ውዕል ኣልጀርስ 'ናይ መወዳእታን ቀያድን' ብይን

መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ፅባሕ እቲ ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወት ዘስዓበ ካብ ግንቦት 1998 ክሳብ ሰነ 2000 ዝተኻየደ ኲናት ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ፡ ኣብ ሞንጎ ክልትኤን ሃገራት ዕርቅን ምርድዳእን ከምዝፈጥር ዝተኣመነሉ ሰነድ ኣብ ኣልጀርያ ከተማ ኣልጀርስ'ዩ ተፈሪሙ።

ዕለት 3 ታሕሳስ 1993 ዓ/ም ከም ኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ (12 ታሕሳስ 2000)፡ ኣብ ሞንጎ ቀዳማይ ሚንስትር ነበር መለስ ዜናዊን ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ዝተፈረመ በዓል 6 ዓንቀፃት ሰነድ ስምምዕ ኣርባዕተ መሰረታውያን ሸቶታት ነይሮምዎ።

ንሳቶም'ውን

  • ኣብ ሞንጎ ክልትኤን ሃገራት ዝነበረ መንፈስ ፅልኣት ምቁራፅ ከምኡ ድማ ካብ ምፍርራሕን ሓይሊ ዝተመልኦ ስጉምትታት ምርሓቕ
  • ቅድሚኡ ኣብ ባሕቲ ሰነ/1992 (2000) ዝተበፅሐ ሓንቲ ነታ ካልአይቲ ከም ፀላኢ ናይ ዘይምርኣይን ናይ ምቁራጽ ተጻቦኦታት ስምምዕ ክኽበርን ክፍፀምን ውሕስና ምሃብ
  • ኣብ ማእሰርቲ ዝነበሩ ምሩኻትን ካልኦት ውልቀ-ሰባትን ነናብ ሃገራቶም ክምልሱ ምግባር
  • ክልትኤን ሃገራት ኣብ ግዝኣተን ዝርከቡ ዜጋታት (እታ ሓንቲ ናይታ ካልእ) ሰብኣዊ መሰላቶም ክሕሎን ምግባር እዮም።

እቲ ሰነድ፡ እቶም ዝተዘርዘሩ ሸቶታት ንኽፍፀሙ፡ ነፃ ናይ ዶብን ካሕሳን ኮሚሽናት ንኽምስረቱ'ውን መበገሲ ኮይኑ።

ሓሙሽተ ኣባላት ዝሓቖፈ ኮሚሽን ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ፡ ብናይ ባዕሉ መገዲ ምርመራ ኣካይዱ፡ ንዘይምርድዳእ ምኽንያት ዝኾኑ ናይ ዶብ ከባብታት ነየነይቲ ሃገር ከምዝግብኡ ንምውሳን ክኽእል ኣብ ስምምዕ በፂሑ።

ኣብ ውሽጢ እቲ ሰነድ፡ ዓንቀፅ 2 (2) ቅድም ኢሎም ዝነበሩ ሕግታት መግዛእትን ዓለም ለኻዊ ሕግን መሰረት ብምግባር እቲ ኮሚሽን ውሳነ ንኸሕልፍ ተጠቒሱ'ዩ።

ከምኡ'ውን ኣብ ዓንቀፅ 2 (15) እቲ ኮሚሽን ዝህቦ ውሳነ ደረትን ምኽላልን ናይ መወዳእታን ቀያድን ንክኽውን ተነፂሩ ነይሩ።

ክልትኤን ሃገራት ዘለወን መረዳእታታት ብምቕራብ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ኔዘርላንድ ዘ-ሄግ ዝነበረ ኮሚሽን ተኻቲዐን።

ብ1996 (ሚያዝያ 2002) ኮሚሽን ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ውሳነ ኣሕሊፉ። ብመሰረት እቲ ውሳነ እታ ክልትኤን ሃገራት ካብ ዝተዋግኣለን ቦታታት ሓንቲ ዝነበረት ባድመ ግዝኣት ኤርትራ ንክትኸውን ተበይኑ።

ኢትዮጵያ ግን ነቲ ውሳነ ብምንፃግ ወተሃደራታ ካብቲ ቦታ ክተውፅእ ኣይደለየትን።

ነቲ ውሳነ ስዒቡ ምጥራር ዶብ ክፍፀም እንተኾይኑ ኣብ ግምት ክኣትዉ ዝግብኦም ነገራት ስለዘለዉ፡ ክፍጠሩ ይኽእሉ ዝበለቶም ፀገማት ብምዝርዛር፡ ኣብ ሞንጎ ክልትኤን ሃገራት ተወሰኽቲ ልዝባት ክካየዱ ሓቲታ።

ኤርትራ ንሕቶ ኢትዮጵያ ከይተቐበለት ተሪፋ። እዚ ድማ፡ ጉዳይ ዶብ ኣብ ሞንጎ ክልትኤን ሃገርት ን16 ዓመታት ዝቐፀለ ቅርሕንቲ ክፍጠር መንቀሊ ኮይኑ።

ኤርትራ ንዝሓለፉ ዓመታት፡ ስምምዕ ኣልጀርስ ንኽፍፀም ክትሓትት ፀኒሓ። ክፍፀም እንተዘይኪኢሉ ግን ሰላም ክህሉ ዘይሕሰብ ደጋጊማ ኣፍሊጣ።

ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመፁ ንደሓር፡ ከም ዝሰርሕዎም ካብ ሞንጎ ዝገለፅዎም እቲ ሓደ፡ ምስ ኤርትራ ዕርቂ ምግባርን ሰላም ምፍጣርን እዩ።

ይኹን ዳኣ'ምበር እዚ ዝኸውን ስምምዕ ኣልጀርስ ክፍፀም ከሎ ጥራሕ ከምዝኸውን ሚንስተር ሚንስትሪ ዜና ኤርትራ ኣይተ የማነ ገብረመስቀል ምላሽ ሂቦም።

ትማሊ ስሩዕ ኣኼብኡ ዘካየደ ኮሚተ ፈፃሚት ስራሕ ኢህወዴግ፡ ንመፃኢ ሰላም ክልትኤን ሃገራትን ኣሓት ህዝብታትን ክባሃል ኢትዮጵያ ንስምምዕ ኣልጀርስ ተግባራዊ ከምእትገብር ኣፍሊጡ።

እዚ ድማ ክልትኤን ሃገራት ን20 ዓመታት ተፋጢጠን ንኽፅንሓ ዝገበረ ጉዳይ ዶብ ክፈትሕ'ዶ ይኸውን? ዝብል ተስፋ ዝሓዘለ ሕቶ ንክለዓል ምኽንያት ኮይኑ'ሎ።

ኤርትራ፡ ንለውጢ ቅዋም ኢትዮጵያ መሰረት ብምግባር እትወስዶ ስጉምቲ ምትፍናን ክልትኤን ሃገራት ንከብቅዕ ይኹን ንክቕፅል ወሳናይ እዩ።

ንውሳነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስዒቡ ክሳብ ሕዚ ካብ መራሕቲ ኤርትራ ዝተውሃበ መግለፂ የለን።