ሩስያ ኣብ ጠፈር እንታይ’ያ ‘ተኲሳ’?

ምንጪ ስእሊ, EPA
ሩስያ ኣብ ህዋ ናይ ሚሳይል ፈተነ ተኲሳ ብምባል ኣመሪካን ብሪጣንያን ዘቕረብኦ ክሲ፡ ንሓቂ “ዝጠምዘዘ’ዩ” ክትብል ሩስያ መልሲ ሂባ።
“እቶም ዝተገብሩ ፈተነታት፡ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ናይ ጠፈር በረርቲ ሓደጋ ዝፈጠረ ኣይነበረን” ይብል ሚኒስትሪ ምክልካል ሩስያ።
እቲ ብ15 ሓምለ ዝተኻየደ ፈተነ፡ ንዓለምለኻዊ ሕጊ ዝጠሓሰ ከምዘይኮነ’ውን መግለጺ ናይቲ ሚኒስትሪ ጠቒሱ።
ሞስኮ፡ ኣቐዲማ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ንሓደ ናይ ጠፈር ኣካል ንምክትታል ዝሕግዝ ሓድሽ ቴክኖሎጂ ከምዝፈተነት ሓቢራ ነይራ’ያ።
ይኹን እምበር፡ ኣመሪካን ብሪጣንያን፡ ብዛዕባ ንጥፈታት ሩስያ ኣብ ህዋ ምሽቓለን ኣይተረፈንን።
“ሩስያ ብሓደ ናይ ኣጽዋር ባህሪ ዘለዎ ተወንጫፊ ንሓንቲ ካብ ሳተላይታታ ዝፈተነትሉ ኣገባብ ኣተሓሳሲቡና ኣሎ” ክብል ሓላፊ ክፍሊ ጠፈር ብሪጣንያ፡ ኣየር ቫይስ ማርሻል ሃርቪ ስሚዝ ተዛሪቡ።
ብሪጣንያ ንፈለማ እዋን’ያ፡ ብዛዕባ ሩስያ ኣብ ጠፈር ዝገበረቶ ፈተነ ትዛረብ ዘላ። እቲ ፍጻመ ኣብ ዝቐረባ እዋን ዝተገብረ መንግስቲ ነቲ ካብ ሩስያ ዝነቅል ስግኣት “ኣዝዩ ከምዘነኣኣሶ” ዝገልጽ መርመራ ድሕሪ ምውጽኡ’ዩ ዘጋጥም ዘሎ።
ሩስያ ብዛዕባ’ቲ ዘካየደቶ ፈተነ እንታይ ትብል?
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ፡ ብዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሓንቲ ካብተን “ኢንስፐክተር” ተባሂለን ዝፍለጣ ሳተላይታት እታ ሃገር፡ “ፍሉይ መሳርሒ ጠፈር ብምጥቃም ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ናይ ሩስያ ጠፈራዊት በራሪት ፈተነ ኣካዪዳ” ክብል ገሊጹ።
እቲ ስርሒት “ንዝኾነ ንቡር ኣሰራርሓ ይኹን መትከላት ዓለምለኻዊ ሕጊ ኣይጠሐሳን” ብምባል’ውን ነቲ ፈተነ ተኸላኺሉ።
ብሪጣንያን ኣመሪካን፡ “ኣብ ጠፈር ኣጽዋራት ከዋፍራ መደብ ከምዘለወንን፡ ባጀት ንክረኽባን ነቲ ኩነታት ጠምዚዘን ከቕርባ ይፍትና ኣለዋ” ክብል እቲ ሚኒስትሪ ወቒሱ።
“ነዚ ኣንጻር ሩስያ ዝግበር ዘሎ ዝደሓረ መጥቃቲ፡ ኣካል ናይቲ ብዋሽንግተን ዝካየድ፡ ናይ ሩስያ ናይ ጠፈር ንጥፈታት ንምስይጣን ዝዓለመ ናይ ሓበሬታ ወፍሪ ጌርና ኢና እንቖጽሮ።”
ሞስኮ ኣቐዲማ ከም ዝበለቶ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈጸመ ፈተነ ሳተላይት፡ “ንቱክኒካዊ ኩነታት ናይቲ ዝፍተን ዘሎ ኣካል ዝምልከት እገዳሲ ሓበሬታ ክርከብ ተኻኢሉ ኣሎ።”
ስለምንታይ ኣመሪካን ብሪጣንያን ተሻቒለን?
