ሰለስተ ሚልዮን ሶርያውያን ስደተኛታት 'ናብ ሃገሮም ክምለሱ ተኽእሎ ኣሎ'

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty Images
ፕረዚደንት ቱርኪ፡ ሰለስተ ሚልዮን ሶርያውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ኣብ ዘሎ 'ውሑስ ቦታ' ከዕቁቡ ተክእሎ ከምዘሎ ተዛሪቡ።
እቶም ስደተኛታት ተመሊሶም ከዕቁቡሉ ምዃኑ ዝተሓበረ ዞባ፡ ድሮ ምስ ኣመሪካ ብምትሕብባር ይዳለው ምህላዉ፡ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶዋን ገሊጹ።
ብኣመሪካ ዝድገፉ ኩርዳውያን ሓይልታት ቅድም ክብል ካብቲ ምስ ቱርኪ ዝዳበው ግዝኣት ሶርያ ከምዘንሰሓቡ ይፍለጥ።
ቱርኪ ንኩርዳውያን ሓይልታት ከም ኣሸበርቲ እያ ትሪኦም።
ኩርዳውያን ሓይልታት ነዚ ውጥን ናይ ፕረዚደንት ኤርዶዋን ከምዝቃወምዎ ይግመት።
ፕረዚደንት ኤርዶዋን ነዚ መግለጺ ዝሃበ፡ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ከምኡ ድማ ምስ ናይ ኢራን ሓሰን ሩሃኒ ኣብ ኣንካራ ልዝብ ድሕሪ ምግባሩ እዩ።
ዝሓለፈ ወርሒ፡ ቱርኪ ነቲ "ውሑስ ዞባ" ዝበለቶ መዕቆቢ ኣብ ሰሜናዊ ሶርያ ንምድላው ዝኸውን ገንዘባዊ ድጋፍ ካብ ሃገራት ዓለም እንተዘይረኺባ፡ ነቲ ሶርያውያን ስደተኛታት ናብ ኣውሮጳ ዝኸድሉ መገዲ ክትከፍቶ ምዃና ኣጠንቂቓ ነይራ።
ኣብ ቱርኪ፡ ካብቲ ኣብ 2011 ዝጀመረ ኩናት ሶርያ ዝሃደሙ ልዕሊ 3.6 ሚልዮን ሶርያውያን ስደተኛታት ኣለዉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







