ጉዳይ ዶባት ኢትዮ ኤርትራ ብዓይኒ ኢትዮጵያውያን

ካርታ ኢትዮ-ኤርትራ
    • Author, ግርማይ ገብሩ
    • Role, ሪፖርተር፡ ቢቢሲ ትግርኛ

ፈጻሚ ስራሕ ኢሂወዴግ ኣብ ዝጸወዖ ህጹጽ ኣኼባ ንውዕል ኣልጀርስ ብዘይ ቅድመ ኩነት ምቕባሉ ምስሓበረ ኣብ ትግራይ ብፍላይ ከኣ ኣብ ዶባት ሓያል ተቓውሞ ህዝቢ ይረአ ኣሎ።

እዚ ንርእይቶን ስምዒትን ምሁራትን ሞያውያንን ዜጋታት ዘካተተ ዓንቀጽ እምበኣር እነሆ።

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንኣስታት ክልተ ዓመት ድሕሪ ዝተኻየደ ኩናት ብስምምዕ ኣልጀርስ ዝቖመ ኮሚሽን ዶባት ኢትዮ ኤርትራ ዝሃቦ ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን ካብ ዝወሃብ 16 ዓመታት ኮይኑዎ ኣሎ።

እቲ ባድመ ንኤርትራ ዝሃበ ብይን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ብይን ንነበርቲ ሓያሎ ዓድታት ስለዘመዛብል ቅድም ንዛተ ዝብል ቅድመ ኩነት ብምቕራቡን፡ መንግስቲ ኤርትራ ከኣ እታ ቤት ፍርዲ ዝሃበና ውሳነ ኢና ነተግብር ስለዝበለ ኣይተተግበረን።

ክልቲኦም ስርዓታት ቁጠባዊ ማህሰይትን ክሳራን ኣጋጢሙዎም ነበርቲ ዶባት ክልቲኡ ህዝብታት፡ እቲ ጉዳይ ሎሚ'ዶ ጽባሕ ይፍታሕ ይኸውን ክብሉ ኣብ ሰንፈላል ይርከቡ ኣለዉ።

ፈጻሚ ስራሕ ኢሂወዴግ ብ28 ግንቦት 2010/ ብ05 ሰነ 2018 ህጹጽ ኣኼባ ብምፅዋዕ ንውዕል ኣልጀርስ ብዘይ ቅድመ ኩነት ከምዝተቐበሎ ምስ ኣወጀ::

ኣብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክልተ ስምዒት ተፈራረቐ፤ ገሊኡ መሬትና ኣሕሊፍና ኣይንህብን ክሳድና ንኻራ ክብል እንከሎ ገሊኡ ከኣ ብድብድቡ ሰላም ኢና ንደሊ በለ።

ኣብ ከባብታት ዶብ ዝረአ ዘሎ ድማ ዝተፈለየ እዩ:: ብፍላይ ወረዳ ብሄረሰብ ኢሮብ ኣብ ከተማ ደውሃን ወፂኡ ንመርገፂ ኢህወዴግ ከምዝቃወም ብዓውታ ኣፍለጠ::

ብድሕሪኡ ከኣ ብኣሻሓት ዝቑፀር ህዝቢ ባድመን ከባቢኣን "ባድመ ትማሊ ኮነ ሎሚ ኣካል ኢትዮጵያ እያ" ብምባል ሰልፊ ወጽአ:: ትማሊ ድማ ህዝቢ ዓዲ ፀፀር "ንሕናን መሬትናን ኢትዮጵያውያን ኢና" ብምባል መርገጺኡ ኣፍለጠ።

እሞኸ! እዚ ጉዳይ እዚ ናበይ እዩ ከምርሕ? ብኸመይ እዩ'ኸ መዓልቦ ክረክብ? ንዝብል ሕቶ ምሁራትን ሞያውያንን ርእይተኦም ኣካፊሎም ኣለዉ።

ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር መኮነን ፍስሃ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ሕገ መንግስትን ጉዳያት ሰብኣዊ መሰልን ይምህሩ::

ንሶም ንቲ ሓሳብ ብሕጋዊ ትሕዝትኡ፡ "ውድብ ኢህወዴግ ውዕል ኣልጀርስ ክንቅበል ኢና ምባሉ ፖለቲካዊ ትርጉም ጥራሕ እዩ ዘለዎ:: ናይቲ ውድብ መርገፂ እዩ ዝነግረና:: እቲ ውዕሊ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕዚ ዝተፈለየ ቀያዳይ ሓይሊ ክህልዎ እንተኾይኑ: ብሕጋዊ መንገዲ ክሓልፍ ኣለዎ::

እዚ ማለት ድማ ብቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣቢሉ ናብ ሃገራዊ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ቀሪቡ እንተዘይፀዲቑ ሕገ መንግስታዊ ኣይኮነን:: ስለዚ ዛጊድ ፖለቲካዊ መርገፂ ኢህወዴግ እምበር ቅዋም መንግስቲ ኮይኑ ኣይቀረበን ዘሎ" ክበሉ ክማላእ ዘለዎ ሕጋዊ መስርሕ ከምዘሎ ይሕብሩ።

ሓጋዚ ፕሮፌሰር መኮነን ፍስሃ

ምንጪ ስእሊ, መኮነን ፍስሃ

መግለጺ ስእሊ, ሓጋዚ ፕሮፌሰር መኮነን ፍስሃ

እቲ ውሳነ ብኸመይ እዩ ክትግበር?

ህዝቢ ንቲ ብውድብ ኢህወዴግ ተቐባልነት ረኺቡ ዝሎ ውሳነ ኣትሪሩ ብምቅዋም፡ እስኪ እቲ ዝግበር ክንርኢ ኢና ብምባል ይምጉት'ሎ::

እሞኸ ደኣ ገዛኢ ውድብ ኢህወዴግ ንቲ ውሳነ ብኸመይ እዩ ከተግብሮ? ይካኣል'ዶ ኸ?

ሓጋዚ ፕሮፌሰር መኮነን፡ "እቲ ናይ ኣልጀርስ ስምምዕ ብዙሓት ናይ ሕጋዉነት ሕቶታት ዋላ'ኳ እንተሃለዉዎ ምስ ጸገማቱ መንግስቲ፡ እቲ ንኤርትራ እዩ ተባሂሉ ዝተወሰነ መሬት ክቕበሎ እንተኾይኑ፡ ፍቓድ ህዝቢ የድልዮ። እቲ ዓለምለኸ ሕጊ ክፍፀም እዩ ዝግበኦ ኮይኑ ግና ህዝቢ ከየሳተፍካ ክትግበር ኣፀጋሚ እዩ። ካብኡ ተረፈ፡ ዶብ እንትጥረር ህዝቢ ስለዝኣበየ መንግስቲ ኣየረክብን ክብል የብሉን" ይብሉ።

እቶም ፕሮፌሰር ወሲኾም "ብፍላይ ከዓ ከም ኢሮብ ዝበለ ብሄረሰብ ብዓለምለኸ ፍሉይ ሓለዋን ጠመተን ኣለዎ:: ምኽንያቱ እቲ ህዝቢ ኣብ ክልተ እንተተገሚዑ ዓሌቱ ክጠፍእ ይኽእል እዩ:: ስለዚ ድሕሪ እቲ ምጥራር ዶብ፡ እቶም ህዝቢ ከመይ እዮም ክኾኑ ዝብል መምርሒ ወፂኡሉ ብደንቢ ክረአ ይግባእ" ኢሎም።

