ህልቂት ኣይሁድ፡ ‘ታሪኽ ህይወት ኣቦ ሓጎይ እናጽሓፍኩ ቀታሊ ምዃኑ ፈሊጠ'

ምንጪ ስእሊ, silviafoti.com
ብዙሓት ሉታናውያን ጆናስ ኖሬካ ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣንጻር ኮሚኒስት ሶቭየት ዝተዋደቐ ጅግና ኢሎም ዘኽብሩዎ'ዩ።
ሲልቫ ፎቲ ግን እቲ ጅግና ብዙሓት ዝኾነ ኣቦ ሓጎኣ ቅድሚ ምውላዳ ስለ ዝሞተ ኣይትፈልጦን።
ጆናስ፡ መራሒ ሚሊሻ፣ ኣመሓዳሪ፣ ፖለቲከኛን ጠንካራ ብሄርተኛን ነይሩ።
ሲልቫ ታሪኽ ህይወት ኣባ ሓጎኣ ዘዘንቱ መጽሓፍ ጽሒፋ ክትውድእ ምስ ወሰነት ግን ሓደ ንህይወታን ህይወት እቲ መጽሓፍን ዝልውጥ ሓቂ ትሰምዕ።
'ብዛዕባ ድሕረ ባይታኡ ዝፈልጦ የብለይን'
ሲልቫ፡ ኣብ ቺካጎ እትነብር ጸሓፊት'ያ።
ንዓሰርታት ዓመታት ኣቦ ሓጎኣ ረብሓ ሃገሩ ንምውሓስ ብዛዕባ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ክዝንቶ ትሰምዕ ነይራ።
ሲልቫ ኣብ ኣመሪካ እንተዓበየት'ውን ብሉታኒያን ስራሕቲ ኣቦ ሓጎኣን ግን ሕብንቲ እያ።
ኣዲኣን ዓባያን ኣቦ ሓጎኣ ብ1947 ኣንጻር ወራር ሶቭየት ተቓውሞ እናካየደ ከም ዝተቐትለ ነጊረንኣ'የን [ሕጂ ብህይወት የለዋን]።
ኣብ ሉታኒያ ኣብያተ ትምህርትን ጎደናታትን ብሽሙ ተሰይሞም'ዮም፤ ብሱሩ ዘንተኣለም ንክዝከር ሽሙ ኣብ መናድቕ ተቐሪጹ'ዩ።
እንተኾነ፡ ርእሰ መምህር ናይታ ብሽሙ ዝተሰየመት ቤት ትምህርቲ ደጋጊሙ ካልኦት ዘይብሉዎ ነገር ብዛዕብኡ ክዛረብ ትሰምዖ።
"ኣቦ ሓጎኺ ኣይሁዳውያን ብምቕታል ይኽሰስ'ዩ" ይብላ።
"ከምዚ ክብሃል ንመጀመርታ እዋን ስለ ዝሰማዕኹ ሃለዋተይ ኣጥፊአ ወዲቐ" ብምባል ሲልቫ ትዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, silviafoti.com
ኣብቲ ሽዑ እዋን ሲልቫ ጓል 38 ዓመት ነይራ።
"ኣደይን ዓባየይን ብህይወት ኣይነበራን። ብዛዕባ ኣቦ ሓጎይ ዝገርም ታሪኽ ክጽሕፍ'የ ኢለ ይሓስብ ነይረ። ብዛዕባ ሕማቕ ግብሩ ዝፈልጦ ኣይነበረንን" ብምባል ምስ ቢቢሲ ሃርድ ቶክ ኣብ ዝነበራ ጻንሒት ገሊጻ።
ወሲኻ "ኣብ እዋን 2ይ ኲናት ዓለም ኣንጻር ኮሚኒስታውያን ብዛዕባ ዝተቓለሰ ጅግና ክጽሕፍ'የ ዝሓስብ ነይረ" ኢላ።
ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ብዝሰምዐቶ ዝሰንበደት ሲልቫ፡ ኣብቲ ግዜ "ናይ ኮሞኒስታውያን ፕሮፖጋንዳ'ዩ" ኢላ ንዓሰርታት ዓመታት ዕሽሽ ኢላቶ ከም ዝነበረት ተረድእ።
'ጃምላዊ ቅትለት ኣይሁዳውያን'
ሲልቫ፡ "ን10 ዓመታት ብዛዕባ ኣቦ ሓጎይ ሓበሬታ ዝረኽበሎም ነገራት የገላብጥ ነይረ" ትብል።
ኣብቲ ሽዑ ግዜ ኣቦ ሓጉኣ ወዲ 22 ዓመት እናሃለወ ብ1933 ዓ.ም ዝጽሓፎ በዓል 30 ገጽ ሰነድ ረኺባ።
እዚ ሉታናውያን ስለ ምንታይ ኣንጻር ኣይሁድ "ክእድሙ" ከም ዘለዎም ዝነግር ኣንጻር ኣይሁዳውያን ዝጉስጉስ ጽሑፍ'ዩ ኢላ።
ኣብ ካልእ ሰነድ ድማ፡ ጆናስ ኖሬካ ንሂትለርን ሙሶሎንን ዝንእድ ምንባሩ ዘረጋግጽ ጽሑፍ ትረክብ።
ድሒሩ ካብዚ ዝኸፍእ ዘሰንብድ ነገር'ዩ ዝመጽእ።
ኣቦ ሓጎኣ ባዕሉ ሰባት ቐቲሉ ዝብል መረጋገጺ እንተዘይረኸበትሉ'ውን ብዙሓት ኣይሁዳውያን ኣብ ዝቐተለ ስርሒት ምስታፉ ዘረጋግጽ ብዙሕ ሰነዳት ምርካባ ትዛረብ።
ካብዚ ብምብጋስ ርእሲ እቲ መጽሓፋ 'ጓል ጓሉ ንናዚ' ክትብሎ ወሲና ኣላ።

ምንጪ ስእሊ, Grant Gochin
ልዕሊ 95 ሚኢታዊት ሉታናውያን ኣይሁድ ኣብ እዋን መሪሕነት ናዚ ተቐቲሎም'ዮም።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ሲልቫ ምስ ገለ ኣባላት ማሕበረሰብ ሉታናውያን ኣይሁድን ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ደቆምን ብምዃን ሽም ኣቦ ሓጎኣ ካብ ዝርዝር ሽም ጀጋኑ ሉታኒያ ክእለ ትጉስጉስ ኣላ።
ደገፍቲ ኖሬካ፡ ሉታናውያን ብናዝን ሩሲያውያንን ኣብ ዝተኸበብሉ እዋን "ንሃገሩ'ዩ ዝከላኸል ነይሩ" ኢሎም ይካትዕሉ።
ወሲኾም፡ ኖሪካ ብናዚ ተኣሲሩ ናብ መዳጎኒ ማእከላት ተወሲዱ ድሓር ድማ ብሩሲያውያን ተቐቲሉ ስለ ዝኾነ፡ ከም ሓደ ናይ ናዚ ልኡኽ ተገይሩ ክውሰድ የብሉን ይብሉ።
እንተኾነ ሲልቫ እቶም ሚስጢራውያን ሰነዳት ኖሬካ ኣባል ተቓውሞ ኣንጻር ሶቭየት ከም ዝነበረን ወዲ 30 ዓመት እናሃለወ ብ1941'ውን ምስ ናዚ ከም ዝተሓባበረን'ዮም ዘረጋግጹ ትብል።
ኣቦ ሓጎኣ ብዙሓት ኣይሁዳውያን ካብ ገዝኦም ክወጽኡ ብምግባር ናብቲ ኣስታት 2000 ኣይሁዳውያን ዝተቐትልሉ ቦታ ክኸዱን ምግባሩ ዘረጋግጽ ሰነድ ኣለኒ ኢላ።
