ናይ ዓለምና ሃብታም 35 ቢልዮን ሂቡ ፍትሕ ክፍጽም ተሰማሚዑ

ጂፍ ቢዞስ፡ ምስ በዓልቲ ቤቱ ማኬንዚ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ጂፍ ቢዞስ፡ ምስ በዓልቲ ቤቱ ማኬንዚ

ወናኒ ኦንላይን ዕዳጋ ኣማዞን ቀዳማይ ሃፍታም ዓለምና ጂፍ ቢዞስ፡ ምስ በዓልቲ ቤቱ ማኬንዚ፡ ኣብ ዓለምና እቲ ዝኸበረ ፍትሕ ክፍጽሙ እዮም።

እቲ ኣስታት 35 ቢልዮን ዶላር ብፅሒት ዝኽፍለሉ ፍትሕ፡ ኣብ ዓለምና እቲ ክባር እንትኾን፡ ማኬንዚ ኣብቲ ሰብኣያ ቅድሚ 25 ዓመታት ዝመስረቶ ኩባንያ ኣማዞን፡ 4 ምኢታዊ ብርኪ ክህልዋ እዩ።

ኣብ ጋዜጣ ዋሺንግተን ፖስትን ስፔስ ትራቭልን ግን በጽሒት ኣይክህልዋን።

እዚ መቐሎ ፍትሕ ነቲ ቅድም ክብል ብ ኣሊክ ዊልደንስተንን በዓልቲ ገዝኡን ተፈጺሙ ዝነበረ ናይ 3 ነጥቢ 8 ቢልዮን ዶላር ክብረወሰን ዝሰብር እዩ።

ማኬንዜ ኣብ ትዊተር ገጻ '' እቲ ናይ ፍትሕ ከይዲ፡ ክልቴና ተሓጋጊዝና መዕለቢ ክረክብ ስለዝገበርና ሕጉስቲ እየ'' ክትብል ጽሒፋ።

ቅድሚ እቲ ፍትሒ ማኬንዜ ኣብ ኣማዞን 16 ነጥቢ 3 ብርኪ ነይሩዋ።

ጂፍ ቤዞስ ድሕሪ እዚ ፍትሕ 75 ምኢታዊ ወናኒ ኣማዞን እንትኾን፡ ኣብቲ ትካል ኣብ ከክንዳኣ ክውስን እውን ፍቓድ ሂባቶ ኣላ።

እዞም ኣርባዕተ ቖልዑ ዘለዉዎም ስድራ ቅድሚ ጂፍ ቤዞስ ኣማዞን ምምስራቱ ዘተራኸቡ እንትኾን፡ ማኬንዜ ድማ ካብቶም ናይ መጀመሪያ ሰራሕተኛታት ኣማዞን እያ ነይራ።

እቲ ዓብዪ ናይ ኦንላይን ዕዳጋ ኣማዞን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 232 ነጥቢ 8 ቢልዮን መሸጣ ዘካየደ እንትኮን፡ ነቶም ስድራ ድማ 131 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ሃፍቲ ከጥርዩ ኣኽኢሉዎም እዩ።

ማኬንዜ ክልተ መጻሕቲ ዝጸሓፈት ዕዉትቲ ጸሓፊት እንትትኮን፡ ናይ ፎክስ ቲቪ ኣሰናዳኢ ምስዝነበረ ላውረን ሳንቼዝ ርክብ ከምዝጀመረት ይንገር።