ብመሰረት እምነት መምህር መኮነን ጠንቂ እቲ ጎንፂ ጉዳይ ዶብ ኣይነበረን:: እቲ ጎንፂ ቁጠባዊ ትሕዝቶ እውን ነይሩዎ'ዩ:: ስለዚ ዓለምለኸ ሕጊ ብጥሪኡ ይተግበር ካብ ምባል ንናይ ክልቲኡ ህዝቢ ረብሓ ብዘማልእ መንገዲ ክውሰን ኣለዎ:: እዚ ድማ መራሕቲ ክልቲኡ ሃገር ኮፍ ኢሎም ተዛትዮም ከተግብርዎ ይግባእ::

ኣብ ውዕል ኣልጀርስ ምጥራር ዶብ ሓንቲ ትሕዝቶ እያ:: ካልኦት ክትግበሩ ዝግበኦም ከም ጉዳይ ካሕሳ ዝኣመሰሉ ብርክት ዝበሉ ትሕዝቶታት እውን ኣለዉ:: ስለዚ ኣብቲ ዞባ ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ብዘረጋግፅ እዩ ክውሰን ዘለዎ ዝብል ሓሳብ ሂቦም::

ኣብ መወዳእታ "ዓለም ለኸ ስምምዕነት ክፍፀም ዘለዎ፡ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ረብሓ ህዝቢ ብዘረጋግፅ መልክዑ ክኸውን ከም ዝግበኦን ክፍፀም እንተኾይኑ'ውን መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝብታት፣ ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ብዘረጋግፅ መልክዕ ክኸውን ከም ዘለዎን ክስመረሉ ይግበኦ" ይብሉ ሓጋዚ ፕሮፌሰር መኮነን ፍስሃ::

ግን ስለምንታይ እዩ ህዝቢ ነቲ ውሳኑ ዝቃወሞ ዘሎ?

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብታ ኣብ ጉዳይ ኣፍሪካ ጠሚታ ትሕተም መፅሄት "Discourse" ማኔጂንግ ኤዲተር ኮይኑ ይሰርሕ ነባር ጋዜጠኛ ሚኪኤለ ምናሴ፡ "ህዝቢ ሰላም ይደሊ እዩ:: በቲ ጎንፂ እውን ኣዝዩ ስለዝተሃሰየ እቲ ፀገም ብሰላማዊ መንገዲ መዓልቦ ክረክብ እውን ይደሊ:: ኮይኑ ግና ህዝቢ በዓል ዋና ኣብ ዝኾነሉ ጉዳይ እኹል ሓበሬታ ኣይረክብን ነይሩ:: ኣካል እቲ መፍትሒ እውን ኣይነበረን::

ጋዜጠኛ ምኪኤለ ምናሴ

ምንጪ ስእሊ, ምኪኤለ ምናሴ

መግለጺ ስእሊ, ጋዜጠኛ ምኪኤለ ምናሴ

ህዝቢ ብወከልቱ ኣቢሉ ነቲ ፀገም ክፈትሕ ስለዝደሊ እዩ ንኢህወዴግ መሪፁ:: በዚ እምነቶም እዩ መሪፅዎም:: እምነቶም ክቕይሩ እንተኾይኖም ግን ንቲ ዝመረፆም ህዝቢ ከማኽርዎ ነይሩዎም:: ከምኡ እንተዘይገይሮም ግድን እዩ ክቃወሞም" ክብል ርእይቶኡ የቐምጥ።

ሚኪኤለ ተዘክሮኡ ብምፍታሽ "ኣብ ሓደ እዋን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ናይ ጸጥታ ዞባ ዝሕልዉ ዝነበሩ ሰራዊት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብሰንኪ መንግስቲ ኤርትራ ተደፊኦም ምስወጽኡ፡ ሻቡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ውዕል ኣልጀርስ ብሰንኪ መንግስቲ ኤርትራ ብርእዮ ከምዝተጣሓሰ ዕላዊ መግለፂ ኣውጺኡ ነይሩ። ሕዚ ደኣ ስለምንታይ ተቐቢሉዎ?" ብምባል ሕቶ የቐምጥ።

"ምእንተ ፅባሕ ተባሂሉ እቲ ውሳነ ይተግበር"

