ኢሎን ማስክ ናይ ዓለምና ዝሃብተመ ሰብ ኮይኑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኢሎን ማስክ፡ መጠን ሃብቱ 185 ቢልዮን ዶላር ብምብጽሑ ናይ ዓለምና ዝሃብተመ ሰብ ከምዝኾነ ተገሊጹ።
ኢሎን ማስክ ስፔስኤክስ (SpaceX) ከምኡ'ውን ተስላ ዝተባህላ ኩባንያታት ዘለዎ ኮይኑ፡ ትማሊ ሓሙስ ናይቲ ኩባንያ ዋጋ ብርኪ ምስ ወሰኸ'ዩ ናይ ዓለምና ዝሃብተመ ሰብ ቦታ ዝሓዘ።
ንሱ፡ ነቲ ካብ 2017 ኣትሒዙ ቀዳማይ ናይ ዓለምና ዝሃብተመ ቢልዮነር ዝነበረ መስራቲ ኩባንያ 'ኣማዞን' ጀፍ ቤዞስ ሒሊፉዎ'ሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ብኢሎን ማስክ ዝውነን ናይ ኤለክትሪክ መካይን ዘፍርይ ኩባንያ ተስላ ዋግኡ ብ700 ቢልዮን ዶላር ዓብዩ።
በዚ ድማ ዋጋ እቲ ኩባንያ ልዕሊ ቶዮታ፡ ቮልክስዋገን፡ ጂኤም ከምኡ'ውን ፎርድ ሓዊስካ ኮይኑ ኣሎ።
ንሱ፡ ነዚ ዜና ምስ ሰመዐ ''ዘገርም'ዩ'' ክበል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።
ማስክ ሃብቱ ኣበይ ከምዘጥፍኦ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ትዊተር ኣተንቢሁ ነይሩ።
ንሱ፡ ''ፍርቂ ዘለኒ ሃብቲ ንጸገማት መሬት ኣብ ምፍታሕ ክውዕል'ዩ፤ እቲ ካልእ ፍርቂ ድማ ኣብ ፕላኔት ማርስ፡ መሬትና ብሜትሮይድ እንተተሃሪማ ንቐጻልነት ደቂ ሰባት እትኸውን ከተማ ምስራሕ'ዩ'' ክብል ጽሒፉ።
መጠን ሃብቲ ጀፍ ቤዞስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ተሓጊዙ ኣስታት $130 ቢልዮን ዶላር ከምዝበጽሐ ይግመት።
እንተኾነ፡ እቲ ወናኒ ናይ ኦንላይን ዕዳጋ ኣማዞን: ምስ ሰበይቱ ምስ ተፋተሓ፡ ካብቲ ዋኒን 4 ሚእታዊት ብርኪ ስለዝወሰደት'ዩ ኢሎን ማስክ ሓሊፍዎ ዘሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







