ቻይና፡ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ዝኾነት ናይ ቻይና ሮኬት ኣብ ቀዳመ ሰንበት ኣብ መሬት ክትዓልብ’ያ፤ መዕለቢኣ ግን ኣይተፈለጠን

ሮኬት ቻይና እናተበገሰት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ስብርባር ናይታ ቻይና ዝወንጨፈታ 5ቢ ዝተሰመየ ሮኬት ቀዳመ ሰንበት ኣብ ክግመት ዘይተኸኣለ ቦታታት ናይ ዓለምና ክዓልብ እዩ ተባሂሉ።

ክሳብ ሕጂ ተኻየዱ ብዘሎ መጽናዕቲ ስብርባር ናይቲ ሮኬት ኣበየናይ ክፋል ናይ ዓለምና ክዓለብ ከምዝኽእል ኣይተገመተን ዘሎ።

እታ ቻይና ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዝያ መንኮርኮር ህዋ ጸዒና ዝሰደደታ ሮኪት፡ ስርሒታ ዛዚማ ካብ ጠፈር ናብ መሬት ንምእታው ኣብ ምኹላል እያ ዘላ።

ኣመሪካ፡ ብሓሙስ ኣብ ዘውጽአቶ መግልጺ፡ እታ ሮኬት ኣበይ ክትዓለብ ከምእትክል ክፍለጥ እኳ እንተዘይክኣል፡ ኣብ ህዋ እንከላ ሃሪማ ናይ ምብታን መደብ ከምዘይብላ ግን ገሊጻ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ ልሎይድ ኦውስቲን “ኣብ ዝኾነ ነገር ዕንወት ከየውረደት ኣብ መሬት ክትዓልብ ተስፋ ንገብር፡ ኣብ ውቅያኖስ ወይ ኣብ ካልእ ሰብ ዘይነብሮ ትዓልብ ትኸውን” ኢሉ።

ናብ ቻይና ነቁፌታ ዝደርበየ ልሎይድ ኦውስቲን ብምስዓብ “ከምዚ ዓይነት ስርሒት ክካየድ ክሕሰብ እንከሎ ድሒሩ እንታይ ክመጽእ ይኽእል ኣቐዲምካ ክሕሰበሉ ግድን’ዩ” ክብል ተዛሪቡ።

ብመንግስቲ ቻይና እትውነን ማዕከን ዜና፡ እታ ሮኬት ኣብ ሰብ ዝነብሮ ከባቢ ክትዓልብ ትኽእል እያ ንዝብል ፍርሒ ብምንእኣስ፡ ኣብ ማያዊ ኣካል ዓለምና ከትዓልብ ምዃና እያ ክትገልጽ ቀንያ።

እታ ሮኪት ኣብ ዝርሓቐ ክፋል ዓንኬል ጠፈር ኮይና ኣብ ዙርያ መሬት እያ ትሕንበብ ዘላ፡ ቀስ እናበለት ግን ናብቲ ልዑል ስሕበት ዘለዎ ክፋል ጠፈር መሬት ክትኣቱ እያ።

ካብ መሬት 60 ኪሎሜተር ራሕቒ ኣብ ዘለዎ ምስ ብጽሐት ዝበዝሐ ክፋላ ክቃጸል ከምዝኽእል እዩ ዝግመት፡ እቲ ዘይነደደ ኣካላ ግን ናብ መሬት ክዓልብ እዩ።

ምዕላብ ናይታ ሮኬት ምቁጽጻር እንዘይተገይርሉ ግን ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኮይና ኣብ ዝኾነ ክፋል ዓለምና ክትዓልብ ከምእትክእል ኣመሪካ ተጠንቅቕ።

ሮኬት ቻይና እናተበገሰት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ መጋቢት 2020 ቻይና ዝወንጨፈታ ተመሳሳሊት ሮኬት፡ ናብ ህዋ ናይ ዓለም ምስ ኣተወት ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ስለዝኾነት ኣብ ገጠራት ናይ ኣይቮሪኮስት ምዕላባ ይዝከር።

ትካል ምቁጽጻር ህዋ ቻይና፡ እታ ሮኬት ይቆጻጸራ ድዩ ዘሎ ዋላስ ካብ ቁጽጽሩ ወጻኢ ኮይና ክሳብ ሕጂ ዝሃቦ ርእይቶ የለን።

ናብ ህዋ ዝውንጨፋ ሮኬታት ናብ መሬት ኣብ ዝምለሳሉ፡ ምቁጽጻር እናተገበረለን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ ካብ መሬት ኣዝዩ ዝርሓቐ ቦታታት ናይ ደቡብ ሰለማዊ ውቅያኖስ ኣብ ሞንጎ ኣውስትራልያን ደቡብ ኣመሪካን ከምዝዓልባ እዩ ዝግበር።

ኣብቲ ቦታ ብውሕዱ 1500 ትርብዒት ኪሎ ሜተር ዝኸውን ንመዕለቢ ሮኬታት ተባሂሉ ዝተሓዘኣ ማያዊ ኣካል ኣሎ።