ኣብ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ቤት ትምህርቲ ራውያን መምህር ስነ ህይወት ብርሃነ ተኽሉ ዝተፈለየ እምነት ኣለዎም::

"ምእንተ ሰላም ተባሂሉ ብዙሕ ህይወት ተኸፊሉ እዩ:: ሎሚ'ውን ምእንተ ሰላም ተባሂሉ እቲ ውሳነ ግብራዊ ክኸውን ተሓሲቡ ኣሎ:: ብወገን መርገፂ ውድብ ኢህወዴግ እቕበሎ እየ::

ዝሓለፈ ሓሊፉ እዩ:: ምእንተ ዝሓሸ መፃኢ ክልቲኦም ህዝብታት መስዋእትነት ክኽፈል ግድን እዩ:: እቶም ንዓና ዝውክሉ መራሕትና ብፍላይ መራሕቲ ህወሓት ንህዝቢ ዝጎድእ ውሳነ ይውስኑ እዮም ኢለ ኣይሓስብን::

ቅድሚ ሕዚ እውን እኮ ኣብ ኣተገባብርኡ ተቐራሪብና ንዛተ እዮም ዝበሉ እምበር ነቲ ውዕል ዘይተቐበሉዎ ኣይኮኑን:: ስለ'ዚ ምእንተ ፅባሕ ዝበለፀ ክኸውን እቲ ውሳነ ይተግበር" ብምባል ዓርሰ ርእይትኦም ገሊፆም::

ፀሓፍን ፖለቲከኛን ኣስራት ኣብርሃም

ምንጪ ስእሊ, ፀሓፍን ፖለቲከኛን ኣስራት ኣብርሃም

መግለጺ ስእሊ, ፀሓፍን ፖለቲከኛን ኣስራት ኣብርሃም

ኣስራት ኣብርሃም ፀሓፍን ፖለቲከኛን እዩ:: ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣባባ ኣብ ናይ ውልቀ ስርሑ ወፊሩ ኣሎ:: ኣስራት ደራሲ እታ ፅቡቕ ተቐባልነት ዝረኸበትን ንሻውዓይ ግዜ ትሕተም ዘላን መፅሓፍ "ከአገር በስተጀርባ" እዩ:: እታ መፅሓፍ ኣብ ጉዳያት ኢትዮጵያን ኤርትራን እያ ትዝቲ::

ኣስራት ኣብርሃም፡ ሰልፊ ተቓውሞ ኣንፃር መርገፂ ኢህወዴግ ኣብ ውዕል ኣልጀርስ ንምንታይ እዩ ኣብ ትግራይ ጥራሕ ዝድረት ዘሎ ንዝብል ፖለቲካዊ ትንታነ ብምሃብ የብርሆ::

"ፖለቲካዊ ህይወት ኢትዮጵያ ይቀያየር እዩ ዘሎ:: እቲ ሃገራዊ ሓድነት ዝበሃል ቀደሙ እውን ንስሙ እዩ ነይሩ:: ሕዚ እውን ኩሉ ነናብ ብሄሩ ስለዝተመለሰ ኢትዮጵያውነት ዳርጋ የለን::

ኩሉ ኣብ ውሻጠ ብሄሩ ኣትዩ ይሓስብ ስለዘሎ ጉዳይ ባድመ ኣየሳሕዮን'ዩ:: ፍርቂ ትግራይ ሂብካ ወደብ ዓሰብ ምምላስ ይሓይሽ ዝብሉ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣለዉ:: ዘይኩርምትኻስያ ሑፃ ቆርጥመሉ እንድዩ፡ በዓል ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ መሬት ኢትዮጵያ ሂቦም ምስ ኤርትራ ክዋገዩ ከም ዝደልዩ ኣካይዳኦም ይነግር" ብምባል ይትንትን::

ኣስራት ኣብርሃም ኣባል መስራቲ ውድብ ዓረና ትግራይ ምንባሩ ይፍለጥ:: ቅድሚ ዓመታት ዓርሱ ካብቲ ውድብ ኣግሊሉ:: ኣብዚ ሕዚ እዋን ሓይሉ ኣብ መፅናዕትን ምርምርን ከምኡ እውን ምፅሓፍን ተፀሚዱ ኣሎ::

