ምጽናት ዓሌት ['ጀኖሳይድ'] ብኸመይ ይግለጽ?

ምንጪ ስእሊ, AFP
ምጽናት ዓሌት ወይ 'ጀኖሳይድ' ኣንጻር ደቂሰብ ዝፍጸም እቲ ኣዝዩ ከቢድ ገበን ከምዝኾነ ብዙሓት ክኢላታት ይሕብሩ።
ትርጉሙ ከኣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ጉጅለ ህዝቢ/ሰባት ጃምላዊ ዝኾነ ጽንታ ወይ ቕትለት ምፍጻም ዝብል ኮይኑ፤ እቲ ኣብ 1940ታት ናዚ ጀርመን ንኣይሁዳውያን ከጥፍእ ዝፈጸሞ ገበናት ምስዚ ብኣብነት ይጥቀስ።
እንተኾነ ስግር'ዚ ብቐሊሉ ዝግለጽ ትርጉም፤ ብመንጽር ሕጋዊ ኣምር ክረኣ ከሎ ምጽናት ዓሌት ብኸመይ ይግለጽ፤ መዓስ'ከ ተፈጺሙ ክበሃል ይከኣል? ዝብል ኣካታዒ ጉዳይ እዩ።
ትርጉምን ክትዓትን
እቲ ናብ ትግርኛ ክነምጽኦ ከለና ምጽናት ዓሌት ወይ ጽንታ ዝብል ትርጉም እንህቦ 'ጀኖሳይድ' ዝብል ቃል ኣብ 1943 ራፋኤል ለምኪን ብዝተባሃለ ኣይሁዳዊ-ፖላንዳዊ በዓል ሞያ ሕጊ ዝተፈጠረ ስያመ ኮይኑ ውህደት ክልተ ቃላት፡ ግሪክን ላቲንን ምዃኑ ይፍለጥ። 'ጀኖስ' ['genos'] ናይ ግሪክ ቃል ኮይኑ ዓሌት ወይ ዘርኢ ዝብል ትርጉም ይሕዝ፤ 'ሳይድ' [cide] ድማ ካብ ላቲን ዝተወሰደን ምቕታል ወይ ቕትለት ማለት'ዩ።
ዶክተር ለምኪን ነቲ ብዘይካ ሓዉ ካልኦት ኩሎም ኣባላት ቤተሰቡ ዝተቐተሉሉ ህልቂት ['ሆሎካስት'] ብዓይኑ ድሕሪ ምርኣዩ፤ 'ጀኖሳይድ' ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕጊ ዝዳነ ገበን ክኸውን ጎስጓሰ የካይድ ነይሩ።
ዝገበሮ ጻዕሪ ከኣ ነቲ ኣብ ታሕሳስ 1948 ዝተኣታተወን ኣብ ጥሪ 1951 ግብራዊ ዝኾነን ስምምዕ ጽንታ ዘርኢ ሕቡራት ሃገራት መሰረት ክኸውን በቒዑ።
ኣብቲ ውዕሊ/ስምምዕ ዝሰፈረ ዓንቀጽ 2 ከኣ ንዘርኣዊ ምጽናት "ንኸም ብሄራዊ፣ ዓሌት፣ ዘርኣዊ ወይ ሃይማኖታዊ ዝበሉ ጉጅለን ዝመሰሉን ብምሉእ ይኹን ብኸፊል ንምጥፋእ ብምሕሳብ ዝፍጸም ካብዞም ዝስዕቡ ዓይነታት ተግባር'ዩ"፡
- ኣባላት ናይቲ ጉጅለ (ዓሌት) ምቕታል
- ኣብ ልዕሊ ኣባላት እቲ ጉጅለ ከቢድ ኣካላዊ ወይ ሞራላዊ ጉድኣት ክበጽሕ ምግባር
- ብምሉእ ወይ ብኸፊል ኣቋማዊ ዕንወት ንምስዓብ ብምውጣን ኮነ ኢልካ ኣብ ኩነታት ህይወት እቲ ጉጅለ ጸቕጢ ምውራድ
- ኣብ ውሽጢ እቲ ጉጅለ ወሊድ ንኸይህሉ ብምሕሳብ ስጉምትታት ምውሳድ
- ናይቲ ጉጅለ ህጻናት ኣገዲድካ ናብ ካልእ ጉጅለ ምስግጋር
እቲ ውዕሊ እተን ነቲ ስምምዕ ዝፈረማ ሃገራት ዘርኣዊ ምጽናት "ክከላኸላን ንፈጸምቱ ክቐጽዓን" ዘገድድ ሓፈሻዊ ግቡእ እውን ኣነጺሩ ይርከብ።
