attack on Taji base

ምንጪ ስእሊ, US Central Command

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ናቑጣ ታጂ ዝተፈነወ መጥቓዕቲ ሮኬት

ከምኡ ድማ፡ ሃገራዊ ባይቶ ዒራቅ ወተሃደራት ኣመሪካ ለቒቖም ክወጽኡ ኣለዎም ዝብል ውሳነ ኣሕሊፉ።

ኣብ ዒራቅ ዝርከቡ ወተሃደራት ኣመሪካ ቁጽሮም 5200 ከም ዝኾን እዩ ዝግመት።

እቶም ሕዚ ዘይወጽኡ ወተሃደራት መጻኢኦም እንታይ ከም ዝኸውን ግን ኣይተፈለጠን።