ኣዛዚ እዚ ጠፈር ኣመሪካ፡ ጀነራል ጀይ ረይመንድ፡ ብሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሩስያ “ኣብ ጠፈር ዝመደበሩ ጸረ-ሳተላይት ኣጽዋር ከም ዝፈተነት” ጭብጢ ከምዘሎ ገሊጹ ነይሩ።
“እዚ ድማ መርኣያ ናይቲ ሩስያ ትገብሮ ዘላ፡ ኣብ ጠፈር ዝመደበሩ ስርዓተ-ሚሳይል ናይ ምምዕባል ጻዕርታት ዘርኢ ኮይኑ፡ ምስቲ ኣብ ልዕሊ ኣብ ጠፈር ዝርከብ [ሳተላይታት] ኣመሪካን መሻርኽታን ስግኣት ንምፍጠር ኣጽዋራት ምውፋር ዝብል ወግዓዊ ናይ ክረምሊን ወታሃደራዊ ሰረተ-እምነት ዝቃዶ’ዩ” ኢሉ።
ተሓጋጋዚ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ፡ ኣብ ጉዳያት ዓለምለኻዊ ጸጥታን፡ ዘይምስፍሕፋሕ [ኑክሌርዊ ኣጽዋራትን] ክሪስቶፈር ፎርድ ብወገኑ፡ ሞስኮ፡ እቲ ናይ ኣጽዋር ምቁጽጻር ውዕል ንጠፈር’ውን ዝሸፈነ እናበለት፡ ነዚ ሓድሽ ፈተነ ምክያዳ ግብዝና’ዩ ክብል ከሲሱ።
“ሞስኮ፡ ንናይ ኣመሪካ ዓቕሚ ንምግዳብ እናዳጸዓረት፡ ነቲ ተካይዶ ዘላ ነቲ ጸረ-ህዋ ፕሮግራም ግን ደው ከተብሎ ድሌት የብላን” ይብል እቲ ብዓልስልጣን።
ኣመሪካ ከምእትብሎ፡ እቲ ስርዓተ-ሳተላይት፡ ምስቲ ኣብ 2018 ኣሻቒልዋ ዝነበረ ፈተነ ተመሳሳልነት ዘለዎ’ዩ። ኣብቲ እዋን፡ ሩስያ ነቲ ኣካል ናብ ሓንቲ ናይ ኣመሪካ ሳተላይት ብምጽጋዓ ኣመሪካ ከሲሳ ነይራ’ያ።
ብሪጣንያዊ ኣየር ቫይስ ማርሻል ብወገኑ፡ “ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ፡ ንሰላማዊ ጥቕሚ ጠፈር ኣብ ሓደጋ ዘእቱን፡ ንካልኦት ሳተላይታትን ዓለም እትጥቀመሎም ስርዓተ-ጠፈርን ስግኣት ዝፈጥር ስብርባር ከስዕብ ይኽእል እዩ” ክብል ዘለዎ ተቓውሞ ኣስሚዑ።
ሩስያ፡ ብሪጣንያ፡ ኣመሪካን ቻይናን ዝርከብአን ልዕሊ 100 ሃገራት፡ ካብ ክሊ ዓለም ዘሎ ጠፈር ንሰላማዊ ዕላማታት ኩሉ ክድህስሶ ዝኽእል ምዃኑ ውዕል ምእታወን ይፍለጥ።
ብመሰረት እቲ ውዕል፡ ኣጽዋራት ኲናት ኣብ ዑደት ይኹን ኣብ ህዋ ክሰፍር የብሉን።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







