ጥዕና ኣእምሮ፡ ስንባድ፡ ምጽናት ዓሌትን ዘይርአ በሰላን - ዛንታ ውጻእ ኣብ ሩዋንዳ ዝተፈጸመ ጽንታ

ቪክቶርያ ዎንኩንዳ

ምንጪ ስእሊ, Victoria Uwonkunda

መግለጺ ስእሊ, ቪክቶርያ ኣብ 1981 ኣብ ኪጋሊ ተወሊዳ

ንጉዳየይ ብቕሉዕ ክዛረበሉ ከለኹ ሎሚ ፈለማይ’ዩ፤ ኣዕርዩ ውልቃውን ንመሓዙት ይኹን ንመሳርሕተይ ንዓመታት ዘይነገርክዎምን ኣብ ውሽጠይ ዝተደጎለን ጉዳይ።

ግን ሓቂ ንምዝራብ ንነዊሕ እዋን እቲ ዘለኹሉ ጸገም ጥዕና: እንታይ ከምዝኾነን እንታይ ከምዝበሃልን ኣይፈልጦን ጸኒሔ።

ሎሚ ግን ፈሊጠዮ’ለኹ፤ ብድሕሪ እቲ ቆልዓ ኮይነ ኣብ ሩዋንዳ ዝተፈጸመ ምጽናት ዓሌትን ካልኦት በዳህቲ ተጓንፎታትን ብሳይንሳዊ ኣጸዋውዓ ‘ፖስት ታራውማቲክ ስትረስ ዲስኦርደር’ [ብድሕሪ ሓደ ዘሰንብድ ፍጻመ ዝፍጠር ቅልውላው ጥዕና-ኣእምሮ] ከምዘለኒ ተገንዚበ።

ኣብ ዝኾነ እዋን መጺኡ ክሳብ ንምስትንፋስ ኣብ ዝጽገመሉ ደረጃ ዘብጽሓኒ ዘቐንዙ ስምዒት ይፈጥረለይ።

ቪክቶርያ ምስ ኣዲኣን ኣቦኣን

ምንጪ ስእሊ, Victoria Uwonkunda

መግለጺ ስእሊ, ቪክቶርያ ምስ ኣዲኣን ኣቦኣን

ብተዘክሮ ምልስ ክብል ከለኹ፤ ኣብ 1980ታት ኣብ ዋና ከተማ ሩዋንዳ ኪጋሊ ሓገዞም ምስ ዘይፍለየኒ ወለደይ እናነበርኩ ልክዕ ከም ካልኦት ህጻናት ሕጉስቲ ቆልዓ ነይረ። ሽዑ ኣነ፣ ኣደይን ንእሽቶ ሓወይ ጁኒየርን ነይርና።

ጁኒየር ግን ቀዳማይ ዓመት ልደቱ ንምኽባር’ውን ኣይተዓደለን። ኣነ ቆልዓ 2 ዓመት እናሃለኹ ብሕማም ተፈልዩና፤ እዚ ንዓይ ንፈለማ እዋን ዝሰኣንክዎ ዓብዪ ነገር ነይሩ።

ቆልዓ ስለዝነበርኩ’ምበር ንሓወይ ምስኣንስ ኣይምተጻወርክዎን። ዕድመ እናወሰኽኩ ምስመጻእኹ ግን እቲ ብድሕሪ ዝኾነ ዓይነት ዘሰንብድ ተጓንፎ ስዒቡ ዝመጽእ ቅልውላው ጥዕና-ኣእምሮ ክምዕብል ጀሚሩ።

እቲ ካልኣይ ልቢ ዝሰብር ክስተት ዘጋጠመኒ 10ይ ዓመት ዕለተ ልደተይ ንከኽብር ክልተ ወርሒ ምስተረፈኒ ነይሩ። ሽዑ ኣደይ ብሰንኪ ሕማም ስኢነያ።

ኣብ ናይ ሆስፒታል ዓራት ደቂሳ ካብ ጎና ዘይፍለየሉ ኩነታት ሎሚ’ውን ይዝከረኒ፤ ነታ ናይ ንጉሆ ጸሓይ ከመይ ከምእተስተማቕራ ምርኣይ ስለዘሕጉሰኒ ካብ ጎና ክፍለ ኣይደልን። ግን ከኣ ንቖርበታ ክተናኽፎ ከለኹ ደሪቑ ነይሩ። ክብደት ሰብነታ ብዝለዓለ መጠን ነኪዩ ብምንባሩ ዳርጋ ዝተረፋ ነገር ኣይነበረን።

ንሳ ምስ ሞተት ንዓይ ዳርጋ ዓለም ኩሉ ፍጻመ ዝረኸበ መሲሉ’ዩ ተሰሚዑኒ። ክንድቲ በዞም ክልተ ኣጋጣምታት ክሓዝኖ ዝነበረኒ ግን ኣይሓዘንኩን። ብድሕሪኡ ናብታ ሎሚ ኣደይ እናበልኩ ዝጽውዓ ኣሞይን ሓሙሽተ ደቃን ከይደ። ኩሎም ሓገዝተይ ነይሮም።

ወርሒ ሚያዝያ 1994 ቆልዓ 12 ዓመት ኣብ ዝነበርኩሉ: ንህይወተይ ኩሉ ፍጻመ ኮይኑ ዝተሰምዓኒ ዓሌታዊ ምጽናት ተፈጺሙ።

ሕሉፋውያን ኣባላት ዓሌት ሁቱ ኣብ ልዕሊ ውሑዳን ማሕበረሰብ ቱትሲ ብዝፈጸምዎ ዘርኣዊ ምጽናት ኣብ ውሽጢ 100 መዓልታት ጥራይ 800,000 ሰባት ተቐቲሎም።

