ግብጺ ተኣሲሮም ዝነበሩ 32 ኢትዮጵያዉያን ፈቲሓ

ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ (ዶክተር) ኣብ ግብጺ ኣብ ዝነበሮ ዑደት ስራሕ ክልተ መዓልታት ምስ ፕረዚደንት እታ ሃገር ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲ ድሕሪ ዘካየዶ ዘተ፡ ግብጺ ኣብ ሃገራ ዝነበሩ ኢትዮጵያዉያን እሱራት ፈቲሓ።

ትማሊ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈትሑ 32 ኢትዮጵያዉያን ሎም መዓልቲ ናብ ሃገሮም ከምዝምለሱ ፍሉይ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ቐዳማይ ሚኒስተር ኣቶ ፍጹም ኣረጋ ኣብ ትዊተር ገጹ ሓቢሩ።

ካብዚ ሓሊፉ ኢሉ ኣቶ ፍጹም፡ ኣብ በረኻታት ሊቢያ ብኣሸባሪ ጉጅለ ዳዕሽ ብግፍዒ ናይ ዝተቐተሉ ኢትዮጵያዉያን ኣስክሬን ኣብ ምእላሽ ግብጺ ከምእትሕግዝ ቃል ኣትያ ኢሉ።

ትማሊ ናብ ግብጺ ዘምረሐ ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ምስ ፕረዚደንት ኣልሲሲ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዝዘተየ ኾይኑ፡ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዙርያ ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ምልማዕ ክልቲኤን ሃገራት ብዘኽበረ መልክዑ ብሓድሽ መንፈስ ብሓባር ክሰርሓ ተሰማሚዖም።

ካብዚ ሓሊፉ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለዩ መደባት ልምዓት ብሓባር ክሰርሓ ከምዝግባእ ተዛትዮም።

መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ዉጽኢታዊ ክልትኣዉን ኣህጉራዉን ዘተ ከምዘካየዱ ዝገለጸ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ግብጺ ታየ ኣጽቀስላሴ ክልቲኦም መራሕቲ ርክብ እዘን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ስትራቴጂካዊ ብርኪ ምሕዝነት ንምብጻሕ ኣብ ምርድዳእ ከምዝበጽሑ ኣብ ትዊተር ገጹ ጽሒፉ።