ሓፍቲ መራሒ ኣይ-ኤስ ነበር ኣል-ባቕዳዲ ኣብ ቀይዲ ውዒላ

ኣልባግዳዲ

ምንጪ ስእሊ, US DEPARTMENT OF DEFENSE/REUTERS

ሓፍቲ መራሒ እስላማዊ ጉጅለ ኣይ ኤስ [ዳዕሽ] ዝነበረ ኣቡ-ባክር ኣል-ባቕዳዲ ኣብ ሰሜናዊ ቱርኪ ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓለት ሰብ-ስልጣን ቱርኪ ተዛሪቦም።

ጓል 65 ዓመት ዝኾነት ወይዘሮ ራስሚያ ኣዋድ፤ ትማሊ ኣዛዝ ኣብ ዝተብሃለት ከተማ ኣብ ዝተገብረ ወተሃደራዊ ተፍትሽ እያ ተታሒዛ።

ሰበ-ስልጣናት እታ ዓዲ፡ ካብ ሓፍቲ ኣል-ባቕዳዲ ሕቡእን ወሳንን መረዳእታ ጉጅለ ዳዕሽ ክርከብ ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ኣሕዲሮም ኣለው።

ሓደ ቱርካዊ በዓል ስልጣን ንሮይተርስ ከምዝበሎ፡ እቲ መረዳእታ ብፍላይ ድማ ውሽጣዊ ኣሰራርሓ'ቲ ጉጅለ ንምፍላጥ ክጠቅም ይኽእል'ዩ ኢሉ።

ሰበ-ስልጣን ቱርኪ ዝዘርግሕዎ ስእሊ እታ ዝተታሕዘት ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ብዛዕባ እዛ ሓፍቲ ኣል-ባቕዳዲ ብዙሕ ዝፍለጥ ነገር የለን። ቢቢሲ እንተኾነ'ውን መንነታ ብዝምልከት ካብ ሳልሳይ መንጎኛ ኣካል ከረጋግጾ ኣይከኣለን።

ኒው ዮርክ ታይምስ፡ ኣል-ባቕዳዲ ሓሙሽተ ኣወዳትን ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣሕዋትን ከምዘለወኦ ገሊጹ።

ኣል-ባቕዳዲ ዝነበረሉ ተባሂሉ ዝእምነሉ ቦታ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣል-ባቕዳዲ ተታሒዝሉ ዝተብሃለ ቦታ

እዛ ኣሌፖ ኣብ ዝተብሃለ ክልል ቱርኪ ዝተታሕዘት ወይዘሮ ኣዋድ፡ ምስ በዓል ቤታን ጓል ሰብኣያን ካልኦት ሓሙሽተ ደቃን እያ ተረኺባ።

ካብኡ ብዛዕባ እቲ ጉጅለ ብዙሕ 'ስለያዊ' መረዳእታ ክርከብ እዩ ተባሂሉ'ኳ እንተተገመተ፤ "ምስ ኣል-ባቕዳዲ ክንደይ ዝኣክል ጊዜ ተሕልፍ ነይራ?" ዝብል ግን ንባዕሉ ሕቶ'ዩ ዘሎ።

ኣል-ባቕዳዲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብኣመሪካ ወተሃደራት ኣብ ዝተኻየደ ኦፕሬሽን ዓርሰ ቕትለት ከምዝፈጸመ ይዝረብ።

ፕረዚደንት ትራምፕ፡ እቲ ሬሳ ናቱ ናይ ኣል-ባቕዳዲ ከምዝኾነ ብናይ ዲ ኤን ኤ ምርመራ ከምዝተረጋገጸ ምዝራቡ ዝዝከር እዩ።

ድሕሪ እቲ ቅትለት፡ ጉጅለ ዳዕሽ ንኣቡ-ኢብራኢም ኣል-ሓሸሚ ኣል-ቁራሺ ሓድሽ መራሒኡ ንክኸውን ከምዝረቕሖ ኣፍሊጡ።