መጥቃዕቲ ቱርኪ፡ ኩርዳውያን ሓይልታት ምስ ሰራዊት ሶርያ ተሰማሚዖም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኩርዳውያን ሓይልታት፡ መንግስቲ ቱርኪ ኣብ ልዕሊኦም ዝፍጽሞ ዘሎ መጥቃዕቲ ንምምካት፡ መንግስቲ ሶርያ ናብ ሰሜናዊ ዶብ ወተሃደራት ክልእኽ ከም ዝተሰማምዐ ገሊጾም።
ማዕኸን ዜና ሶርያ ከም ዝጸብጸቦ ድማ፡ ድሮ መንግስቲ ናብቲ ዝተጠቕሰ ቦታ ሓይልታቱ ኣውፊሩ ኣሎ፤ ብዝሒ ናይቲ ሰራዊት ግን ብንጹር ኣይተፈልጠን።
እዚ ስጉምቲ "ወተሃደራትን ዕሱባት ወተሃደራትን ቱርኪ ዝዓረዱሎም ከባቢታት ናጻ ኣብ ምውጻእ" ሓጋዚ ክኸውን እዩ ይብል መግለጺ ሓይልታት ኩርዲ።
ብተወሳኺ፡ እዚ ወፍሪ "ከም ኣፍሪን ዝበላ ብወተሃደራት ቱርኪ ተታሒዘን ዘለዋ ከተማታት ሶርያ ናጻ ንምውጻእ መገዲ ዝኸፍት'ዩ" ድማ ኢሉ።
ኣብ 2018፡ ሓይልታት ቱርክን ደገፍቲ ቱርኪ ዝኾኑ ሶርያውያን ዕጡቓትን፡ ንክልተ ወርሒ ድሕሪ ዘካየድዎ ስርሒት፡ ኩርዳውያን ሓይልታት ካብ ከተማ ኣፍሪን ተደፊኦም ክወጽኡ ከምዝተገደዱ ይዝከር።
ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣሜሪካ ካብቲ 'ንመጥቃዕቲ ዝተቓልዐ' ዝበለቶ ከባቢ ወተሃደራታ ክስሕቡ ምስ ወሰነት፡ ቱርኪ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከባቢ ዶብ ሰሜን ሶርያ ዝርከቡ ሓይልታት ኩርዲ ከተጥቅዕ ከም ዝጀመረት ይፍለጥ።
ቱርኪ ኣብቶም 'ሓይልታት ዲሞክራሲ ሶርያ' ተቖጻጺሮምዎም ዝርከቡ ከባቢታት፡ ተካይዶ ብዘላ መጥቃዕቲ ድማ፡ ካብ ክልቲኡ ወገን ብዙሓት ሰላማውያን ሰባትን ወተሃደራትን ከም ዝሞቱ ይግለጽ።
ብሰንበት ድማ፡ ምስ ኣባላት እስላማዊ ጉጅለ ኣይ ኤስ ዝምድና ኣለዎም ተባሂሎም፡ ኣን ኢሳ ኣብ ዝተብሃለ መዳጎኒ ዝነበሩ 800 ሰባት ከም ዝሃደሙ ሰበ ስልጣን ሓይልታት ኩርዲ ገሊጾም።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ መጥቃዕቲ ቱርክን ምስሓብ ወተሃደራት ኣሜሪካን፡ ከቢድ ህዝባዊ ተቓውሞ ኣስዒቡ ኣሎ።
ቱርኪ ግን፡ ንኩርዳውያን ሓይልታት ከም ኣሸበርቲ ብምርኣይ ካብ ከባብታት ዶብ 30 ኪሜ ናብ ውሽጢ ሶርያ ክትደፍኦም እሞ፡ "ውሑስ ዞባ" ክትፈጥር እያ ትደልይ።
በዚ ድማ፡ ኣብ ቱርኪ ዝርከቡ ልዕሊ ሰለስተ ሚሊዮን ሶርያውያን ስደተኛታት ናብቲ ክትፈጥሮ እትደልዮ 'ውሑስ ዞባ' ክተስፍሮም ትሓስብ።
መብዛሕትኦም ድማ ኩርዳውያን ኣይኮኑን። እቲ ሕጂ ቱርኪ እተካይዶ ዘላ መጥቃዕቲ ግን፡ ዓሌታዊ ምጽናት ኩርዳውያን ከስዕብ'ዩ ተባሂሉ ስለ ዝስጋእ፡ ትንቀፈሉ።

እዚ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ሶርያን ሓይልታት ኩርድን ተበጺሑ ዘሎ ሓድሽ ስምምዕ፡ እቶም ሓይልታት ካብ ኣሜሪካ ዝረኽቡዎ ዝነበረ ሓገዝ ድሕሪ ምስኣኖም ዝተፈጥረሎም ወሳኒ ስግግር'ዩ ይብሃል።
