ዓሌታዊ ጨፍጫፍ ቱልሳ፡ ፕሬዝደንት ባይደን መበል 100 ዓመት እቲ ህልቂት ዘኪሩ

ባይደን ኣብ ማእከል ባህሊ ግሪንውድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕሬዝደንት ጆ ባይደን ኣብታ ታሪኽ ኣመሪካ እቲ ዝኸፍአ ተባሂሉ ዝፍለጥ ብ1921 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ዘጋጠመ ዓሌታዊ ጎንጺ ዘስዓቦ ጨፍጫፍ ቱልሳ ዝዘከረ ፈላማይ ፕሬዝደንት ኣመሪካ ኮይኑ።

እቲ ፕሬዝደንት ትማሊ ናብ ኦክላሆማ ከተማ ቱልሳ ተጓዒዙ መበል 100 ዓመት እቲ ህይወት ኣስታት 300 ሽሕ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ዝቐተለ መጥቃዕቲ ዘኪሩ።

እዚ ናይ ክልተ መዓልታት ጎንጺ ብዕስለ ኣኽረርቲ ጸዓዱ ዝተላዕለ ኮይኑ ንዓሰርታት ዓመታት ካብ ታሪኽ እታ ሃገር ተሓኺኹ ክርሳዕ ተገይሩ ጸኒሑ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝካየዱ ዝነበሩ ተቓውሞታት ፍትሒ ዓሌታዊ መጥቃዕታት ግን ዳግም ሃገራዊ ጉዳይ ኮይኑ ክልዓል ገይሮም።

ብ31 ግንቦት 1921 ጉጅለ ጽዓዱ ኣመሪካውያን ነቲ ጸለምቲ ከም ዝነብርሉ ዝፍለጥ ኣብ ከተማ ቱልሳ ዝርከብ ከባቢ ግሪንውድ ኣጥቂዖም።

እቶም ጸዓዱ ኣመሪካውያን መንበሪ ኣባይትን ትካላት ንግድን ቅድሚ ምቅጻሎምን ምዕናዎምን፡ እቲ ከባቢ ናይታ ሃገር ሃፋትም ጸለምቲ ኣመሪካውያን ዝነብርሉ'ዩ ነይሩ።

እንተኾነ በቲ ጎነጻዊ መጥቃዕቲ ኣማኢት ክሞቱ እንከለው፡ ብዙሓት ጸለምቲ ኣመሪካውያን ቖሲሎምን ቤት ንብረቶም ስኢኖምን'ዮም።

ድሕሪ'ቲ መጥቃዕቲ፡ ብርክት ዝበሉ መንግስታዊ ሰነዳት ጠፊኦም፡ ኣብያተ ትምህርቲ ድማ ብዛዕባ እዚ ጨፍጫፍ ከየምሃራ ንዓመታት ዘሊቐን።

ፕሬዝደንት ጆ ባይደን ትማሊ ኣብ ዘስምዖ ዘረባ "ንነዊሕ ዓመታት ኣብዚ ቦታ ዝተፈጸመ ታሪኽ ብስቕታን ብጸሊም ካባን ተሓቢኡ'ዩ ጸኒሑ። እዚ ዓመጽ ዘይኮነ ጨፍጫፍ'ዩ ነይሩ፤ ሓደ ካብቲ ሕማቕ ታሪኽ ኣመሪካ'ውን እዩ" ኢሉ።

እቲ ፕሬዝደንት 31 ግንቦት መዓልቲ ዝኽሪ እቲ ጨፍጫፍ ክትከውን ኣዊጁ።

"ኣብ ሕግታትናን ፖሊሲታትናን ምምሕያሽ ብምግባር ዓሌታውነት ንምእላይን ፍትሒ ንምምጻእን መንግስቲ ብዕቱብ ይሰርሕ ኣሎ" ይብል ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ ዘውጽኦ መግለጺ።

ካብቲ ጨፍጫፍ ሰለስተ ሰባት ጥራይ ብህይወት ክተርፉ ከለው፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ 101 ክሳብ 107 ክሊ ዕድመ ይርከቡ። ፕሬዝደንት ባይደን ከኣ ክረኽቦም ትጽቢት ኣሎ።

ጨፍጫፍ ቱልሳ ምስ ተፈጸመ ክልተ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዘ'ውን ዕስለ ጽዓዱ ኣመሪካውያን ኣብ ገጠር ፍሎሪዳ ዝርከብ ሮስውድ ዝተባህለ መንበሪ ጸለምቲ ኣጥቂዖም።

ነበርቲ ግሪንውድ ንባይደን ኣቀባብላ ገይሮምሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ነበርቲ ግሪንውድ ንባይደን ኣቀባብላ ገይሮምሉ

ብሰኑይ ከንቲባ ቱልሳ ጂቲ ቢያንም: ምምሕዳር እታ ከተማ ሰላማውያን ሰባት ካብቲ መጥቃዕቲ ክሕሉ ዘይምኽኣሉ ይቕሬታ ሓቲቱ።

"ብ1921 ኣብ ምምሕዳር ቱልሳ ዝነበረ ዋላ ሓደ ሰብ ብህይወት እንተዘይሃለወ'ውን ነቲ መንግስቲ ዝተካእና ስለ ዝኾንና ክንገብሮ ዝግባእ ብዘይምግባርና ይቕሬታ ይሓትት። ኩሎም ግዳያት ኣብ ከተምኦም ዝሓሸ ነገር ክረኽቡ ይግብኦም፤ እዚ ዘይምርካቦም ግን የሕዝነኒ" ክብል ኣብ ፌስቡክ ጽሒፉ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ኮንግረስ ኣመሪካ ቐሪባ ምስክርነት ዝሃበት ጓል 107 ዓመት ቪኦላ ፍሌቸር "ኣብታ ዕለት ኩሉ ነገር ኢና ስኢንና . . . ግሪንውድ መርኣያ ጸለምቲ ኣመሪካ ክህልወና ዝኽእል ነገራት'ያ ነይራ" ኢላ።

ፕሬዝደንት ባይደን ናብ ስልጣን ክመጽእ እንከሎ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዓሌታውነትን ዓሌታዊ ኣፈላላይን ንምፍታሕ ከም ዝሰርሕ ቃል ይኣቱ ነይሩ።

በዚ መሰረት ምምሕዳር ባይደን ፍትሓዊ ዕደላ መንበሪ ኣባይቲ ንክህሉ ሓደሽቲ ሕግታት ብምትእትታው ኣብ ዕዳጋ ኣባይቲ ዘሎ ዓሌታዊ ኣፈላላይ ከም ዝፈትሕ ይሕብር።

ብተወሳኺ ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት ዝተፈላለየ ቑጠባዊ ዕድላት ክፍጠሩን ከም ግሪንውድ ዝበሉ ብኣግባቡ ዘይተመሓደሩ ከባቢታት ንምሕጋዝ 10 ቢሊየን ዶላር ንዳግመ ሕውየት ከም ዝህብን ገሊጹ።