ፖለቲካዊ ረስኒ ኢትዮጵያ እንትግምግም ድሕሪ ደጊም ኢትዮጵያ ከም ሃገር ናይ ምቕፃል ዕድላ ዝመንመነ እዩ ይብል።

"እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኮይኑ ተሸይሙ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስትር ላዕሊ ላዕሊ እዩ ዝኸይድ ዘሎ እምበር መሰረታዊ ፀገም ኣይነቅስን ዘሎ::

ስለዚ እታ ሃገር ኣብ ረግረግ ኣትያ ኣላ:: ብኻልእ ገፅ ህዝብታት ትግራይን ኤርትራን ሓደ ኢኹም ከድኩም መፃኹም ፍልልይ የብሉን ዝብሉ ፖለቲካዊ ሓይልታት ድማ ኣለዉ:: ስለዝስ በቲ ዝኸድዎ ዘለዉ ኣካይዳ ብዛዕባ ባድመ ዘይምግዳሶም ኣይገርምን::

መራሕቲ ውድብ ህወሓት ከዓ ነቲ ኩነታት ይርድእዎ ኣለዉ ኢለ ኣይኣምንን:: ኣብ ክንዲ ነቲ ጭቡጥ ፖለቲካዊ ኩነታት ምግምጋም በቲ ናይ ቀደም መነፅር እዮም ዝርእዪ ዘለዉ" ብምባል ኣቦይን እነይን ነንበይኑ ጸሎቶም ዝዓይነቱ ኣካይዳ ይርኢ ምህላዉ ይዛረብ::

ተወሳኺ ፅልኣት ኣብ ልዕሊ ውድብ ኢህወዴግ

ቤት ምኽሪ ውድብ ኢህወዴግ ውዕል ኣልጀርስ ምሉእ ብምሉእ ተቐቢልናዮ ዝብል መግለፂ ምስ ሃቡ ዋላ እኳ ዝርዝር ትሕዝትኡ ብንፁር ኣይቕረብ "እቲ ውሳነ ባድመ ንኤርትራ ኣሕሊፉ ዝህብ እዩ" ተባሂሉ ስለዝተወረየ "ንምንታይ ደኣ ንዘይ መሬትና መስዋእቲ ከፊልና?" ብዝብል ህዝቢ ነበለት ሓያል ቅሬታን ስምዒትን ከምዝሓደሮ ነጋዳይ ተኽለኣብ ተስፋይ ካብቲ ከባቢ ይዛረብ::

ብነብሱ እኳ ምስ ህወሓት ዘይተቓደወ ህዝቢ ነበለት እቲ ናይ ሕዚ ውሳነ ተቐቢልናዮ ዝብል ወረ ምስ ሰመዐ ነቲ ስኩሉስ ወሲኻትሉ ከም ዝበሃል ኣብ ልዕሊ ውድብ ህወሓት ሓያል ፅልኣት ኣሕዲሩ ኣሎ::

"ህዝቢ ነበለት በቲ ኣብታ ሃገር ዝቀላቐል ዘሎ ነገር ስግኣት ይሓድሮ'ሎ:: ድልየቶም ንትግራይ ንምድኻም ድዩ? እንትብል ይሓትት:: ሕቶታት ወልቃይትን ዶብን ተደማሚሩ ንትግራይ ንምጥፋእ ዝዓለመ ውዲት ይእለም ከይህሉ ስግኣት ይፈጥረልና'ሎ::

ምእንተ ሰላም ተባሂሉ ድዩ መሬት ዝሽየጥ ዘሎ ዋላስ ቀደሙ እውን መሬቶም እዩ ነይሩ? ንምንታይ ደኣ መስዋእቲ ተኸፊልዎ? ብምባል ህዝቢ ኣብ ፀበልን ካልእን ከውግዐሉ ይውዕል:: ብሰንኪ እዚ ከቢድ ሓዘን ኣንፀላልዪ ኣሎ" ብምባል ዝተሰመዖ ጓሂ ገሊፁ::