ግብራዊ ካብ ዝኾነሉ እዋን ጀሚሩ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ነቐፌታታት ይቐርበሉ'ዩ። ዝበዝሕ ቅርታ ከኣ ካብቶም ኣብ ገለ ፍጻመታት ዝህልዎ ኣተረጓጉማ ወይ ኣፈጻጽማ ብዝምልከት ስክፍታታት ካብ ዘለዎም ሰባት ይመጽእ። ገሊኦም እቲ ትርጉም ጽብብ ዝበለ ምዃኑ ክገልጹ ከለዉ፡ ገሊኦም ከኣ ጠገለ ብዘይብሉ ኩነታት ምዝውታሩ ይነቕፉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ገለ ተንተንቲ ን'ጀኖሳይድ' [ዘርኣዊ ምጽናት] ዝተወሃቦ ትርጉም ጸቢብ ምዃኑ ክገልጹ ከለዉ፡ እቲ ውዕሊ ግብራዊ ካብ ዝኸውን ንደሓር ካብ ሞንጎ ዝተፈጸሙ ጅምላዊ ቅትለታት ዋላ ሓደ'ውን ብኡኡ ክግለጽ ኮነ 'ጀኖሳይድ ተፈጺሙ' ክበሃል ዘኽእል ረቛሒታት ከም ዘየማልእ የረድኡ።
ኣብቲ ውዕሊ/ስምምዕ መሰረት ብምግባር ካብ ሞንጎ ብቐጻሊ ዝቐርቡ ተቓውሞታት ገሊኦም፡
- እቲ ስምምዕ ንጥቕዓት ተቓላዕቲ ንዝኾኑ ፖለቲካውን ማሕበራውን ጉጅለታት ዝጥርንፍ ኣይኮነን
- እቲ ትርጉም ኣንጻር ሰባት ንዝፍጸሙ ተግባራት ኣየካትትን፤ ኣንጻር ንሃለዋቶም ኣገዳሲ ዝኾነ ከባቢኦም ወይ ባህላዊ መለለዪታቶም ዝፍጸሙ ተግባራት
- ኣባል ሕቡራት ሃገራት ዝኾና ሃገራት ንኻልኦት ኣባል ሃገራት ንዘይምንቃፍ ወይ ኢድ ኣብ ንዘይምእታው የንሳሕባ፤ ጉዳይ ርዋንዳ ድማ ኣብዚ ከም ኣብነት ይጥቀስ
- እቲ ስምምዕ ዝዕቀነሎም ኣገባባት ዘብርህ ዝኾነ ትካል ዓለምለኻዊ ሕጊ የለን
- "ብኽፋል" ንዝብል ኣገላልጻ ምትርጓም ወይ ምዕቃን ከምኡ'ውን ክንደይ ዝኣክል ብዝሒ መወትቲ እዩ ምስ ዘርኣዊ ምጽናት ዝመዓራረ ዝብል ምፍላጥ ኣጸጋሚ ምዃኑ
እዞም ነቐፌታታት'ኳ እንተቐረቡ ብኻልእ ገጽ ድማ ዘርኣዊ ምጽናት ብቐሊሉ ክፍለጥ ዝኽእል ምዃኑ ዝገልጹ ብዙሓት ኣካላት ኣለዉ።
'ርዋንዳን ዘርኣዊ ምጽናትን ኣብ መበል 20 ክፍለ ዘመን ['Rwanda and Genocide in the 20th Century'] ዝብል ርእሲ ዘለዎ መጽሓፍ ዝጸሓፈ ዋና ጸሓፊ ትካል ግብረ-ሰናይ ዶብ ኣልቦ ሓኻይም [ኤም ኤስ ኤፍ] ነበር ኣሌይን "ዘርኣዊ ምጽናት ነቲ ብድሕሪት ዘሎ ዝተበገሰሉ ዕላማ ብምርኣይ ካብ ካልኦት ገበናት ክትፈልዮ ትኽእል ኢኻ" ዝብል ሓሳብ ኣስፊሩ ይርከብ።
"ዘርኣዊ ምጽናት ማለት ካብ ካልኦት ኣንጻር ሰብኣዊ ፍጡር ዝፍጸሙ ገበናት ብዝተፈለየ ኩነታት ዝትግበርን ነቲ ዒላማ ዝተገበረ ጉጅለ ንምጥፋእ ዝዓለመን እዩ። ስለዚ ጀኖሳይድ ካብቶም ኣንጻር ፍጡር ሰብ ዝፍጸሙ ገበናት ከቢድን ዝዓበየን ገበን እዩ" ይብል ንሱ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንዘርኣዊ ምጽናት ኣብ ዝወሃብ ትርጉም ብዙሕ ናይ ሓሳብ ኣፈላላያት ከምዝረኣይ ኩሉ ኣብ መበል 20 ክፍለዘመን ክንደይ ጊዜ ተፈጺሙ ይኸውን ኣብ ዝብል እውን ዘይምስምማዓት ኣሎ።
ክንደይ ጊዜ ዘርኣዊ ምጽናት ተፈጺሙ ይኸውን?
