ኣብ ሓደ እዋን ብሓንቲ መንኮርኮር ናብ ህዋ ዝለኣኹ ብዝሒ ሳተላይት ተመሓይሹ

ምንጪ ስእሊ, SpaceX
ዝተፈላለየ ቅርጽን መጠንን ዘለወን 143 ሳተላይታት ኣብ ሓንቲ ሮኬት ተጻዒነን ካብ ፍሎሪዳ ናብ ህዋ ተወንጪፈን።
ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት 104 ሳተላይት ብሓንቲ ስርሓት ህንዲ መንኮርኮር ናብ ህዋ ተወንጪፈን ነይረን። እቲ ሕጂ ክብረ ወሰን ሰይሩ ዘሎ እቲ ቀዳማይ ቢልየነር ዓለምና ስፔስኤክስ- ፋልከን (SpaceX Falcon) ዝፈጠሮ ኤለን ዝተባህለ ኩባንያ እዩ።
ንክንድዚ ዝኣክል ብዝሒ ዘለዎን ሳተላይት ብሓንቲ መንኮርኮር ምውምጫፍ ምኽኣል ማለት ኣብ ዕቤት ቴክኖሎጂ ሓደ ዓቢ ዝላ ምርግጋጽ ማለት እዩ ተባሂሉ። በዚ ሓዲሽ ኣገባብ ከኣ ነተን ሳተላይት ብዓቐን ኣንኢስካ፡ ብተግባርን ውጽኢትን ኣብሊጺግካ ኣብ ስራሕ ምውዓል ከምዝተኻእለ መርኣያ እዩ ተባሂሉ ኣሎ።
ኣብዚ እዋን እዚ ልክዕ ከምቲ ዝኾነ ኩባንያ ሞባይል ክትሰርሕ እትኽእል ዘላ፡ ሳተላይት ክሰርሓን ከፍርያን ዝኽእላ ኩባንያታት እውን በዚሐን ምህላወን ዘርኢ እዩ።
እታ ሓዳሽ ናይ ህዋ ታክሲ ስፔስኤክስ (SpaceX) ነተን ሳተላይት ካብ ሓደ ሚልዮን ዶላር ብዝውሕድ ዋጋ እያ ናብ ኦርቢት ልኢኻተን። በዚ ከኣ ካልኦት ብዙሓት ኩባንያታት እውን ኣብዚ ዓውዲ'ዚ ክሳተፉ ከምዝኽእሉ መርኣያ እዩ ተባሂሉ ዘሎ።
ናይ ገዛእ ርእሱ 10 ሳተላይታት ዝውንን ስፔስኤክስ ኣብ ዓለም ናይ ኢንተርነት ብሮድባንድ ኣገልግሎት ክህብ ይኽእል'ዩ ዝብል ትጽቢት ተነቢሩሉ ኣሎ።
እዚ ሕጂ ኣብ ሳንፍራንሲስኮ ብሓደ ጉዕዞ ሮኬት 48 ሳተላይታት ብምልኣኽ ክብረ ወሰን ዝጨበጠ ፕላኔት ኩባንያ፡ ሳተላይታቱ ‹ሱፕርዶቭ› ዝተባህላ ኮይነን፡ መዓልታዊ ብልዑል ጽሬት ንምስሊ ምድሪ ስኢለን ዘቕርባ ካሜራታት ዝዓጠቓ እየን።
እዚ ኣብ ሳንፍራንሲስኮ ዝመደበሩ ፕላኔት ኩባንያ፡ ምስተን ሕጂ ዝለኣኸን 48 ሳተላይታት ብድምር ኣስታት 200 ሳተላይት ኣብ ህዋ ኣለውዎ።
እተን ሱፐርዶቭስ ዝተባህለ ሳተላይታት ዓቐነን፡ ካብ ሳንዱቕ ናይ ሊስትሮ ኣይዓብን እዩ። እተን ኣብ ናይ ፋልኮን ሮኬት ዝተጻዕና ካልኦት ሳተላይታት ከኣ ካብ ናይ ሻሂ ኩባያ ኣይዓብያን እየን ተባሂሉ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ " ናይ ህዋ ኣናህብ" ተባሂለን ዝጽውዓ፡ ክንዲ ንህቢ ዝኾና ግን ከኣ ብስራሕ ማዕረ እተን ዓበይቲ ሳተላይት ኣገልግሎት ክህባ ዝኽእላ ሳተላይታት ይፍጠራ ከምዘለዋ ሊቃውንቲ ይሕበሩ።

