ፕረዚደንት ኣይቬሪኮስትን ተቃዋሚኡን ድሕሪ ኵናት ሓድሕድእታ ሃገር ንመጀመርታ ግዜ ተራኺቦም

ፕረዚደንት ኣይቮሪኮስት ነበር ሎረት ግባግቦ [ጸጋማይ]፡ ፕረዚደንት ኣይቮሪኮስት ኣላሳነ ኦታራ [የማናይ]

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ኣይቮሪኮስት ነበር ሎረት ግባግቦ [ጸጋማይ]፡ ፕረዚደንት ኣይቮሪኮስት ኣላሳነ ኦታራ [የማናይ]

ፕረዚደንት ኣይቬሪኮስት ኣላሳነ ኦታራን ተቓዋሚኡ ሎረት ግባግቦን ድሕሪ 10 ዓመታት ንመጀመርታ ገጽ ንገጽ ተራኺቦም።

ፍሕፍሐ እዞም ክልተ ጎባልል ፖለቲካ ኣይቬሪኮስት፡ ሎረት ግባግቦ ንውጽኢት ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣይቕበለን እየ ድሕሪ ምባሉ'ዩ ናብ ጥርዚ በጺሑ።

ከም ውጽኢቱ ኸኣ ልዕሊ 3000 ሰባት ተቐቲሎም።

ሎረት ግባግቦ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ፈጺምካ ኢኻ ኢሉ ምስ ኣዕደዮ እዩ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ኣይቬሪኮስት ተመሊሱ።

ፕረዚደንት ኣላሳነ ኦታራን ሎረት ግባግቦን በብወገኖም ንሰላምን ዕርቅን ክጽውዑ ጸኒሖም'ዮም።

ፕረዚደንት ኣላሳነ ኦታራ፡ ንሎረት ግባግቦ ብሰሉስ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣቢጃን ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት እዩ ናይ እንቋዕ ድሓን መጻእካ ኣቐባብላ ገይርሉ።

ኣላሳነ ኦታራ ንሎረት ግባግቦን "ንዓኻ ምርካበይ ኣዝየ ሕጉስ'የ" ኢልዎ።

ክልቲኦም ብብሩህ ፍሽኽታ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ዝተሰኣልዎ ስእሊ ኸኣ ንዝበዝሐ ህዝቢ እታ ሃገር ተስፋ ሰላም ኣስኒቕዎ ኣሎ።

ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ፕረዚደንት ኣላሳነ ኦታራ "ኣብዚ እዋን ንኣይቬሪኮስት ዘድልያ ሰላም እዩ" ክብል እንከሎ ሎረት ግባግቦ ብወገኑ ብሰንኪ እቲ ኵናት ሓድሕድ ዝተኣሰሩ ኩሎም ክፍትሑ ጸዊዑ ኣሎ።

ብዙሓት፡ ርክብ እዞም ክልተ ጸለውቲ ፖለቲከኛታተ ንሕማም ኣይቮሪኮስት ዝፍውስ እዩ ኢሎም ክገልጽዎ እንከለዉ ወሃቢ ቃል ሎረት ግባግቦ፡ ጁስቲን ካቲናን ኮነ ግን "ህዝቢ ብዙሕ ክጽበ የብሉን" ኢሉ።

ሎረት ግባግቦ ኣብ ሚያዝያ 2011 እዩ ኣብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ንዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ተዋሂቡ።

ሎረት ግቦግባ ካብ 2000 ክሳብ እዋን ማእሰርቱ ንሃገረ ኣይቮሪኮስት ብፕረዚደንትነት ዝመርሐ እዩ።

ግባግቦ እቲ ብቤት ፍርዲ ዝተበየነሉ ፍርዲ ምስ ወደአ ኣብ ርእሰ ከተማ ብራስለስ ክነብር ድሕሪ ምጽናሕ ብፕረዚደንት ኣላሳነ ኦታራ ብዝተገበረሉ ዕድመ'ዩ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ።

ግባግቦ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ሃገሩ ኣብ ዝተመለሰሉ ብደገፍቱ ድሙቕ ኣቐባብላ'ዩ ተገይርሉ።

ግባግቦ ኣብ እዋን ኵናት ሓድሕድ ኣይቬሪኮስት ካብ ሓደ ዞባዊ ባንኪ ብዝፈጸሞ ዝምታ ብመንግስቲ ን20 ዓመት ክእሰር ንሱ ኣብ ዘይብሉ ፍርዲ ተዋሂብዎ ነይሩ እዩ።

ግባግቦ፡ ንሱን ፕረዚደንት ኣይቬሪኮስት ነበር ሄንሪ ኮናን ባዴን ኣብ ኣይቮሪኮስት ፖሎቲካዊ ውድድር ንኽሕይል ሓገዝቲ ምዃኖም እዩ ዝሕብር።