ቱርኪ-ሶርያ፡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሚኒስትሪታት ቱርኪ እገዳ ኣንቢራ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣሜሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ክልተ ሚኒስትሪታትን ካልኦት ሰለስተ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እታ ሃገርን እገዳ ኣንቢራ።
እዚ፡ ነቲ ቱርኪ ኣብ ልዕሊ ሶርያ እትፍጽሞ ዘላ መጥቃዕቲ ዝተውሃበ ግበረመልሲ ኣሜሪካ'ዩ ተባሂሉ።
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ናብ ቱርካዊ መዘንኡ ጣይብ ኦርዶጋን ቴሌፎን ብምድዋል፡ ብቕልጡፍ እቲ ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ጠጠው ክብል ከም ዝሓተተ ምኽትል እቲ ፕረዚደንት ማይክ ፔንስ ተዛሪቡ።
ፔንስ፡ "ብቕልጡፍ" ናብቲ ከባቢ ክኸይድ እየ ድማ ኢሉ።
ወተሃደራት ሶርያ ድሕሪ እቲ ምስ ኩርዳውያን ሓይልታት ዝበጽሑዎ ስምምዕ፡ ናብ ሰሜን-ምብራቕ እታ ሃገር ተዋፊሮም ኣለው።
እዚ ቱርኪ ምስ እትመርሖም ሓይልታት ግርጭት ክፈጥር ይኽእል'ዩ ተባሂሉ ይስጋእ።
መንግስቲ ቱርኪ ከም ዝብሎ፡ እታ ሃገር እትፍጽሞ ዘላ መጥቃዕቲ፡ ሓይልታት ኩርድ ካብ ዶባዊ ዞና ብምድፋእ "ናጻ ዞባ" ንምፍጣር'ዩ።
በዚ "ናጻ ዞባ" 30 ኪ.ሜ ናብ ውሽጢ ሶርያ ክትደፍኦም እሞ፡ ኣብ ግዝኣተይ ኣለው እትብሎም ክልተ ሚሊዮን ዝጽግዑ ስደተኛታት ሶርያ ክተጣይሰሉ ከም እትደሊ ትገልጽ።
መብዛሕትኦም ኩርዳውያን ስለዘይኮኑ፡ እቲ ሕጂ ቱርኪ እተካይዶ ዘላ መጥቃዕቲ፡ ዓሌታዊ ምጽናት ኩርዳውያን ከስዕብ'ዩ ተባሂሉ ስለ ዝስጋእ ትንቀፈሉ።
እቲ ሕጂ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ቱርኪ ኣንቢራቶ ዘላ እገዳ፡ "ኣዝዩ ጽኑዕ" እዩ ዝበለ ሚኒስትር ቤት ግምጃ ኣሜሪካ ስቴቨን መንቺን፡ ኣብ ቁጠባ ቱርኪ ከቢድ ጽልዋ ከሕድር ዝኽእል'ዩ ኢሉ።
እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ እገዳ ኣብ ልዕሊ ሚኒስትሪታት ምክልኻል፡ ሚኒስትሪ ጽዓት ከምኡ እውን ኣብ ሚኒስትሪታት ምክልኻል፣ ጸዓትን ጉዳያት ውሽጢ ሃገርን ከም ዝኾነ ይሕብር።
"ስጉምታት ቱርኪ ንጹሃት ዜጋታት ኣብ ሓፈጋ ብምውዳቕ፡ ርግኣት እቲ ዞባ ብምህዋኽ፡ ዕጡቓት ጉጅለ ዳዕሽ ንምጥፋእ ዝግበር ወፍሪ ዝነዓቐ'ዩ" ኢሉ።
ምኽትል ፕረዚደንት ማይክ ፔንስ ብወገኑ፡ "ቱርኪ ብቑልጡፍ ተኩሲ ጠጠው እንተዘይኣቢላ፣ ምስ ሶርያ ኣብ ዘዳውባ ከባቢ ዘሎ ጸገም ንምፍታሕ ክትላዘብ እንተዘይተሰማሚዓን፡ እቲ ማዕቀብ ክቕጽል እዩ" ክብል ኣጠንቂቑ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ብሩሲያ ዝድገፉ ሓይልታት ናብቲ ቱርኪ "ናጻ ዞባ" ክትምስርተሉ እትደሊ ከባቢ ዘላ ከተማ ማንቢጅ ከም ዝኣተው ማዕኸን ዜና ሶርያ ጸብጺባ።
ቱርኪ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ኩርድ ድሕሪ ዝኸፈተቶ መጥቃዕቲ፡ ኣስታት 160 ሽሕ ሰባት ከም ዝተመዛበሉ ኤጀንሲ ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።
ጸብጻባት ከምሕብርዎ፡ 50 ሰባት ኣብ ሶርያ ካልኦት 18 ድማ ኣብ ዶብ ደቡብ ቱርኪ ተቐቲሎም።
ሓይልታት ኩርድ ከም ዘረጋገጹዎ ድማ፡ 56 ኣባላቶም እንትሞቱ፡ ቱርኪ ብወገና ኣርባዕተ ወተሃደራታን 16 ተዋጋእቲ ደገፍቲ ቱርኪ ዝኾኑ ሶርያውያን ምሟቶም ትገልጽ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







