ባይቶ ዒራቕ፡ ወተሃደራት ኣሜሪካ ካብ ዒራቕ ክጥረዙ ወሲኖም

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣባላት ባይቶ ዒራቕ፡ ትማሊ ኣብ ዘካየድዎ ህጹጽ ኣኼባ ኩሎም ግዳማዊ ሓይልታት ካብ ሃገሮም ክወጽኡ ዝጽውዕ ሓባራዊ ውሳነ ኣሕሊፎም።
እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ድሕሪ እቲ ናብ ዓርቢ ኣብ ዘውግሕ ሰዓታት ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣሜሪካ ዝተቐትለ ኢራናዊ ጀነራል ምዃኑ እዩ።
ኣሜሪካ፡ ኣስታት 5 ሽሕ ሰራዊት ኣብ ዒራቕ ኣዐስኪራ ምህላዋ ምንጭታት ይሕብሩ።
እቲ ብኣሜሪካ ዝምራሕ ወታሃደራዊ ኪዳን፡ ኣብ ዒራቕ ኮይኑ ንሰራዊት ዳዕሽ ንምድምሳስ ዝቃለስ ዘሎ ኮይኑ፡ ቅድሚ እቲ ናይ ባይቶ ውሳነ ንጥፈታቱ ከቋርጽ ተገዲዱ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኢራን ኣብ 2015 ኣብ ዝኸተመቶ ስምምዕ ኑክሌራዊ ንጥፈታት ከምዘይትቕይድን ኣበርቲዓ ከምእትሰርሓሉን ኣፍሊጣ።
ኢራን፡ ጉዳይ ኑክሌራዊ መደባታ ብሰለማዊ መገዲ ንምዕራፍ ኣብ 2015 ኣመሪካ ምስ እትርከበን ሽዱሽተ ሓያላን ዓለም "ታሪኻዊ" ዝተባህለ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ከምዝተፈራረመት ይዝከር።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ይኹን'ምበር፡ ኣብ 2018፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ሃገሩ ምስ ኢራን ንዝነበራ ስምምዕ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ሰሪዞዎ እዩ።
ቕትለት ጀነራል ቃስም ሶሌማኒ፡ ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ኢራንን ንዝነበረ ወጥሪ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ኣደዪብዎ ምህላዉ ይንገር።
ብመሪሕነት ጀነራል ቃስም ሶሌማኒ፡ ኢራን፡ ብሰላሕታዊ መንገዲ ምስ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘለው ዘይመንግስታውያን ጉጅለታት ዘይብተኽ ምሕዝነት ክትምስርት በቒዓ እያ።
ኢራን፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ምስ ዝንቐሳቀሱ ዕጡቓት ጉጅለታት ሕዝቦላሕን ካልኦትን ብምትሕብባር፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ጽልወኣ ክተዕቢ ክኢላ'ላ።
ኣብዚ እዋን ዒራቕ ኣብ መንጎ ክልተ መሓዙታ ተቐርቒራ ከምዘላ እዩ ዝንገር። ዒራቕ፡ ኣብ 2014 ንግብረ-ሽበራዊ ጉጅለ ዳዕሽ ንምድምሳስ ሰራዊት ኣሜሪካ ከምዝዓደመትን፡ እንተኾነ ግን፡ ቕትለት ሶሌማኒ ልኡላውነታ ዝጥሕስ ምዃኑ እያ እትገልጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







