ኢራቕ፡ ጃልባ ብምጥሓላ ኣስታት 100 ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ኢራቕ፡ ከተማ ሞሱል ኣብ ፈለግ ጢግሪስ ጃልባ ብምጥሓላ ኣስታት 100 ሰባት ሞይቶም።
ኣብታ ጃልባ ኣስታት 200 ሰባት ከም ዝነበሩን፡ ካብቶም ዝሞቱ እቶም ዝበዝሑ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ምዃኖምን ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢራቕ ገሊጹ።
እዛ ጃልባ ናብ ሓንቲ ብበጻሕቲ ፍትውቲ ዝኾነት ደሴት እናኸደት እንከላ'ዩ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ኣጋጢምዋ።
ካብቶም 94 ዝሞቱ፡ 19 ህጻናትን 61 ደቂ ኣንስትዮን ክኾኑ እንከለዉ ከባቢ 55 ክድሕኑ ከም ዝኸኣሉ ተፈሊጡ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እንታይ'ዩ ኣጋጢሙ?
እዛ ጃልባ፡ ካብ ማእከል ከተማ ሞሱል ኣስታት 4 ኪሎ ሜትር ርሒቓ ናብ እትርከብ ራባን እትባሃላ ደሴት'ያ ተምርሕ ነይራ። ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ኣህዛብ ናይ ኖውሩዝ ፈስቲቫል ሓድሽ ዓመት'ዮም ዘብዕሉ ነይሮም።
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርገሐ ስእሊ፡ እታ ጃልባ ናብ የማናይ ሸነኽ ድሕሪ ምግልባጣ ምሉእ ብምሉእ ማይ ኣትይዋ በቲ ብርቱዕ ውሓዚ ናይቲ ፈለግ ናብ ውሽጢ ክትኣቱ የርኢ፡ ሰባት ኣብታ ምሉእ ብምሉእ ዝተገልበጠት ጃልባ ኣብ ገለ ክፋላ ሒዞም ሓገዝ ክሓቱ ይርኣዩ ነይሮም።
ሓደ ካብታ ጃልባ ዝደሓነ ንኤኤፈፒ ከም ዝሓበሮ "እታ ጃልባ ልዕሊ ዓቐን'ያ ሰብ ጽዒና ነይራ፡ ብላዕሊ ማይ ክኣትዋ ስለ ዝጀመረ ምስቲ ክብደት ናይ ሰብ ተወሲኹ ተገልቢጣ" ድሕሪ ምባል "ብዓይነይ ብዙሓት ዝሞቱ ህጻናት ርእየ'የ" ኢሉ።

ሄሊኮፕተራትን ኣምቡላንስን ነቶም ብሂወት ዝተረፉ ክረድኣን፤ ናይቶም ዝሞቱ ሬሶኦም ኣብ ምድላይ እየን ዘለዋ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሰብ መዚ ናይ ሞሱል፤ ዲጋ ብምኽፋቱ ብራኸ ፈለግ ጢግሪስ ይብርኽ ኣሎ ብምባል ንህዝቢ ከጠንቕቁ ብምጽንሖም፡ ገለ ሰባት እቲ መራሒ ጃልባ ነዚ ምኽሪ'ዚ ዕሽሽ ኢልዎ'ዩ ብምባል ይኸስዎ ኣለዉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







