ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዳዕሽ ኣብ ዒራቕ ዝገደፎም 200 ጋህስታት

ምንጪ ስእሊ, AFP
መርመራዊ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ጉጅለ ግብረሽበራ ተቖጻጺርዎም ኣብ ዝነበሩ ከባቢታት፡ ኣሽሓት ሰባት ብጅምላ ዝተቐበሩሎም ልዕሊ 200 መቓብራት ምርካቡ የመልክት።
እዚኦም ኣብ ሰሜንን ምዕራብን ግዝኣታት ዒራቕ ዝተረኸቡ እንትኾን፡ 12 ሽሕ ዝኾኑ ሰባት ኣብ ሓደ ተቐቢሮም'ዮም።
እቲ ኣብ 2014 ንገለ ኽፋላት ዒራቕ ዝተቖጻጸረ ጉጅለ ዳዕሽ፡ ናይ ጭካነ ሕግታት ግብራዊ ክኾኑ ገይሩ ነይሩ።
ኮይኑ ግና፡ ኣሜሪካ ብእትመርሖ ጥምረት ሓይሊ ኣየር፡ ሓይልታትን ወተሃደራትን መንግስቲ ዒራቕን ብዝገበሩዎ ወፍሪ ተደምሲሱ።
እዞም ጅምላ መቓብር ዝተረኸቦም ከባቢታት እቶም ግዳያት ብምምማይ፡ ገበን ኲናት ከመስርት ዝኽእል መረዳእታ ከምዝተረኸቦም'ዩ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝገልጽ።
እቲ ጸብጻብ ከምዝብሎ፡ ክሳብ ሕዚ 202 ጅምላ መቃብር ተመዝጊቦም ኣለዉ።
ነዚ ጉዳይ ዘጻርዩ ሰብ ሞያ ድማ፡ ደቂ ኣንስትዮ፣ ህጻናት፣ ሰብ ጸጋ ዕድመ፣ ጉድኣት ኣካል፣ ሰራሕተኛታት ወጻኢ ከምኡ'ውን ሓይልታት ጸጥታ ዒራቕ ዝርከቡዎም፡ ካብ 6 ሽሕ ክሳብ 12 ሽሕ ዝበጽሑ ግዳያት፡ ኣብዞም ከባቢታት ከምዝተቐበሩ ይገልጹ።
"እዞም መቓብራት ጅምላ፡ ምስክር እቲ ዝተኸስረ ሰብ፣ ጭኻነን ዝሓለፈ ስቓይን'ዩ" ኢሉ ወኪል እቲ ውድብ ኣን ዒራቕ ጃን ኩቢስ።

ዒራቕ ምስ ጉጅለ ራዕዲ ዳዕሽ ዝነበራ ኲናት

ምንጪ ስእሊ, Reuters
- ጥሪ 2014: ሓይልታት ዳዕሽ ከተማታት ፋሉጃን ራማዲን ተቖጻጺሮም
- ሰነ 2014: ዕጡቓት ጅሃድ፡ ንሽዱሽተ መዓልቲ ድሕሪ ዝተኻየደ ውግእ ካልአይቲ ዓባይ ከተማ ዒራቕ ሞሱል ተቖጻጺሮምT
- 29 ሰነ 2014: ጉጅለ ዳዕሽ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኣቡበከር ኣልባግዳዲ፡ ሽሙ እስላማዊ ጉጅለ ናብ ዝብል ቐይሩ
- ነሓሰ 2014: ዳዕሽ ሲንጃር ሒዙ። 200,000 ዝኾኑ ንጹሃት ዜጋታት ድማ ካብ ጎቦታት ሲንጃር ሃዲሞም
- መጋቢት 2015: ሓይልታት ዒራቕን ዕጡቓት ሺዓን ጥቕሪት ሒዞም
- ታሕሳስ 2015: ረራማዲ ተታሒዛ
- ሰነ 2016: ፋሉጃ ዳግም ተመሊሳ
- ጥቅምቲ 2016: ሓይልታት ዒራቕ፣ ዕጡቓት ሺዓ፣ ኩርድን ዓለምለኻዊ ጥምረታትን፡ ሞሱል ናጻ ንምውጻእ ተጣሚሮም
- ሓምለ 2017: ሞሱል ዳግም ተወሲዳ
- ታሕሳስ 2017: ቐዳማይ ሚኒስትር ዒራቕ፡ ምስቲ ጉጅለ ዝካየድ ውግእ ከብቅዕ ኣዚዙ





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