ኣብ ጉዳይ ሃገር ኢህወዴግ በይኑ ክውስን ስልጣን የብሉን

ኣቦመንበር ውድብ ሰማያዊ የሺዋስ ኣሰፋ

ምንጪ ስእሊ, የሺዋስ ኣሰፋ

መግለጺ ስእሊ, ኣቦመንበር ውድብ ሰማያዊ የሺዋስ ኣሰፋ

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ውድባት ኣለዉ:: ብዛዕባ እቲ ገዛኢ ውድብ ብዘየማትእ ተቐቢለዮ ዝበሎ ስምምዕ ኣልጀርስ 'ታይ ይብሉ::

ኣይተ የሺዋስ ኣሰፋ ኣቦ መንበር ሰማያዊ ውድብ እዮም::

"ጉዳይ ሃገር ንኹልና ዝምልከት እንተኾይኑ ኣብ ህልውና ሃገር በይኑ ኢህወዴግ ክውስን ሕጋዊ ስልጣን የብሉን:: ብፍላይ ድማ ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ቀዳማይ ሚኒስትር ኮይኖም ምስ ተሸሙ ጉዳያትና ተላዚብና ክንፈትሕ ኢና እንትብሉ ሰሚዕና ነይርና::

ንምንታይ ደኣ ዘየማኸሩና? ንምንታይ ደኣ ኣብ ጉዳይ ሉኣላውነት ሃገር ምስ ሊቃውንቲ ዘይዘተዩ? እዚ ዓብዪ ጌጋ እዩ" ብምባል ጉዳይ ሃገር ዝምልከት ዛዕባ ሃንደበት ክሰምዕዎ ስለዝተገብረ ከምዘገረሞም ተዛሪቦም::

ብምቕፃል "ብደረጃ መትከል ጎንፂ ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ዝግበር ሓሳብን ፃዕርን ብልቢ ኢና ንድግፎ:: ሰናይ ጉርብትና ምፍጣር: ኣብ ምድግጋፍ ዝተመስረተ ሕውነት ምምስራት ብደንቢ ኢና ንቕበሎን ነኽብሮን::

ነገር ግን ከምዚ ዝበለ ዝሃፀፀን ሃንደበት ዝወረደን ህዝቢ ዘይመኸረሉ ውሳነ ብፅንዓት ኢና ንኹንኖ:: ስለዚ ዳግም ከረአ ይግባእ" እንትብሉ ተማሕፂኖም::

ኣብዚ ሕዚ እዋን ጉዳይ ምጥራር ዶብን ተዛመድቲ ጉዳያትን ኣመልኪቱ ዘይዝትየሉ ሰብ ዳርጋ የለን ምባል ይቐልል::

ካብ ዝነኣሰ ክሳብ ዝዓበየ "ባድመስ ንኤርትራ ክትወሃብ ኢህወዴግ ተቐቢልዎ!!" ዘይብል ሰብ የለን::

ብኣንፃሩ ድማ ብድፍኑ ሰላም ኢና ንደሊ:: ብፍላይ ምስ ኤርትራውያን ኣሕዋትና ብስኒት ክንነብር ኢና ንደሊ ዝብል እውን ኣይተሳእነን::

እቲ ማእከላይ ሓሳብ ግና ዝኾነስ ክኸውን ምስ ህዝቦም ዘይመኽሩ ዝብል ርእይቶ ዓብሊሉ ይስማዕ::

ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ድማ ህጹጽ ኣኼባ ፀዊዑ ኣዳራሽ ብገርገራ ሃርሂሩ ይዛተ'ሎ:: እንታይ ሓዱሽ ሓሳብ ሒዙ ከምዝመጽእ ከኣ ጸኒሑ ክረአ እዩ::