ገለ ወሃብቲ ርእይቶ ከምዝብልዎ ኣብ ዝሓለፈ ክፍለዘመን ሓደ ጊዜ ጥራይ እዩ 'ጀኖሳይድ' ተፈጺሙ። ንሱ ድማ 'ሆሎካስት' ብዝብል ዝፍለጥ ህልቂት ከምዝኾነ ይሕብሩ።
ካልኦት ኣካላት ብወገኖም ብመሰረት ትርጓመ ናይ ውድብ ሕቡራት ስምምዕ - 1984፡ ብውሑድ ሰለስተ ዘርኣዊ ምጽናት ከምዝተፈጸመ ይገልጹ።
- ኣብ ሞንጎ 1915-1920 ኦቶማን ቱርክ ኣብ ልዕሊ ኣርመናውያን ዝፈጸምዎ ጃምላዊ ቕትለት፤ ቱርኪ ግን ነዚ ክሲ ትነጽጎ
- ልዕሊ 6 ሚልዮን ኣይሁዳውያን ዝተቐተሉሉ 'ሆሎካስት'
- ብ1994 ልዕሊ 800 ሽሕ ሰባት ዝተቐተሉሉ ዘርኣዊ ምጽናት ሩዋንዳ
ካልኦት ኣብ ቀረባ እዋን ናብቲ ዝርዝር ዝኣተዉ'ውን ኣለዉ
- ኣብ ቦስኒያ ብ1995 ዘጋጠመ ጃምላዊ ቕትለት
- ካብ 1932-1933 ኣብ ዩክሬን ዘጋጠመን ብሩስያ ዝተኸሰተን ሰብ ሰራሕ ጥምየት
- 1975 ኢንዶነዢያ ንምብራቕ ቲሞር ዝወረረትሉ ኣጋጣሚ
- ኣብ 1970ታት ኣብ ካምቦዲያ ዝተፈጸመ ቕትለት፤ 1.7 ሚልዮን ካምቦዲያውያን ተቐቲሎም፣ ጠምዮምን ንግዱድ ዕዮ ተቓሊዖምን
ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ብ2010 ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ኣብ ቁጽጽር ክውዕል መአዘዚ ኣውጺኡሉ'ዩ። ክስታቱ ድማ ምስ ምጽናት ዓሌት ይተሓሓዙ። ንሱ ኣንጻር ኣብ ዞባ ዳርፉር ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ህዝቢ ዘመተታት ክካየዱ ብምልዕዓል ዝኽሰስ ኮይኑ ኣስታት 300 ሽሕ ከምዝተቐተሉን ኣብ ውሽጢ ናይ ሸውዓተ ዓመት ጎንጺ ልዕሊ ሚልዮን ሰባት ከምዝተፈናቐሉን ይግለጽ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ቀረባ ዝበሃል ከኣ ኣሜሪካ ብ2016 ንጀሃዳዊ ጉጅለ 'ኢስላሚክ ስቴት' (IS) ኣንጻር ክርስትያን፣ ያዚዲን ውሑዳን ሺዓን ዘርኣዊ ምጽናት ፈጺሙ ዝብል ክሲ ኣቕሪባትሉ ነይራ።
ብ2017 እውን ጋምቢያ ንጉዳይ ሚያንማር ናብ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ወሲዳቶ ነይራ። ክሳ ድማ ኣብ ልዕሊ ሮሂንጋውያን ምጽናት ከምዝተፈጸመ ይገልጽ። "ሰፊሕን ስልታውን ወፍሪ ምጽራይ" ኣብ ቁሸት ሮሂንግያ ተፈጺሙ ይብል ክሲ እታ ኣፍሪቃዊት ሃገር።
ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሮሂንጋውያን ካብ ሚያንማር ናብ ባንግላዲሽን ካልኦት ሃገራትን ክስደቱ እንከለዉ ኣሽሓት ከምዝተቐተሉ'ውን ይግለጽ።
ኣብ 2021 ኣሜሪካ፣ ካናዳን መንግስቲ ኔዘርላንድስን ንቻይና ብወግዒ ከሲሰንኣ ምንባረን ይዝከር። እቲ ክሲ ድማ ቻይና ኣብ ልዕሊ ኣብ ዢንጃንግ ዝነብሩ ህዝቢ ዊገር ዘርኣዊ ምጽናት ፈጺማ ዝብል'ዩ።
