እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓፍቲ መራሒ ኣይ-ኤስ ነበር ኣል-ባቕዳዲ ኣብ ቀይዲ ውዒላ
ሓፍቲ መራሒ እስላማዊ ጉጅለ ኣይ ኤስ [ዳዕሽ] ዝነበረ ኣቡ-ባክር ኣል-ባቕዳዲ ኣብ ሰሜናዊ ቱርኪ ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓለት ሰብ-ስልጣን ቱርኪ ተዛሪቦም።
ጓል 65 ዓመት ዝኾነት ወይዘሮ ራስሚያ ኣዋድ፤ ትማሊ ኣዛዝ ኣብ ዝተብሃለት ከተማ ኣብ ዝተገብረ ወተሃደራዊ ተፍትሽ እያ ተታሒዛ።
ሰበ-ስልጣናት እታ ዓዲ፡ ካብ ሓፍቲ ኣል-ባቕዳዲ ሕቡእን ወሳንን መረዳእታ ጉጅለ ዳዕሽ ክርከብ ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ኣሕዲሮም ኣለው።
ሓደ ቱርካዊ በዓል ስልጣን ንሮይተርስ ከምዝበሎ፡ እቲ መረዳእታ ብፍላይ ድማ ውሽጣዊ ኣሰራርሓ'ቲ ጉጅለ ንምፍላጥ ክጠቅም ይኽእል'ዩ ኢሉ።
ብዛዕባ እዛ ሓፍቲ ኣል-ባቕዳዲ ብዙሕ ዝፍለጥ ነገር የለን። ቢቢሲ እንተኾነ'ውን መንነታ ብዝምልከት ካብ ሳልሳይ መንጎኛ ኣካል ከረጋግጾ ኣይከኣለን።
ኒው ዮርክ ታይምስ፡ ኣል-ባቕዳዲ ሓሙሽተ ኣወዳትን ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣሕዋትን ከምዘለወኦ ገሊጹ።
እዛ ኣሌፖ ኣብ ዝተብሃለ ክልል ቱርኪ ዝተታሕዘት ወይዘሮ ኣዋድ፡ ምስ በዓል ቤታን ጓል ሰብኣያን ካልኦት ሓሙሽተ ደቃን እያ ተረኺባ።
ካብኡ ብዛዕባ እቲ ጉጅለ ብዙሕ 'ስለያዊ' መረዳእታ ክርከብ እዩ ተባሂሉ'ኳ እንተተገመተ፤ "ምስ ኣል-ባቕዳዲ ክንደይ ዝኣክል ጊዜ ተሕልፍ ነይራ?" ዝብል ግን ንባዕሉ ሕቶ'ዩ ዘሎ።
ኣል-ባቕዳዲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብኣመሪካ ወተሃደራት ኣብ ዝተኻየደ ኦፕሬሽን ዓርሰ ቕትለት ከምዝፈጸመ ይዝረብ።
ፕረዚደንት ትራምፕ፡ እቲ ሬሳ ናቱ ናይ ኣል-ባቕዳዲ ከምዝኾነ ብናይ ዲ ኤን ኤ ምርመራ ከምዝተረጋገጸ ምዝራቡ ዝዝከር እዩ።
ድሕሪ እቲ ቅትለት፡ ጉጅለ ዳዕሽ ንኣቡ-ኢብራኢም ኣል-ሓሸሚ ኣል-ቁራሺ ሓድሽ መራሒኡ ንክኸውን ከምዝረቕሖ ኣፍሊጡ።