መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዳግማይ ናብ ኣስመራ በረራ ጀሚሩ

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዳግማይ ናብ ኣስመራ በረራ ጀሚራ

ምንጪ ስእሊ, AMANUEL SILESHI

ብሰንኪ ኮቪድ-19 ካብ መወዳእታ ሰሙን ናይ ወርሒ መጋቢት 2020 ብወግዒ ናብ ኣስመራ በረራ ኣቋሪጹ ዝጸንሐ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ዳግማይ ናብ ኣስመራ በረራ ከም ዝጀመረ ተፈሊጡ።

መንግስቲ ኤርትራ ብሰንኪ ኮቪድ-19 ካብን ናብን እታ ሃገር ዝግበር ንግዳዊ በረራታት ደው ምስ ኣበሎ መንግዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ ዝገብሮ ዝነበረ በራራታት ደው ኣቢልዎ እዩ ጸኒሑ።

እቶም ካብን ናብን ኤርትራ ዝገሹ ሰባት ኸኣ ብመንገዲ ዱባይ እዮም ዝገሹ ነይሮም።

ወይዘሮ ምልእተ ተስፉ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንሕክምና ኢለን ካብ ኣስመራ ናብ ኬንያ መጺኤን ሕክምናዊ ክንክን ዝግበረለን ዘሎ ኤርትራዊት ኣደ እየን።

ንሰን "ዝሓጸረን ዝቀረብን ብኢትዮጵያ እዩ ነይሩ፤ ዝግበር ስለ ዘይነበረ ግን መጀመርታ ንዱባይ ካብኡ ኸኣ ናብዚ መጺአ ይሕከም ኣለኹ" ኢለን።

መርበብ ሓበሬታ መንግዲ ኣየር ኢትዮጵያ

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሚያዝያ 2021 ናብ ኣስመራ በረራ ክጅምር ምዃኑ ተገሊጹ'ኳ እንተነበረ፡ ምኽንያት ከይተገለጸ ተወንዚፉ ጸኒሑ።

ሕጂ እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ሮቡዕን ቀዳምን ናብ ኣስመራ በረራ ከም ዝጅምር መርበብ ሓበሬታ ሰሌዳ በረራታት እቲ መንገዲ ኣየር ይሕብር።

ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣስመራ ንዝግበር በረራ 9,952 ብር ከም ዝኾነ'ውን እቲ መርበብ ሓበሬታ የመልክት።

ብሰንኪ ዶባዊ ኵናት ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተቋሪጹ ዝነበረ በረራታት፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ነቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዝነበረ ወጥሪ ዘህድእ መርገጺ ምስ ወሰደ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ 18 ሓምለ 2018 ናይ መጀመርታ ህዝባዊት ነፋሪት ኢትዮጵያ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ምዕላባ ይዝከር።

ኣብቲ ግዜ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ብዙሕ ህዝብን ድሙቕ ኣቀባብ ከም ዝገበሩላ'ውን ይዝከር።

እታ ድሕሪ ዕስራ ዓመታት ናብ ኣስመራ በረራ ዘካየደት ነፋሪት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ ኣውፈርቲ፣ ስነ-ጥበባውያንን ጋዜጠኛታትን ዝርከብዎም ገያሾ ሒዛ እያ ኣስመራ ዓሊባ።