ኣብ ዒራቕ ዝርከቡ ኩርዳውያን ብዘየወላውል መንገዲ ድሌቶም ናጽነት ምዃኑ ብድምጾም ኣረጋጊጾም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብዚ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ዝተኻየደ ኣከራኻሪ ሪፈረንደም፡ ኣብ ሰሜናዊ ዒራቕ ዝነብር ህዝቢ ብልዑል ድምጺ ንናጽነት ናይቲ ኩርዲስታን ዝበሃል ዞባ እታ ሃገር ብምድጋፍ ኣድሚጹ።
እቲ ነቲ ሪፈረንደም ዘማእከለ ናይ ምርጫ ኮምሽን ከምዝሓበሮ፡ 92% ናይቶም ድምጾም ዝሃቡ 3.3 ሚልዮን ኩርዳውያንን ካልኦትን ዝርከብዎ ህዝቢ፡ ካብ ዒራቕ ምግንጻል ደጊፎም።
ዋላኳ ቀዳማይ ሚኒስተር ዒራቕ ክሳብ መወዳእታ እቲ ውጽኢት ክስረዝ እንተጸዓሩ ኣይከኣሉን ፥ እቲ ውጽኢት ብዕሊ ተገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሓይደር ኣል ዓባዲስ፡ ኩርዳውያን ምስ ባቕዳድ ኣብ "ዙርያ ቅዋም እታ ሃገር ልዝብ ክገብሩ" ጻዊዒቶም ኣቕሪቦም ነይሮም።
ኩርዳውያን መራሕቲ፡ እቲ "እወ [ንናጽነት]" ዝብል ምርጫ ህዝቦም ምስ ናይ ባቕዳድ ማእከላይ መንግስቲ ብዛዕባ ምግንጻል ዘተ ከካይዱ ሓላፍነት ከምዝሃቦም ይዛረቡ'ለዉ።
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ባይቶ ዒራቕ፡ እቲ ቐዳማይ ሚኒስተር፡ ናብቲ ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነ ከባቢ ኪርኩክን ካልኦት ብኩርዳውያን ሓይልታት ተታሒዞም ዝርከቡ ኣሰሓሓብቲ ቦታታትን ወተሃደራት ክሰዱ ሓቲቱ።
ፐሽመርጋ ተባሂሎም ዝጽውዑ ኩርዳውያን ሓይልታት፡ ነቲ ብዙሓት ብሄራት ዝነብሩሉን ኩርዳውያንን ኣዕራብን ይብጸሓና'ዩ ዝብልዎን ዞባ ኪርኩክ ዝተቖጻጽርዎ፡ ድሕሪ'ቲ ኣካል ናይቲ እስላማዊ ሃገር (ኢስላሚክ ስቴት) ዝኾኑ ጀሃዳውያን ዕጡቓት ንሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ኣብ 2014 ምቁጽጽሮምን ሰራዊት ዒራቕ ፋሕፋሕ ምስ በለን'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







