መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ኮፕቲክ ክርስትያናት፡ ፖሊስ ግብጺ 'ካብ'ቶም ኣጥቃዕቲ 19 ቀቲሉ'

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሚኒስትሪ ጉዳያት ውሽጢ ሃገር ግብጺ፡ ኣብ ቅትለት ግብጻውያን ኣመንቲ ክርስትና ተሳቲፎም ዝተባህሉ 19 ጥሩፋት እስላማዊያን ብፖሊስ ከምዝተቐትሉ ኣፍሊጡ።
ብመሰረት መግለጺ ናይ`ቲ ሚኒስትሪ፡ ፖሊስ ነቶም `ኮብለልቲ ግብረ-ሽበራውያን ባእታታት` ናብ ምዕራባዊ ዞባ ሚኛ ምስ ኣጓየይዎም፡ ምስ ፖሊስ ኣብ ዝተገብረ ናይ ቶኽሲ ምልውዋጥ`ዮም ተቐቲሎም።
እቶም ዕጡቓት፡ ኣመንቲ ክርስትና ሒዘን ኣብ ሚኛ ናብ ዝርከብ ገዳም ይጓዓዛ ኣብ ዝነበራ ክልተ ኣውቶቡሳት፡ ብዓርቢ ኣብ ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ሸውዓተ ኣመንቲ ክርስትና ቀቲሎም።
እስላሚክ ስተይት [ዳዕሽ] ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሞ ገሊጹ`ሎ።
እዚ መጥቃዕቲ`ዚ፡ ብጥሩፋት እስላማውያን ኣብ ልዕሊ ውሑዳን ኣመንቲ ክርስትና ግብጺ ካብ ዝተፈጸሙ ተኸታተልቲ መጥቃዕትታት ሓደ`ዩ።
እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሓይልታት ጸጥታ ነቶም `ግብረ-ሽበራውያን ባእታታት` የጓይይሉ ኣብ ዝነበሩ እዋን ናይ ቶኽሲ ምልውዋጥ ከምዝነበረ ሓቢሩ፡ እንተኾነ ግን መዓስ ከምዝነበረ ኣይገለጸን።
ምስሊ፡ ሬሳታት ናይ`ቶም ዕጡቓትን ተሓቢኦምሉ ነይሮም ዝተባህለ ቴንዳን`ውን ጠቂዑ። ብረታትን ናይ ዳዕሽ ናይ ፕሮፓጋንዳ ወረቓቕትን`ውን ኣብ ጎኒ`ቲ ሬሳታት ወዲቑ ይርአ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ቆልዑ ሓዊስካ ብውሑዱ ሸውዓተ ሰባት`ውን ኣብ`ቲ ብዓርቢ፡ ኣብ ገዳም ኣናሳሒ ቅዱስ ሳሙኤል፡ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቆሲሎም ምህላዎም ጸብጻባት የርእዩ።
ስነ-ስርዓት ቀብሪ ናይ`ቶም ግዳያት፡ ዓርቢን ቀዳምን ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን፡ ቀባሮ ቁጠዐኦም ገሊጾም።
`እዞም ግብረ-ሽበራውያን እንታይ`ዮም ዝደልዩ? ንኣመንቲ ምስልምና ክንጸልእ ድዮም ደሊዮምና?` ኢሉ ጎረቤቱ ዝተቐትሎ ወዲ 23 ዓመት ሚሸል።
እቶም ኣብ ግብጺ ካብ ዝርከቡ ውሑዳን ኣመንቲ ክርስትና ዝበዝሐ ቁጽሪ ዘለዎም፡ ኮፕቲክ ተባሂሎም ዝፍለጡ ኣመንቲ ክርስትና ነቲ ብኣመንቲ ምስልምና ዝተዓብለለ መንግስቲ ግብጺ፡ ቅድሚ ሕጂ`ውን ካብ ተመሳሰልቲ መጥቃዕትታት ክከላኸለሎም ብዘይምኽኣሉ ወቒሶሞ ነይሮም።
ኣብ ወርሒ ግንቦት 2017 ብዘተገብረ መጥቃዕቲ ድማ 28 ሰባት ተቐቲሎም ነይሮም።
እዞም ኮፕቲክ ክርስቲያን ዝበሃሉ መን`ዮም?
ቤተክርስቲያን ኮፕቲክ ኦርቶዶክስ ሓደ ኣብ ግብጺ ካብ ዝርከቡ ቤተክርስቲያናት`ዩ። ዋላ`ኳ መብዛሕትኦም ኣመንቲ ኮፕቲክ ክርስትና ኣብ ውሽጢ ግብጺ ዝነብሩ እንተኾኑ፡ ኣስታት ሓደ ሚሊዮን ዝኾኑ ኣባላት ድማ ካብ ግብጺ ወጻኢ ይነብሩ።
ኣባላት ኮፕቲክ ክርስትና እምነቶም ወይ ሃይማኖቶም ቅዱስ ማርቆስ ንግብጺ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ ማለት 50 ዓመት ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ከምዝጀመረ ይኣምኑ። ላዕለዋይ ሓላፊ ናይ`ቲ ቤተክርስቲያን ድማ ፖፕ [ኣቡን] ተባሂሉ ይጽዋዕ። ንሱ ከም ተካኢ ቅዱስ ማርቆስ`ዩ ዝሕሰብ።
ቤተክርስቲያን ኮፕቲክ ኣብ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ቻልሴዶን ኣብ 451 ዓመተ ምህረት፡ የሱስ ክርስቶስ መለኮታዊ`ዩ/ኣይኮነን ዝብል ዝብል ክትዕ ምስ ጀመረ`ያ ካብ ካልኦት ኣብያተ-ክርስቲያናት ተፈሊያ ወጺኣ።
እዚ ሕጂ ዘሎ ኣቡን ኮፕቲክ፡ ቴዋድሮስ ካልኣይ፡ ክጥቀመሉ ዝጸንሐ ናይ ፈይስቡክ ገጽ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብምዕጻው፡ ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ተኣልዩ'ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