ካብዚ ንምህዳም ካብ ኪጋሊ ብምውጻእ ናብታ ኣብ ጥቓ ዶብ ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ትርከብ ንእሽቶ ከተማ ጊሰኒ ጉዕዞ ጀሚርና።

እንተኾነ እቲ መጥቃዕቲ ደድሕሪና ስለዝሰዓበ ኣብ ጉዕዞና ብዕጡቓት ሚሊሻታት ደው ክንብል ተገዲድና።

ዘፍርሕ ህሞት ነይሩ፤ እዞም መስተ ሰትዮም ዝሰኸሩን ውኒኦም ዝሰሓቱን ዝመስሉ ሰባት ዝደለይዎ ነገር ክገብሩ ከምዝኽእሉ ክግንዘብ ኪኢለ።

ቪክቶርያ ምስ ኣዲኣ

ምንጪ ስእሊ, Victoria Uwonkunda

መግለጺ ስእሊ, ቪክቶርያ ምስ ኣዲኣ

ገሊኦም ገና ቆልዑ እዮም ነይሮም፤ ግን ከኣ ጎዞሞ (ጎጆሞ) ዝሓዙ፣ ኣብትርቲ ዝዓትዓቱ ገሊኦም ከኣ ደም ዝተጸያየቑ ነይሮም። እዚ ንኹሉግዘ ካብ ውሽጠይ ክጠፍእ ዘይኽእል ኣጋጣሚ’ዩ።

ብድሕሪ’ዚ ዶብ ሰጊርና ኣብ ኮንጎ ከተማ ጎማ ስደተኛታት ኮይንና ክንነብር ጀሚርና። ኣብኡ ከኣ ብዙሕ ሞት ሪኤ፤ ብዙሓት ብሰንኪ ሕማም ሸሮኽን ውጽኣትን ሞይቶም። ሬሳታት ኣብ ወሰን መገዲ ተደብሪዮም ይረኣዩ።

ኣብቲ ኩሉ እዋናት ካብኡ ድማ ናብ ኬንያ ዝመጻእኹሉ ኣጋጣሚ፤ ኣብ መወዳእታ ድማ ጓል 16 ዓመት ኮይነ ናብ ኖርወይ ክኣትው ዕድል ዝረኸብኩሉ ጊዜ ኩሎም ንዓይ ብህይወት ንምትራፍ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዝነበርኩ ይመስለኒ ነይሩ።

እዚ ስምዒት ድማ ሰባት ንዝርከቡሉ ስነልቦናዊ ጸቕጢ (ውጥረት) ክጻወሩ ዘኽእሎም ስነኣእምሮኣዊ ጸፍሒ እዩ። ምስኡ ነነዊሕ እዋን እንተጸኒሕኻ ግን ከቢድ ጉድኣት ከኸትል ይኽእል።

ናብ ኖርወይ ኣትየ ቁሩብ ኣእምሮይ ክሕደስ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን እቲ ቓንዛ ናብ ሕልናይ ክምለስ ጀሚሩ፤ ሰብ ሞያ ጥዕና ኣእምሮ ከኣ ብድሕሪ ሓደ ዘሰንብድ ክስተት ንዝፍጠር ቅልውላው ጥዕና ኣእምሮ [‘ፖስት ታራውማቲክ ስትረስ ዲስኦርደር’] ከምዝተቓላዕኹ ክግንዘቡ ኪኢሎም።

ብርግጽ ኣብ ከምዚ ዝበለ ስምዒት ዘለኹ ኣነ ንበይነይ ኣይኮንኩን። ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ብዂናት ካብ ዝሓለፉ ሰባት ካብ ሓሙሽተ ልዕሊ ሓደ ሰብ ን‘ፖስት ታራውማቲክ ስትረስ ዲስኦርደር’ ሓዊሱ ኣብ ተመሳሳሊ ቅልውላው ጥዕና ኣእምሮ ከምዝርከቡ መረዳእታ ውድብ ጥዕና ዓለም የመልክት።

እቲ ኩነታት ከኣ ንዝተፈላለዩ ዘሰንብዱ ኣጋጣምታት መሰረት ብምግባር ዝተፈጠረ ክኸውን ይኽእል።

ሓደ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ ኣብ ሃገራት ትሕቲ ሳህራ ኣፍሪቃ ዝነብሩ ሰባት ንስንባደ ዝተቓልዑ ኮይኖም ምናልባት ከኣ ጸገም ጥዕንኦም ናብ ን‘ፖስት ታራውማቲክ ስትረስ ዲስኦርደር’ ናይ ምዕባይ ተኽእሎ ኣለዎ።

ግን ከኣ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ንጥዕና ኣእምሮ ዝወሃብ ክንክን ወይ ሓገዝ ብዙሕ ኣይኮነን።

ነታ ኣብ ኲናት ሓድሕድ ልዕሊ 10 ዓመት ዝጸንሐት ሰራልዮን ከም ኣብነት እንተወሲድና ኣስታት 10 ሚኢታዊት ካብ 7 ሚልዮን ህዝባ ጸገማት ጥዕና ኣእምሮ ኣለዎም።

ብድሕሪ ዘሰንብድ ክስተት ንዘጋጥም ጸገም ጥዕና ኣእምሮ ከምዝተቓላዕኹ ንምዝራብ 30 ዓመታት ወሲዱለይ’ሎ። እንተዘይነግረኩም ነይረ ኣይምፈለጥኩምን።

ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ግን ብግልጽን ብዘይገለ ሕፍረትን ምዝራብ ኣገዳሲ’ዩ። ብድሕሪኡ ምናልባት ካልኦት ብዙሓት ሰባት ሓገዝ ክረኽቡ ይኽእሉ ይኾኑ።