መረዳእታታት ከምዘመልክትዎ ቻይና ኣብ ልዕሊ ዊገራውያን ግዱድ ምምካን፣ ግዱድ ዕዮ፣ ጃምላዊ ማእሰርቲ ከምኡ'ውን ስልታዊ ጾታዊ ግህሰትን ስቅያትን ክፍጸም ብምግባር ትኽሰስ። እዞም ተግባራት ከኣ ንምፍጻም ዘርኣዊ ምጽናት ዘረጋግጹ እዮም። ቻይና ግን ነቶም ክስታት ነጺጋቶም'ያ።
ሕጋዊ ስጉምትታት ኣብ ልዕሊ ፈጸምቲ ዘርኣዊ ምጽናት
ምስ ክሲ ዘርኣዊ ምጽናት ብዝተሓሓዝ ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ፈላማይ ጉዳይ፡ ኣብ ርዋንዳ ህልቂት ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን ታባ ናይ ዝተበሃለት ከተማ ሁታውያን ከንቲባ ዝነበረ ጂን ፖል ኣካየሱ ዝምልከት'ዩ። ብ2 መስከረም 1998 ከኣ ኣካየሱ ገበነኛ ዘርኣዊ ምጽናትን ገበናት ኣንጻር ደቂሰብን ምዃኑ ተወሲኑ።
ምስ ጉዳይ ሩዋንዳ ብዝተሓሓዝ 85 ሰባት ብዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ዝተኸሰሱ ኮይኖም፤ ናይቶም 29 ብቐጥታ ምስ ዘርኣዊ ጽንታ ዝራኸብ'ዩ።
ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2010 ካብ ውድብ ሕቡራት ልሒዅ ዝወጽአ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ እቶም ብጉዳይ ዘርኣዊ ምጽናት ርዋንዳ ዝተኸሰሱ ሰባት ንባዕሎም ግዳያት ተመሳሳሊ ገበን ኮይኖም'ዮም።
ኣብ ቦስኒያ ጀነራል ዝነበረ ራዲስላቭ ክሪስቲክ ኣብ 2001 ገበነኛ ዘርኣዊ ምጽናት ኮይኑ ተረኺቡ። ንሱ ነቲ ዝቐረበሉ ክሲ ዝተቓወመ ኮይኑ፤ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት 8 ሽሕ ብምዃኑ "ኣዝዩ ዝተሓተ" ብምዃኑ ብገበን ዘርኣዊ ምጽናት ክውሰድ ከምዘይብሉ ብምግላጽ ክከራኸር ፈቲኑ ነይሩ። ቤት ፍርዲ ግና ንዘቕረቦ ይግባይ ውድቂ ገይሩ።
ኣብ 2007 ከኣ "ናይ ቦስኒያ ሓራዲ" ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ኮማንደር ቦስኒያ ሰርብ ዝነበረ ራቶክ ምላዲች ምስ ዘርኣዊ ምጽናት፣ ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ብዝተሓሓዝ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ተፈሪድዎ።
ብተመሳሳሊ ወዲ 92 ዓመት ኑን ቺ ከምኡ'ውን ወዲ 87 ዓመት ኪዩ ሳምፋን ምስቲ ኣብ ካምቦዲያ ዝተፈጸመ ቅትለት ብዝተሓሓዝ ገበነኛታት ዘርኣዊ ምጽናትን ኣንጻር ሰብኣውነትን ኮይኖም ስለዝተረኸቡ ብ2018 ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ተበይንዎም።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