ዘይልሙድ ግን ድማ ጥቡቕ ምሕዝነት
እቲ ሓደ ጠንካራ መረዳእታ፡ ጸሓፊ ኖሬካ ዝነበረ ዝጽሓፎ ሓጺር ዛንታ ህይወት ኮይኑ፡ ኖሬካ እዞም 2000 ሽሕ ኣይሁዳውያን ክቕተሉ መምርሒ ከም ዝሃበ ዝገልጽ'ዩ።
"ንሱ ብህይወት ዝነበረ መሰኻኽር ዓይኒ ነይሩ" ኢላ።
ሲልቫ ካልእ ኣቦ ሓጎኣ ፈጺሙዎም ዝብሃሉ ግፍዕታት ዘረጋግጹላ ተወሳኺ ሰነዳት ኣብ እተተኣላልሸሉ እዋን፡ ኣስታት 100 ኣባላት ስድርኡን ኣዝማዱን ብኖሬካ ተቐቲሎም'ዮም ዝብል ግራንት ጎሂን ዝርከቦም ገለ ሉታናውያን ኣይሁድ ኣንጻር ኖሬካ ጎስጓስ የካይዱ ነይሮም።
"እቲ ዝነበረኒ መጽናዕቲ ህዝቢ ክፈልጦ ገይረ። ሓደ መዓልቲ ሲልቫ ኢሜይል ልኢኻትለይ" ብምባል ኣመሪካዊ፣ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ኣይሁድ ሉታኒያ ግራንት ይዝክር።
ንሱ ንብዙሕ ዓመታት ኣንጻር መንግስቲ ሉታኒያ ዝተፈላለዩ ክስታት'ኳ እንተኣቕረበ፤ ኣይተዓወተን።
"መጀመርታ ተጠራጢረያ . . . ድሓሪ ደዊላ 'እቲ መጽናዕትኻ ኣንቢበዮ'የ፤ ግን ድማ ሓደ ዓብዪ ጌጋ ተጋጊኻ' ኢላትኒ። እንታይ? ኢለያ። ንሳ ድማ 'እቶም 10 ሽሕ ዝኾኑ ግዳያት ኣቦ ሓጎይ ረሲዕኻዮም' ኢላትኒ" ይብል።
በዚ፡ ክልቲኦም ክቀራረቡ ምስ ጀመሩ መሓዙት ኮይኖም። ግራንት ኣብ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ሕብረት ኤውሮጳ ንመንግስቲ ሉታኒያ ክኸስስ እንከሎ'ውን ሲልቫ ደጊፋቶ።
ግራንት፡ ካብቶም ኣብ ሉታኒያ ዝተቐትሉ 220 ሽሕ ኣይሁዳውያን ኖሬካ ብቕትለት ኣስታት 15 ሽሕ ግዳያት ተሓታቲ'ዩ ይብል።
መንግስቲ ሉታኒያ ግን ነዚ ይነጽጎ።

ምንጪ ስእሊ, Grant Gochin
ሲልቫ ብዛዕባ ኣቦ ሓጎኣ ምስ ፈለጠት፡ ኣዝዩ ዘሰንብድን ንሕሊናኣ ዝጎድኣን ኩነታት እያ ኣሕሊፋ።
ኣዲኣ ወይ ዓባያ ብህይወት እንተዝህልዋ ነይረን እዚ መጽሓፍ ክትጽሕፎ ከም ዘየፍቅዳላ'ውን ትዛረብ።
"እዚ መጽሓፍ ምስ ጽሓፍኩ ምስ ስነ ልቦናይ ሓያል ጎነጽ'የ ኣሕሊፈ። ክልቲአን ብሓሳበይ እናመጽኣ የጨናንቓኒ ነይረን፤ ኣይሕስውን ዝበኸኽሉ መዓልቲ ነይሩ" ትብል።