ምንጪ ስእሊ, IQPS
መጠን ዕቤት እተን ሳተላይታት 10 ሴንቲ ሜትር ብ10 ሴንቲ ሜትር ክኾኑ እዮም። እዘን ናይ ህዋ ኣናህብ ተባሂለን ዝግለጻ ዘለዋ ሳተላይታት ምስ ኣብ መሬት ዘሎ ዝኾነ ይኹን ዓይነት መሳርሒ ከራኽባ ይኽእላ እየን ዝብል ትጽቢት ኣሎ።
ንኣብነት ካብ ሃገር ናብ ሃገር ንዝበሩ አዕዋፍ እንስሳታት ወይ መራኽብ ወይ እውን ካልእ ኣካል ምስተን ሳተላይት ዘራኽባ መመሓላለፍቲ እየን።
እቲ ኣብ ናይ ስፔስኤክስ ፋልከን መንኮርኮር ዝተጻዕነ ዓበይቲ ሳተላይታት ካብ ሓደ ሳምሶናይት ዝዓቢ ኣይኮነን። መብዛሕቶም ናይ ራዳር ሳተላይታት እየን።
እቲ ብተለምዶ ናይ ራዳር ሳተላይታት ተባሂሉ ዝጽዋዕ መጠነ ግዙፍ ሳተላይት ብብዙሕ ቶን ዝምዘን ኮይኑ ናብ ህዋ ንምውንጫፊ ብኣማኢት ሚልዮናት ዝኣክል ገንዘብ የድሊ ነይሩ።
ስለዝኾነ ነቶም ናይ ቀደም ናይ ራዳር ሳተላይታት ዓቢ ወተሃደራዊ ሓይልን ትካልን ዘለዎ ሃገር ወይ ኤጀንሲ እንተዘይኮይኑ ማንም ዝደፍሮ ስራሕ ኣይነበረን።
ሕጂ ግን ምስ ምርቓቕ ቴክኖሎጂ ብዘደንቕ ኩነታት ክብደቱ ካብ ሓደ ኩንታል ብምንኣሱ ከኣ ካብ ክልተ ሚልዮን ብዘይበዝሕ ገንዘብ ንህዋ ክውንጨፍ ይከኣል ኣሎ።
ኣብቲ ናይ ትማሊ ናይ ህዋ ጉዕዞ አይሲየ (Iceye) ካብ ፊንንላንድ፡ አምብራ (Umbra) ካብ አሜሪካ፡ አይኦፒኤስ (iQPS) ካብ ጃፓን ሳተላይታት ልኢኸን ኣለዋ።
እዘን ኩባንያዎታት ነቲ ዓውዲ ሓደሽቲ ጀመርቲ እየን። ይኹን እምበር ሳተላይታቶም መዓልታዊ ናይ መሬት ምስሊ ይልእካሎም።
እቲ ራዳር ከኦፕቲካል ዝተባህለ ዘበናዊ ካሜራ ንደበና ጥሒሱ ብምሕላፍ ንገጽ ምድሪ ብዝሓሸ ጽሬትን ድምቀትን ስኢሉ ናይ ምቕራብ ብቕዓትን ዓቕምን ኣለዎ።
ብቐትርን ብርሃንን ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ድቕድቕ ጸልማት እውን ንጹር ስእሊ ናይ ምስኣል ዓቕሚ ኣለዎ። እዚ ማለት ከኣ ኣብ ምድሪ ዝፍጸም ነገር ለይትን ቀትርን ብዘየገድስ ኩሉ ነገር ዝረኣየሉ እዋን መጺኡ ምህላው መርኣያ እዩ ተባሂሉ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







