ኢራቕ፡ ጃልባ ብምጥሓላ ኣስታት 100 ሰባት ሞይቶም

እታ ጃልባ ናብ ሓንቲ ደሴት እናኸደት እንከላ'ያ ጥሒላ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, እታ ጃልባ ናብ ሓንቲ ደሴት እናኸደት እንከላ'ያ ጥሒላ

ኣብ ኢራቕ፡ ከተማ ሞሱል ኣብ ፈለግ ጢግሪስ ጃልባ ብምጥሓላ ኣስታት 100 ሰባት ሞይቶም።

ኣብታ ጃልባ ኣስታት 200 ሰባት ከም ዝነበሩን፡ ካብቶም ዝሞቱ እቶም ዝበዝሑ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ምዃኖምን ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢራቕ ገሊጹ።

እዛ ጃልባ ናብ ሓንቲ ብበጻሕቲ ፍትውቲ ዝኾነት ደሴት እናኸደት እንከላ'ዩ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ኣጋጢምዋ።

ካብቶም 94 ዝሞቱ፡ 19 ህጻናትን 61 ደቂ ኣንስትዮን ክኾኑ እንከለዉ ከባቢ 55 ክድሕኑ ከም ዝኸኣሉ ተፈሊጡ።

ድሕሪ ምጥሓል እታ ጃልባ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ወተሃደራት ኢራቕ ኣብ ምድላይ ሬሳታት ሓገዞም የበርክቱ ኣለዉ

እንታይ'ዩ ኣጋጢሙ?

እዛ ጃልባ፡ ካብ ማእከል ከተማ ሞሱል ኣስታት 4 ኪሎ ሜትር ርሒቓ ናብ እትርከብ ራባን እትባሃላ ደሴት'ያ ተምርሕ ነይራ። ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ኣህዛብ ናይ ኖውሩዝ ፈስቲቫል ሓድሽ ዓመት'ዮም ዘብዕሉ ነይሮም።

ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርገሐ ስእሊ፡ እታ ጃልባ ናብ የማናይ ሸነኽ ድሕሪ ምግልባጣ ምሉእ ብምሉእ ማይ ኣትይዋ በቲ ብርቱዕ ውሓዚ ናይቲ ፈለግ ናብ ውሽጢ ክትኣቱ የርኢ፡ ሰባት ኣብታ ምሉእ ብምሉእ ዝተገልበጠት ጃልባ ኣብ ገለ ክፋላ ሒዞም ሓገዝ ክሓቱ ይርኣዩ ነይሮም።

ሓደ ካብታ ጃልባ ዝደሓነ ንኤኤፈፒ ከም ዝሓበሮ "እታ ጃልባ ልዕሊ ዓቐን'ያ ሰብ ጽዒና ነይራ፡ ብላዕሊ ማይ ክኣትዋ ስለ ዝጀመረ ምስቲ ክብደት ናይ ሰብ ተወሲኹ ተገልቢጣ" ድሕሪ ምባል "ብዓይነይ ብዙሓት ዝሞቱ ህጻናት ርእየ'የ" ኢሉ።

Presentational white space

ሄሊኮፕተራትን ኣምቡላንስን ነቶም ብሂወት ዝተረፉ ክረድኣን፤ ናይቶም ዝሞቱ ሬሶኦም ኣብ ምድላይ እየን ዘለዋ።

ድሕሪ ምጥሓል እታ ጃልባ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሰብ መዚ ናይ ሞሱል፤ ዲጋ ብምኽፋቱ ብራኸ ፈለግ ጢግሪስ ይብርኽ ኣሎ ብምባል ንህዝቢ ከጠንቕቁ ብምጽንሖም፡ ገለ ሰባት እቲ መራሒ ጃልባ ነዚ ምኽሪ'ዚ ዕሽሽ ኢልዎ'ዩ ብምባል ይኸስዎ ኣለዉ።