"እዚ ኩነታት ብሉታኒያዊ መንነተይ ርእሰይ ከድንን ገይሩኒ'ዩ። ኣብ ሓደ እዋን ሕብንቲ ሉታኒያዊት ዝነበርኩ ሕጂ ሓፊረ። እታ ሃገር ኣብዚ ጃምላዊ ቅትለት ምስታፋ ጥራይ ዘይኮነ ንዓመታት ክትክሕዶ ምጽንሓ ምቕባል ኣዝዩ ከቢድ ነይሩ። እዚ ንዓመታት ዘስግኣኒ ኮይኑ"።

ምንጪ ስእሊ, silviafoti.com
ሲልቫ ኣዲኣ ብዛዕባ ኖሬካ ትፈልጦ ነገር ከም ዘይነበራ እያ ትዛረብ።
"ብ1941 ጓል ክልተ ዓመት ነይራ፤ ድሕሪ ዝተወሰኑ ዓመታት ብዛዕብኡ ክውጋዕ ሰሚዓ ነይራ ትኸውን፤ ግን ድማ ከምቲ ኣነን ብዙሓት ሉታናውያንን ዝነበርናዮ ኣብ ዘይምቕባል ኣትያ ነይራ ትኸውን" ትብል።
እዚ ንዓመታት ዝጸንሕ ዘይምቕባል ከአ ነቲ መጽሓፍ ንምጽሓፍ 20 ዓመታት ክወስድ ከም ዝገበረ ገሊጻ።
ዓባያ ግን በዚ መገዲ ኣይትርድኣን።
"ንሳ ብዝግባእ ትፈልጥ ነይራ'ያ፤ ኩሉ ነገራት ምስ ፈለጥኩ ከኣ ስምዒት ክሕደት፣ ሕርቃን እዩ ተሰሚዑኒ። ከመይ ኢላ ነዚ ሚስጢር ሓቢኣ ምስ ነብሳ ተሳኒያ ትነብተር ነይራ? ብሓደ ገጽ ኣነ ቅድሚ ምፍላጠይ እንኳዕ ሞተት። ሕጂ ከመይ ኢለ ኣብ ቅድሚ ኣደይን ዓባየይን ጠጠው ከም ዝብል ኣይፈልጥን፤ ንሳ'ውን ከመይ ኢላ ክትርእየኒ ነይራ ዝብል ኣይፈልጥን" ኢላ።
ግራንት ብወገኑ፡ ትብዓት ሲልቫ ከም ዝንኦ ይዛረብ።
"ሲልቫ ነዚ ክትገብር ዘጥረየቶ ጥንካረ ምግማት ይክኣል'ዶ? ኣዝያ እትገርም ሰብ እያ" ብምባል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
'ጓል ጓሉ እቲ ቐታሊ' ከምኡ'ውን 'ውላድ ግዳያት እቲ ቐታሊ' ሲልቫን ግራንትን ዝጽሓፉዎም መጽሓፍቲ ኮይኖም፡ "ሓቀኛ ታሪኽ ዕርቂ" ዝቃለሱ ክኾኑ'ዮም ክብል ግራንት ይገልጽ።
በዚ እትሰማማዕ ሲልቫ'ውን ሆሊውድ ታሪኾምን እቲ ዘይልሙድ ምሕዝነቶምን ብፊልም ከዳልዎ ምዃኑ ገሊጻ።
"ሉታናውያን ኣብ ጨፍጫፍ ኣይሁድ ኢድ ከም ዝነበሮም ኣሚኖም ሓላፍነት ክወስዱ ኣለዎም። ግዳያት ብህይወት ዝመልስ እንተዘይኮነ'ውን ክዝከሩ ዝግብኦም ስለ ዝኾኑ ዝኽሮም ንምምጻእ ክሕግዝ'ዩ ትብል ሲልቫ።
ታሪኽ ኣቦ ሓጎኣ ዘዘንቱ መጽሓፍ ምድላዋ ከኣ "ስድራ ግዳያት ንምሕዋይ" ጥራሕ ዘይኮነ "ሉታናውያን'ውን ዝሓውይሉ" እዩ ኢላ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







