ኣብ ርእሰ ከተማ ዒራቕ ባቕዳድ ብዝተፈጸሙ ክልተ መጥቃዕቲታት ነታጒ 20 ሰባት ተቐቲሎም

ወታሃደራት ዒራቕ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ርእሰ ከተማ ዒራቕ ባቕዳድ፡ ህዝቢ ኣብ ዝበዝሐሉ ንግዳዊ ከባቢ ብዝተፈጸሙ ክልተ መጥቃዕቲታት ኣጥፊእካ ምጥፋእ፡ ብውሑድ 20 ሰባት እንትቕተሉ 40 ሰባት ቖሲሎም።

እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ውልቀ ሰባት ፖሊስ ይከታተሎም ኣብ ዝነበረሉ እዋን እዮም ታያራን ኣብ ዝተባህለ ኣደባባይ ነታጒ ኣፈንጂሮም።

ኣብቲ ኣደባባይ ኣብ ለካቲት 2018 ብዝተፈጸመ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ 35 ሰባት ተቐቲሎም ነይሮም።

ዛጊድ ነቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የለን፤ ኮይኑ ግና ጅሃዳዊ ጉጅለ ኣይኤስ ክኸውን ከምዝኽእል እዩ ዝግመት።

መንግስቲ ዒራቕ ኣንጻር ጉጅለ ኣይኤስ ዘካየዶ ኲናት ኣብ 2017 ከምዝተዓወተኳ እንተገለጸ፡ ብፍላይ ሓይሊታት ጸጥታ ዒላማ ዝገበሩ መጥቃዕቲታት ይፍጸሙ እዮም።

እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ልባስ ክዳውንቲ ዝሽወጠሉ ከባቢ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ተዓጽዩ ድህሪ ምጽናሕ ኣብ ቀረባ ዝተኸፈተ እዩ።

ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርገሑ ቪድዮታት ኣብ ማእከል ዝተኣከቡ ሰባት ነታጒ እንትፍንጀርን ድሕሪኡ ድማ ኣብ መሬት ዝወደቑ ሰባትን የርእዩ።

ኣብታ ሃገር ፡ ጂሃዳዊ ጉጅለ ኣይኤስ ብሓይሊታት ኣመሪካ ብዝድገፉ ወታሃደራት መንግስቲ ካብ ዝሰዓር ናብዚ፡ መሰል መጥቃዕቲታት እናቐነሰ መጺኡ እዩ።

እቲ ጉጅለ ካብ ምብራቓዊ ዒራቕ ክሳብ ምዕራባዊ ሶርያ ኣስታት 8 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ዝነብረሉ ከባቢ ግዝኣት መስሪቱ ምንባሩ ይዝከር።