ይኹን'ምበር፡ ሓላፊ 'ሓይልታት ዲሞክራሲ ሶርያ' ማዝሎም ኣብዲ፡ ምስ መንግስቲ ኣሳድን መላፍንቱ ሩሲያን "ኣህላኺ ግድድፍ'ዩ ክህልወና" ኢሉ።
"ናታቶም ቃል ኣይንኣምንን። ሓቂ ንምዝራብ፡ ንመን ክትኣምን ከምዘለካ ምፍላጥ ከቢድ'ዩ" ክብል ኣብ መጽሄት ፎረይን ፖሊሲ ጽሒፉ።
"ካብቲ ኣህላኺ ግድድፍን ህዝብና ዝበጽሖ ዘሎ ጨፍጫፍን ንምረጽ እንተተብሂሉ ግን፡ ብርግጽ ህይወት ህዝብና ኢና ንመርጽ" ድማ ኢሉ።
ፕረዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ወተሃደራት ኣመሪካ ካብ ሰሜን-ምብራቕ ሶርያ ክስሕቡ ምስ ኣዘዘ፡ ቱርኪ ኣንጻሮም መጥቃዕቲ ክትከፍት ዕድል ኣመቻቺኡ'ዩ ተባሂሉ ይንቀፍ።
ሓይልታት ዲሞክራሲ ሶርያ፡ ንስጉምቲ ትራምፕ "ክሕደት" ብምባል እዩ ገሊጹዎ።
ብሰንበት ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ "ንለውጢ" ተባሂሎም ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ኣብ ዝካየዱ ውግኣት ዘይምስታፍ "ብልሒ" እዩ ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።
ቱርኪ
ሕጂ፡ ቱርኪ ናብ ሰሜናዊ ሶርያ ትኣቱ እያ ዘላ።
ብሰንበት ፕረዝደንት ኤርዶጋን፡ ወተሃደራቱ 21 ቁሸታት ሓዊሱ ሰፊሕ ከባቢታት ከም ዝተቖጻጸሩ ተዛሪቡ ነይሩ።
ቁልፊ ወደባዊት ከተማ ራስ ኣል-ኣን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ቱርኪ ከም ዝኣተወት እውን [ዋላ'ኳ 'ሓይልታት ዲሞክራሲ ሶርያ' ንሓይልታት ቱርኪ ደፊኦም ከም ዘውጽኡዎም እንተገለጹ] ንሪፖርትራት ገሊጹ እዩ።
ኣብ ኢንግሊዝ ዝርከብ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ሰብኣዊ መሰላት ሶርያ ብወገኑ፡ ቱርኪ እተን ከተማታት ሙሉእ ንሙሉእ ከም ዝተቖጻጸረተን ይገልጽ።
ከተማታት ራስ ኣል-ኢንን ታል ኣብያድን፡ ቱርኪ ኣንጻር ሓይልታት ኩርዲ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ዘኽእሉዋ ምቹኣትን ወሰንትን ከተማታት እየን።
ኣይኤስ?
ውግእ እዞም ክልተ ሓይልታት፡ ጥርጡራት ኣባላት ኣይኤስ ኣብ ዝተኣሰሩሎም ከባቢታት'ዩ ዝካየድ ዘሎ።
በዚ ምኽንያት፡ ኩርዳውያን ሓይልታት ነዞም እሱራት ክሕልውዎም ኣይኽእሉን ተባሂሉ ይስጋእ። ድሮ፡ ኣብ መዳጎኒ ኣን ኢሳ ዝነበሩ 800 ቤተሰብ ናይቶም ወጻእተኛታት ኣባላት ኣይኤስ ከም ዝሃደሙ ተገሊጹ ኣሎ።
ጉጅለ ተቖጻጻሪ ሰብኣዊ መሰላት ሶርያ ግን እዚ ቑጽሪ ናብ 100 ትሕት የብሎ። ናበይ ከይዶም ዝብል ግን፡ ዝተፈልጠ ነገር የለን።
ብተወሳኺ፡ ኣብ 7 ኣብያተ ማእሰርቲ፡ 4 ሽሕ ዜጋታት ወጻኢ ዝርከቡዎም ልዕሊ 12 ሽሕ ጥርጡራት ኣይኤስ ኣለው ኢሉ።
ቱርኪ ድማ፡ ኣብ እዋን እቲ እተካይዶ ዘላ መጥቃዕቲ ንዝረኸበቶም እሱራት ኣይኤስ ሓላፍነት ክወስድ እየ ኢላ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







